
ናብ ኩለን ኤርትውያን ደቂ ኣንስትዮ ተቀማጦ ህዮስተን ተክሳስ
ብመጀመርያ ሰላምታና ነቀድም ፡ብምቅጻል ኣብ ሂወትክን ምሉእ ጥዕና ኣብ ስራሕክን ኣሳልጦን ዕብየትን ክትረኽባ ንምነየልክን።
እምበኣር ኩቡራት ደቂ ኣንስትዮ ነበርቲ ህዩስተን ብምኽንያት 8 መጋቢት በዓል ደቂ ኣንስትዮ ቀንዲ ብምግባር ንዓና ንደቂ
ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝምልከት ጉዳይ ብሰፊሑ እሂን ምሂን እንበሃለሉ ነቶም ኩቡራት ባህልታትናን ልምድናን
ክብርታትናን ነዚ ተካኢ ወለዶ ንምትሕልላፍ ብዝበለጸ ኣገባብ እንዝትየሉን ከምኡ ውን ብዛዕባ ሐፈሻዊ ህልው ኩነታት ሃገርና
እንዋሳኣሉን ክኸውን ኢዩ።
ከም ዝፍለጥ ደቂ ኣንስትዮ መብራህትን ዓንድን ማእከልን ናይ ገዛ ወይ ስድራቤት ጥራሕ ዘይኮናስ ጽንኩር መሲሉ ንዝረኤን
ዝመስልን ክዉን እንገብር ሰራሐቲ ታሪኽ ምዃና ኩሉ ዝፈልጦ ሐቂ ኢዩ፡ስለዝኾነ ድማ ዝጽበያና ዕማም ዓቢ ኢዩ።
ስለዚ ንሰንበት 17 መጋቢት 2019
ኣብ YMCA 6300 WESTPARK DR. UNIT 600
HOUSTON TX.77057
ሰዓት 1፡00 ድህሪ ቀትሪ ኣኼባ ክንገብር ስለ ዝመደብና ኩላትና ኣብ ሰዓትና ክንረኸብ ጻዊዒትና ነቅርብ።ንዘይሰማዓ ኣሐት
ድማ ነዚ ሐበሬታዚ ከትማሐላልፍልና ብትሕትና ንሐትት።
ብሰላም የራኽበና።
ካብ ተገደስቲ ደቂ ኣንስትዮ ህዩስተን ተክሳስ