ኤልሳ ጭሩምን ሃና ጴጥሮን ፊት ንፊት ተራኺበን ምስ የማነ ገብረኣብ ማንኪ ኣብ ባይቶ ሰባዊ መሰላት 2016

Image may contain: 2 people, people smiling

“ንሃና ጴጥሮስ፡ ካባኺ ኣነ ይሓልየላ” – የማነ ገብርኣብ

ኣብ ሰነ 2016፡ ምስ የማነ ገብርኣብ፡ ኣማኻሪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ንመጀመርያ ጊዜ ብኣካል ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መስላት ፊት ንፊት ንራኸብ።

ኣነን ሃና ጴጥሮስ ስለሞንን ኢና ኔርና። ሃንደበት ስለተጋጠምና፡ ምስረኣየና፡ ኢዱ ዘርጊሑ ሰላም ኢልና። ሽዑ፡ ናባይ እንዳጠመተን ኢዱ እንዳወጣወጠን እስኺ ትገብርዮ ኩሉ ንፈልጦ ኢና በለኒ።

ኣነ ድማ እወ፡ ክትፈልጡዎ ኢለ እንድየ ዝባነይ ቀሊዔ ዝቃለስ ዘለኹ። ኣነ ስለ ህዝበይ የእውይ ኣለኹ፡ እስኻ ድማ ንውልቀ መላኺ ተገልግል፡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ትሰርሕ ኣለኻ ኢለዮ።

ሽዑ፡ በል ከላልየካ፡ እዚኣ ድማ ሃና ጴጥሮስ ሰለሙን ትበሃል፡ ጓል ጴጥሮስ ስለሙንን ኣስቴር ዮሃንስን እያ በልኩዎ። እሱ ድማ፡ እፈልጣ እየ፡ እስኺ ኣይተላልይንን ኢኺ፡ ጎረቤተይ እያ ኔራ ይብለኒ። ቀጺሉ፡ ሒዝክያ ኣይትዝሪ ድማ በለኒ።

ኣነ ድማ፡ ሃና ቆልዓ ኣይኮነትን ኣነ ጎቲተ ኣብ ዘይደለየቶ ዝወስዳ። ከምዚ ትርእያ ዘለኻ፡ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ስድራኣ ክትዛረብ፡ ስልኦም ከተእውይ ፡ ብዛዕባ ናይቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ንክልተ ዓመት ዘሕለፈቶ ስቅያት፡ ንዓለም ክትነግር እያ ኣብዚ ዘላ፡ በልኩዎ።

የማነ ድማ ስቅ እንዶበሊ፡ ካባኺ ኣነ ይሓልየላ፡ ክትጥቀምላ ኣይትፈትኒ በለኒ። ኣነ ድማ፡ እቲ ድፍረቱ ኣስደሚምኒ፡ እንታይ በልካ? እስኻስ ንሃና ጴጥሮስ ካባይ ንላዕሊ ትሓልየላ? ኢለ ሓተትኩዎ።
ስለትሓልየላ ዲኻ እስኻን እቲ ተገልግሎ ስርዓትን ነቡኣን ነዲኣን ንዓመታት ብዘይ ክሲ ብዘይ ፍርዲ ኣሲርኩሞም ዘለኹም? ስለትሓልየላ ዲኻ ንዓዓን ንየሕዋታን ኣዘኽቲምኩሞም ዘለኹም? ስለለትሓልየላ ዲኻ ንሃና ንክልተ ዓመት ዝኣክል ኣሲርኩም፡ ቀጥቒጥኩም ዘሳቀኹማ? ናትኩም ሓልየት ከመይ ድዩ? በልኩዎ። ኣረ ካበይ ኢኹም መጺኹም? ህዝቢ ኤርትራ እንታይ እዩ ጌሩኩም እዚ ኩሉ ኣደራዕ ተውርዱሉ ዘለኹም በልኩዎ?

መልሰይ ዘሕረቆ የማነ፡ ኪዲ ኪዲ… በለኒ።

ኣነድማ ናበይ ክኸይድ? በልኩዎ። ዘይተረድኣካ እንተኾይኑ፡ እዚ ዘለኻዮ ቦታ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ይበሃል፡ ኣነን እስኻን ኣብዚ ማዓረ ኢና፡ ትውንኖ ከይመስለካ። ኣብዚ ሓይልን ጸርፍን ዘይኮነስ ዲፕሎማሲ ኢኻ ትጥቀም፡ ዘይትፈልጦ እንተኾንካ ተመሃር ኢለዮ።

ኣንቲ ኪዲ እንዶ…ኪዲ ..ኪዲ , በለኒ።

ኣነ ድማ ናበይ ክኸይድ? ስማዕ እባ፡ እንታይ ድኣ ኣምጺእካ? ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መስላት ድኣ ትመጽእ ዲኻ? ኢለ ሓተትኩዎ። እስኻን ጎይታኻ ኢሳያስ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሞም እዮም፡ ብዝፈጸሙዎ ገበናት ብሓላፍነት ክሕተቱ ኣለዎም ንዝብል ናይ መርማሪት ኮምሽን ብይን ንከይሓልፍ፡ ንዑዑ ደው ንምባል ዲኻ መጺኻ? ኢለ ሓተትኩዎ። ኣይመለሰለይን። ኣነ ድማ በል ክትፈልጦ እቲ ኣፍሪሕኩም ዘሎ ብይን ክሓልፍ እዩ፡ እስኻን ጎይታኻ ኢሳያስን ድማ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበርኩሞ ገበን ክትሕተቱ ኢኹም። ዝገበርኩም እንተገበርኩም ካብ ሓላፍነት ኣይተምልጡን ኢኹም እንዳበልኩዎ ከለኹ፡ ኣብ ናይ ኒውዮርክ ኤንባሲ ኤርትራ ዝሰርሕ ኣማንኤል ጆርጆ ዝበሃል ሰብ መጺኡ፡ ንየማነ ገብርኣብ ወሰዶ።

እዚ ኩሉ ክንበሃሃል ከለና፡ ሃና ጴጥሮስ ሃንደበት ኮይኑዋ፡ የማነ ገብርኣብ ዝብሎ ዝነበረ ኣስደሚምዋ ሰምዓቶ። እታ ምስኡ ዝነበረትና እዋን ሓጻር ስለዝነበረት፡ ሓንደበት ‘ውን ስለዝረኸብናዮ ኣነ እቲ ክብሎ ዝደለኹ ከይበልኩዎ ክሓልፈኒ ስለዘይደለኹ ከይከደ ከሎ ምእንቲ ክሰምዕ፡ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢለ እየ ዝዛረቦ ነይረ። ሃና ጴጥሮስ ‘ውን ዕድል እንተትረክብ ኔራ ብዙሕ ሕቶታት ምሓተተቶ ኔራ።

የማነ ገብርኣብ እቲ ዘገልግሎ መራሒኡ፡ እሱን መሰልቱን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሞም ስለዝኾኑ ኣብ ናይ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም በቲ ዝገበሩዎ ገበን ክሕተቱ ኣለዎም ንዝብል ብይን ብባይቶ ሰብኣዊ መስላት ንከይሓልፍ ንሓደ ወርሒ ሙሉ እ፡ ኣብ ጄኔባ ሰፊሩ፡ ከየቋረጸ ጎስጉሱ፡ ደኺሙ፡ ጽዒሩ። ንሕና ድማ እቲ ብይን ክሓልፍ ኣለዎ ኢልና ጎስጉስና፡ ኣብ መወዳእታ ንሕና ተዓዊትና እቲ ብይን ብሙሉእ ድምጺ ሓሊፍ።

እቲ ብይን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕጋዊ ሰነድ እዩ። ኣይሃስስ ኣይጠፍእ። እቲ ዝገበሩዎ ገበን ተሰኒዱ እዩ። ክሕተቱሉ ድማ እዮም።
ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ክገብሩዎ ዝጸንሑ ገበናት ይቕጽሉዎ ኣለው፡ ግና ዕድሚኦም ሓጺር እዩ። በቲ ዝገበሩዎን ዝገብሩዎ ዘለው ገበናት ኣብ ፍርዲ ዝቀርቡሉ እዋን ቀሪቡ እዩ።

ፍትሒ ንኹሎም ናይ ሕልና እሱራትና!

ጸኒዕና ቅኑዕ ቃልሲ ነካይድ!

ዝሓለፈ ጌጋና ንከይንደግም ንጠንቀቅ!

ኤልሳ ጭሩም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *