መጸዋዕታ ንርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዩስተን ተክሳስ ንዕለት 03/17/2019

Image result for houston texas images

ናብ ኩለን ኤርትውያን ደቂ ኣንስትዮ ተቀማጦ ህዮስተን ተክሳስ

ብመጀመርያ ሰላምታና ነቀድም ፡ብምቅጻል ኣብ ሂወትክን ምሉእ ጥዕና ኣብ ስራሕክን ኣሳልጦን ዕብየትን ክትረኽባ ንምነየልክን።

እምበኣር  ኩቡራት ደቂ ኣንስትዮ ነበርቲ ህዩስተን ብምኽንያት 8 መጋቢት በዓል ደቂ ኣንስትዮ ቀንዲ ብምግባር ንዓና ንደቂ

ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝምልከት ጉዳይ ብሰፊሑ እሂን ምሂን እንበሃለሉ ነቶም ኩቡራት ባህልታትናን ልምድናን

ክብርታትናን ነዚ ተካኢ ወለዶ ንምትሕልላፍ ብዝበለጸ ኣገባብ እንዝትየሉን ከምኡ ውን ብዛዕባ ሐፈሻዊ ህልው ኩነታት ሃገርና

እንዋሳኣሉን ክኸውን ኢዩ።

ከም ዝፍለጥ ደቂ ኣንስትዮ መብራህትን ዓንድን ማእከልን ናይ ገዛ ወይ ስድራቤት ጥራሕ ዘይኮናስ ጽንኩር መሲሉ ንዝረኤን

ዝመስልን ክዉን እንገብር ሰራሐቲ ታሪኽ ምዃና ኩሉ ዝፈልጦ ሐቂ ኢዩ፡ስለዝኾነ ድማ ዝጽበያና ዕማም ዓቢ ኢዩ።

ስለዚ ንሰንበት 17 መጋቢት 2019

ኣብ YMCA 6300 WESTPARK DR. UNIT 600

HOUSTON TX.77057

ሰዓት 1፡00 ድህሪ ቀትሪ  ኣኼባ ክንገብር ስለ ዝመደብና ኩላትና ኣብ ሰዓትና ክንረኸብ ጻዊዒትና ነቅርብ።ንዘይሰማዓ ኣሐት

ድማ ነዚ ሐበሬታዚ ከትማሐላልፍልና ብትሕትና ንሐትት።

ብሰላም የራኽበና።

ካብ ተገደስቲ ደቂ ኣንስትዮ ህዩስተን ተክሳስ

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *