
ግዱሳት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣብ ሂዩስተን ኣኼባ ንኻላኣይ ጊዝየ ኣካይደን።እዘን ኣዴታት ንሐድነተን ህዝቢ ኤርትራ ንምሕያል ብዝገብረኦ ዘለዋ ጻዕሪ ዝሙጎስን ክተባብዓን ዝግበኤን ኢዩ።እቲ ቀንዲ ዕላማኤን
መጀመርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዝጸንሑ መንእሰያት ደቀን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዳግመ ንምርኻቦምን እቲ ኢርትራውነት ባህልን ሕውነት ኣብ ቀደሙ ንምምላስ ቀዳምነት ዕማም ሙኻኑ ይገልጻ ፡ኸሙኡ ውን ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርና ኢህን
ምሂን ንምባል ክፉት ባይታ ከፊተን ተዘራሪበን ፡ብምቅጻል እዘን ኣዴታት ነቲ ኣብ ሂዩስተን ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ጥርኑፍ ዝኾነ ወዲ ሃገር ዝዋሳኣሉ ናይ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ብሰፊሑ ዝዛረበሉ መድራኽ ኣብ ጎኖም ኮይነን
ክተሐባበሮም ሙኻነን ዘትየን።ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቃስ ንኹለን ዝተረፋ ኣሕዋት ጻዊዒት ይገብራ ።ንግዝዩኡ ትኸውን ክልተ ሽማገለ ኣቈመን ኣብ ዝሐጸረ ግዝየ ውን ስሩዕ ኣኼባ ከካይዳ ሙኻና ገሊጸን።
ካብቲ ናይ ትማሊ ሰንበት ዝነበረ ኣኼባ ቁሩብ ፍሉይ ዝገብሮ ዕዱማት መንእሰያት ዝተኻፈለኦ ኔሩ፡
ዝሐተቶኦ ሕቶ ውን ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን፡1)ንሕና ብነኣሽቱና ከለና ኣብ ሐደ ቤተክርስትያን እናተማሀርና ዝሐለፈ ፍቅሪ ኣይንርስዖን ኢና እቲ ሽግርን ባእስን ውን ባዕልኹም ሰድራቤትና ዘምጻእኩሞ ስለ ዝኾነ ስለምንታይ ንሕና ንብደል
ናትኩም ምፍልላይ ንዓና ሃስዩና ኢዩ እሞ ሕጂ ኣብዚ ዘለናዮ ግዝየ እቲ ፍቅሪ ብኸመይ ይምለስ ?ከም ኣዴታትና መጠን እቲ ዝግባኣክን ጻዕሪ ክትገብራ ንልምነክን ኢለን ፡ቀጺለን ውን ኣደ ኢያ ትሐቁፍን ትዓርቅን እሞ እዚ ንደልዮ ዘለና
ድልያት ድልየት ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ ሙኻኑ ኣይንስሕቶን ኢና። እተን ዕዱማት መንእሰያት ኣብ ዝቀረባ እዋን ተራኺበን ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ምትእኽኻብ ብስፊሕ ክመያየጣሉ ሙኻንን ኣብ ማዕከናት ሚድያን ፈስቡክ ውን ፖስት ክገብሮኦን
ሙኻነን ሐቢረን።ካብ ኣዴታት ዝነበረ መልሲ ንደቀን መንእሰያት በጣዕሚ እድግፈኦን ኣብ ጎናም ኮይነን ውን ስጋብ መጨረሽታ ካምዝተሐባበረኦም ገሊጸን ።
ካብ ግዱሳት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ህዩስተን