ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ናይ ኢትዮጵያ ባዛዕባ ኤርትራ እንታይ በለ

ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ንኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኤርትራ ንሃገሩ ኣፍደገ ባሕራ ክትከፍተላ ድልውቲ ከም ዘይኰነት’መግለጺ ሂቡ።ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ኢትዮጵያ ከምዝበሎ ቀይሕ ባሕሪን ከባቢኡን ዘሎ ናይ ጸጥታ ጉዳይ ን ኢትዮጵያ ኣስጋኢ ኢዩ ክብል ገልጹ፡

ነዚ ዘሎ ዝይምርግጋእ ንምዕራይ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክትውንን ወይ ካኣ ክምትሀንጽ ኣብሪሁ.ኣብዚ ዞባ ብዙሐት ኣሸበርቲ ንሰላም ዘይብህጉ ስለ ዘለዉ ንሕና ንሰላምን ብልጽግናን ዘድሊ ከፊልና ከምንቆጽጸር ክንገብር ግዴታ ኣለና፡ብዚሐት ኣሸብርቲ ናይ ውግእ ኣመል ዘለዎም ኣለዉ ነዚኦም ኢድና ኣጣሚርና ንሪኦም ኣይኮናን ይብል።

ብወገን ኤርትራ፡ “ኣፍደገ ባሕሪ ሒዘ፡ ንዓኹም ከም ድልየተይ ክገብረኩም ዝብል ኣተሓሳስባ፡” ከም ዘሎ ዝገለጸ እቲ ፊልድማርሻል፡ “ወሳኒ ኣጽዋር [ኣፍደገ ባሕሪ] ሒዝካ ነዚ ኵሉ [ህዝቢ ኢትዮጵያ] ከም ድልየትካ ክትገብሮ ምፍታን ቅኑዕ ኣይኰነን ዝብል ነገር ምስ መጽአ፡ ሕጂ ኩራ መጺኡ’ሎ፣ ፈንጠርጠር ኣሎ፡” ኢሉ።

ብዚ ዝኸይድ ዘሎ ፓለቲካ ግጭት ናብ ውግእ ከያምረሔ ኣይዓርፍን ክብል መገልጺ ሂቡ ኣሎብወገን ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ እንትኾይኑ እቲ ኣብ መበል 34 ዓመት ናይ ናጽነት ኢሰያስ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ምትፍናን ወግዓውነት ኣልቢስዎ’ዩ።ኢሰይስ ካብ ዝበሎ እቲ ብህዝቢ ትጽቢት ዝነበሮ ሰላም ቅሂሙ ተሪፉ ክብል ገሊጹ ኔር።ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ግን፡ “ንኤርትራ ከይተረፈ ብሓባር ንስራሕ ኢልና ኢና። ባሕሪ ንዅልና ይዅን ኢልና ኢና፡” ክብል’ዩ ዝምጕት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *