ኤርትራ፡ ዝተነብረላ እገዳ ዓቢ ቁጠባዊ ሃስያ ከምዘስዓበላ ገሊጻ

ቅድሚ 8 ሰዓታት

ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊኣ ተጻዒኑ ዘሎ ፋይናንሳዊ እገዳታት ኣብ ቁጠባኣ ዓቢ ሃስያ ከምዘስዓበ ገሊጻ።

ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቶም እገዳታት “ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን” ምዃኖም ተዛሪባ።

ኣብ 2021 እታ ሃገር ካብቲ ‘ስዊፍት (SWIFT) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሃገራት ዓለም ዝጥቀማሉ ዓለምለኻዊ ኣገባብ ምምሕልላፍ ገንዘብን ከምዝተኣገደት ኣምባሳደር ሶፍያ ተስፋማርያም ጠቒሳ።

“ሳዕቤናት ናይዞም ማሕበረ-ቁጠባ ዘልምሱ ዘይሕጋውያን እገዳታት ኣብ ልምዓታዊ ፕሮግራማት እታ ሃገር ዘለዎም ጽልዋ ዘይተኣደነ’ዩ” ብምባል ኩሉ እቲ ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዘንበርዎ “በይናዊ ቀጻዒ እገዳታት” ክልዓል ጸዊዓ።

እንተኾነ፡ እታ ብዛዕባ እገዳታት ኣብ ዝዘተየ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዘስምዐት ቀዋሚት ወኪል፡ እቲ ናይ ስዊፍት እገዳ ብዛዕባ ዘኸተሎ ሳዕቤናት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበትን።

ኣብ ሕዳር 2021፡ ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ወሰንቲ ሰበስልጣንን ትካላትን ኤርትራን ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ እገዳ ምጽዓና ይዝከር።

ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወትን ዒላማ ናይቲ እገዳ’ዮም።

ብዘይካ’ዚ ሰራዊት ኤርትራ፡ ህግደፍ፡ ከምኡ’ውን ህግደፍ ዝውንኖ ዓቢ ንግዳዊ ኮርፖረሸን ቀይሕ ባሕሪን ማዕከን ሕድርን እገዳ ተነቢሩሎም ኣሎ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ-ሓለቓ-ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልድዮሃንስ እውን ተመሳሳሊ እገዳ ምግባራ ይዝከር።

ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ፡ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ከቢድ ምግሃስ መሰላት ብዝተሓሓዝ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2021 ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ትካል ጸጥታ እታ ሃገር ዘንበሮ እገዳ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ንተወሳኺ ሰለስተ ዓመት ኣናዊሑዎ ኣሎ።

BBC LINK

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *