
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/clygwj7450po
ቅድሚ 2 ሰዓታት
ሓይሊ ኣየር እስራኤል ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዘካየዶ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሓያለ ወተሃደራውያን መራሕቲን ተመራመርትን ተቐቲሎም።
እቲ ማዕበላዊ ደብዳባት ናብ ትካላት ኑክሌርን ወተሃደራዊ ዒላማታትን ዘነጻጸረ ምዃኑ’ያ እስራኤል ገሊጻ ዘላ። እቲ መጥቃዕቲ ንመዓልታት ክቕጽል ከምዝኽእል’ውን ኣጠንቂቓ’ላ።
መጥቃዕቲ እስራኤል “ኣዋጅ ኲናት’ዩ” ክትብል ዝኾነነት ኢራን፡ ሕነኣ ከምእትፈዲ ድሕሪ ምግላጻ፡ ድሮ ኣስታት 100 ድሮናት ናብ እስራኤል ከምዝሰደደት ጸብጻባት ሓቢሮም።
ዛጊት 70 ሰባት ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐትሉ ጣህራን ኣፍሊጣ።
ካብዚኣቶም ቀንዲ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲን ተመራመርትን ምዃኖም’ውን ይግለጽ ኣሎ።
bbc tigrina linked