ጀምስ ደ-ሎረንዚ ብዛዕባ ዞባና ዝደረሶም ዘደንቑ መጻሕፍቲ James De-lorenzi’s amazing books about our region

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cy5pg1w4y09o

ጀምስ ደ-ሎረንዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ዘተኰረ ናይ ግዝኣት – ከም ግዝኣት ኢጣልያ ዘኣመሰለ – ጸሓፊ ታሪኽ እዩ።

ንሱ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ሲቲ-ዩኒቨርሲቲ (ኒውዮርክ) ከም ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ታሪኽ ኰይኑ’ዩ ዝሰርሕ።

ደ-ሎረንዚ ኣብ ክቢታት ተመራመርቲ-ታሪኽ-ዞባና ኣፍልጦ ዝረኸበ በተን ዘሕተመን ክልተ ቀዳሞት መጻሕፍቱ እዩ።

እታ ቀዳመይቲ ‘ዓቀብቲ ባህሊ’ (Guardians of the Tradition) ዘርእስታ ኰይና፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ታሪኽን ባህልን ዞባና ንዝተዓቀበሉ መዳያት’ያ እተዘንቱ።

እታ ካልአይቲ መጽሓፉ (ምስ ክልተ ደረስቲ ተሓባቢሩ ዝጸሓፋ) ድማ ኣርእስታ ‘ብዙሕ ዝገጻቱ ህይወት ተስፋጽዮን’ (The many lives of Tesfa Seyon’) ኰይና፡ ብዛዕባ ኣብ መበል 16 ክፍለ-ዘመን ዝነበሩ ፈላጥ-ሰብ ታሪኽ-ህይወቶምን ውርሻኦምን እያ እተዘንቱ።

ኩሉ ርዝር ንምንባብ ኣብቲ ሊንክ ጠውቁ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *