
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cgq3zwpe4kko
30 ጉንቦት 2025, 10:10 EAT
ሓጅ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ምስልምና ኣብ መካ ስዑድ ዓረብ ዘካይድዎ ዓመታዊ ቅዱስ ንግደት እዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ንግደት ካብ 4 ክሳዕ 9 ሰነ ዝፍጸም ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሓጃጆ ናብ መካ ከም ዝበጽሑ ወግዓዊ ሰነዳት እታ ሃገር ይሕብሩ።
ስርዓተ ሓጅ፡ ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ መሰረታውያን ኣዕኑድ እስልምና ኰይኑ፡ ኵሉ ኣካላውን ገንዘባውን ዓቕሚ ዘለዎ ኣስላማይ እንተ ወሓደ ኣብ ዕድመኡ ሓደ ግዜ ክፍጽሞ ግዴታ ኣለዎ።
መካ ነቢይ መሓመድ ዝተወለደላን ቀዳሞት ግልጸታት ቅዱስ ቍርኣን ዝተቐበለላን ቦታ እያ። እቲ ኣብዛ ቅድስቲ ከተማ ዝፍጸም ሓጅ ከኣ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ዓመታዊ ምትእኽኻባት ዓለምና ኰይኑ ካብ ኵሉ ኵርናዓትን ዓሌታትን ዓለም ዝመጽኡ ኣመንቲ ብሓደ ዝፍጽምዎ እዩ።
ብዘይካ’ዚ እቲ ስፍራ፡ እቲ ብጸሊም ዓለባ ዝተሸፈነ ቅርጺ ርቡዕ ኵርናዕ ዘለዎ ካዕባ ዝርከቦ ኰይኑ፡ ማእከል ናይቲ ብቕዱስ መስጊድ ወይ ዓቢይ መስጊድ መካ ዝፍለጥ መሳጊድ ኣል-ሓራም ዝርከቦ እውን እዩ።
እምበኣር፡ ምናልባት ብዛዕባ ሓጅ ዘይትፈልጥዎ ሓሙሽተ ሓቅታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤