
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cwy5p5qwv4wo
ኣብ መወዳእታ ሓምለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ እንዳባጉና ዘሰንበደ ሓደ ዘሕዝን ክስተት ተፈጺሙ ነይሩ።
ወዲ 7 ዓመት ቈልዓ ጨውዮም ንወላዲቱ ገንዘብ ሓቲቶም፣ እቲ ገንዘብ ምስ ተቐበሉ ድማ ንውሉዳ ቀቲሎም ኣብ ቢንቶ ደርብዮሞ ከይዶም።
ጓል 32 ዓመት ዮርዳኖስ ጋይም ኣደ ክልተ ቈልዑ እያ። በዅራ ጓል 17 ዓመት ክትከውን እንከላ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኢድ ጨካናት ጨወይቲ ኣትዩ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ብኣስካሕካሒ ኵነታት ተቐቲሉ ኣስከሬኑ ብሓለውቲ ከብቲ’ዩ ተረኺቡ።
ዮርዳኖስ ኣብ ኤርትራ ከም ዝተወለደትን ኤርትራዊ ኣቦኣ ምስ ዓረፈ፡ ኣደኣ ትግራወይቲ ስለ ዝዀነት ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ናብ እንዳባጉና መጺኣ ከም ዝዓበየት ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዘካየደቶ ቃለመሕትት ገሊጻ።
ደቃ ከተዕብን ዝሓመመት ወላዲታ ክትኣልን ኢላ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝተሰደደት ድማ ቅድሚ 9 ዓመት’ዩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ድሕሪ ናይ 4 ዓመታት ስደት ናብ እንዳባጉና ተመሊሳ ክትነብር ጀሚራ ነይራ።
ኣብ መንጎ ኣብ ትግራይ ኲናት ስለ ዝተወልዐ ግዜ ዕጽዋን ክባን ኣብ እንዳባጉና እያ ኣሕሊፋቶ።
ውዕል ፕሪቶርያ ምስ ተኸተመ ዳግማይ ናብ ደቡብ ሱዳን ከም ዝተሰደደት እትገልጽ ዮርዳኖስ፡ ዝሓለፈ 22 ሓምለ 22 (ግእዝ) ምሸት ንልባ ዘሰንበደ ተሌፎን ከም ዝተደወላ’ያ እተዘንቱ።