ኣብ ሂዩስተንን ከባቢኣን ዝነብሩ ተቀማጦ ኤርትረኣውያን ብዛዕባ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝነበረ ናይ ማዕበል ያኣክል ሰሚናር ዘትዮም።

Image may contain: 4 people, people sitting, screen and indoor

ኣብ ሂዩስተን  ኣኼባ ብዕለት 6/15/2019 ተኻይዱ፡ ናይቲ ኣኼባ ትሕዝቶ ብዛዕባ  ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝተኻየደ ሲምፓዝዮም 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብ ኣቡወንበር ተ ስፋሂወት ኪዳነ  ጸብጻብ ቀሪቡ። ኩሎም ተሳተፍቲ  ኣኼባ  ሕቶን ሪኢቶን ብምቅራብ ንዝመጽእ ግዝየ ብኸመይ ንዳሎ፡ ኣብዚ ዝሐለፈ ህዝባዊ ኣኼባ ሽሕ ግዝየ እኳ ጉድለታት ይሃልወና ኩሉ ግዝየ ንዓና መምሃሪ ዳኣምበር ንመትከልና ዝዕንቅፍ ኣይኮነን ኢሎም ።ቃልስና ብእሂን ምሂን ኢልና ተላዚብና ንዝመጸና ዘሎ ዓበይቲ ብደሆታት ሐቢርና ክንቃለሶን ኣብ ግሉጽነት ዝተመርኮሰ መስርሕ ክንሰርሕ ከምዘላና ኢሎም ተማሕጺኖም።

ካብቶም ኣገደስቲ ነጥብታት ካብ ህዝቢ ሪኢቶ ዝነበረ ብቀዳምነት ኣብዘለናዮ ዞባታት ሐቢርና ክንሰርሕን ንምሳሌ ኩለን ኣብ ተክሳስ ዝርከባ ዞባታት ብስጡም ርክብና ብምቅጻል ንኹለን ዝጥርንፍ ሐደ ሽማገለ ጌርና ናይዛ ንነብረላ ዘለና ናይ ተክሳስ ጋቨርነር (Governor) ወይ ውን ሐለፍቲ ሰብ ስልጣን ብምዕዳም ሽግርና ምግላጽ ኣንጻር ዓማጺ ስርዓት ንቃለስ ከምዘለና ውን ንነብስና ምልላይ ከሙኡውን ዓቢ ፈስቲቫል/ሰሚናር/ብምግባር ክንላለ  ኣገዳሲ ኢዩ ዝብል ሐሳባቶም ለጊሶም።

ከምኡ ውን ዝበዝሕ ህዝቢ ኣብ ድሕሪ ያኣክል ናበይ ዝብል ሕቶታትን ንኹሉ ሕብሪ ኤርትራ ሐቘፉ ዘቃልስ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ክኸውን ከ እንታይ እንተገበርና ይሐይሽ ዝብል ሕቶታት ብህዝቢ ቀሪቡ።ኩሎም ተሳተፍቲ ኣኼባ መልእክቶም  ናብ  ህዝቢ  ኤርትራ ኣመሐላሊፎም ንሱ ኻኣ ኩሉ ኤርትራዊ  ሐላፍነቱ ፈልጡ ነዚ ንገብሮ ዘለና ጎስጓስ ናይ ያኣክል ኣጸቢቁ ክቃለስ ንላቦ።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀትን ዕንወትና ንፋሺሽታዊ ህግደፍን ጉጅሉኡን።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *