ኢትዮጵያውያን ዝርከቡዎ ጉጅለ ኣይኤስ፡ ካብ ሶማልያ ንምጥፋእ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/czr05ykvegyo

ኣብ ሶማልያ ርሑቕ ኣኽራናት ኣል-ሚስካድ፡ ጉጅለ ወተሃደራት ኣብ ዙርያ ሓንቲ ብኢድ እትእሰር ንእሽቶ ስክሪን ተኣኪቦም፡ ንሰብ ኣልቦ ነፋሪት ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ISIS) ይከታተሉ።

ኣብቲ ምስሊ ሓደ ሰብ ኣብ ስንጭሮ እናተንቀሳቐሰ ይርአ።

“ንብጾቱ ማይ ከምጽእ እዩ ጸኒሑ” ይብል እቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝከታተል ሰብ።

“ኣብ ሕቖኡ ገለ ነገር ተሰኪሙ ይጎይይ ኣሎ” ክብል ካልእ ወተሃደር ይውስኽ።

እቲ ኣብ ስክሪን ዝረአ ሰብኣይ ኣብ ጥቓ ሓደ በዓቲ ይርከብ። እቲ በዓቲ ድማ መሕብኢ ካብ 50 ክሳብ 60 ዝዀኑ ዕጡቓት ኣይኤስ ምዃኑ እቲ ሰራዊት ይኣምን።

ኣስታት 500 ወተሃደራት ሓይልታት ምክልኻል ፑንትላንድ፡ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶማልያ ዝርከብ መደበር ዓስኪሮም ኣለዉ።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እቲ ከባቢ ውሑዳት ዘላን ማሕበረሰባት ጥራይ ዝነብሩሉ እኳ እንተነበረ፡ ኣይኤስ ኣብዚ ቦታ ምንቅስቓስ ምስ ጀመረ ግን ተቐይሩ።

እቲ ጉጅለ ክሳብ ብኣመሪካ ዝድገፉ ሓይልታትን ሰራዊት ሶርያን ደፊኦም ከውፅእዎ ዝጅምሩ ኣብ ከም በዓል ሶርያን ዒራቕን ዝኣመሰላ ሃገራት ግዝኣታዊ ዕርድታት ነይርዎ።

ኣብዚ እዋን እዚ ግን እቲ ጉጅለ ትኹረቱ ናብ ኣፍሪቃ ገይሩ ኣሎ።

ክሳብ ሚያዝያ 2025፡ ኣብቲ እዋን ኣዛዚ እዚ ኣፍሪቃ ኣመሪካ (ኣፍሪኮም) ዝነበረ ጀነራል ማይክል ላንግሊ፡ ንባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣይኤስ ዓለማዊ መርበቦም ካብ ሶማልያ እዮም ዝቆጻጸርዎ” ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እውን፡ ኣመሪካ ንቃልሲ ሶማልያ ኣንጻር ኣይኤስ ክትድግፍ ጸኒሓ እያ። ኣብ 2025 ድማ ኣብ ልዕሊ ኣይኤስ-ሶማልያ 60 መጥቃዕትታት ኣካይዳ’ያ።

ዳይረክተር ማእከል ጸረ-ሽበራ ኣብ ኣሜሪካን ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ትሪሻ ቤኮን፡ ሕጂ ብደረጃ ከባቢ፡ ኣይኤስ “ኣብ ሶማልያ መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ዓቕሙ ጐዲሉ’ዩ” ትብል።

“ሎሚ ንፑንትላንድ ይኹን ንሶማልያ ርኡይ ሓደጋ ኣየስዕብን።”

ይኹን እምበር ኣይኤስ ሶማልያ ሕጂ’ውን “ንኻልኦት ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ርሑቕ ከም ኣፍጋኒስታንን ዝርከቡ ካልኦት ተሓባበርቲ እስላማዊ መንግስታት፡ ዓቕምታት፡ ደገፍን ምምችቻውን ኣብ ምሃብ ወሳኒ ተራ ይጻወት ኣሎ” ትብል።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዎ ዞባ ፑንትላንድ ዝመደበሩ ኣይኤስ-ሶማልያ፡ ብሶማልያዊ ዜጋ ዓብደልቃድር ሙሚን ዝተመስረተ እዩ።

ንሱ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሽወደንን ዓባይ ብሪጣንያን ዝነብር ዝነበረን ዜግነት እንግሊዝ ዝነበሮን እዩ።

ኣብ 2015 ምስ ካልኦት 17 ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቪድዮ ቀሪቡ እሙን ኣይኤስ ከም ዝኾነ ምሒሉ።

ሙሚን ቅድሚ ሕጂ ኣባል ናይቲ ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ምስ መንግስቲ ክቃለስ ዝጸንሐን ክሳብ ሕጂ ሰፊሕ ክፋል ደቡባዊ ሶማልያ ዝቆጻጸርን ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ እዩ ነይሩ።

ኣይኤስ-ሶማልያ ንኣል-ሸባብ ካብ ኣኽራናት ኣል-ሚስካድ ፑንትላንድ ብሓይሊ ክወጽእ ገይሩ።

ካብ ወጻኢ ሃገራት ኣባላት ብምምልማል በብቑሩብ ማእከል ስልጠናን ፋይናንስን ሰፊሕ መርበብ ኣይኤስ ኰይኑ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ወደባዊት ከተማ ቦሳሶ ጽልዋ ነይርዎ፡ ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ኣመሪካ ድማ ኣብ 2022 ኣይኤስ-ሶማልያ “ካብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ትካላት ንግዲ፣ እቶት፣ ጥሪትን ሕርሻን ካብ ዝኽፈል ክፍሊት ብምጭብርባር 2 ሚልዮን ዶላር ከምዘዋህለለ” ይሕብር።

ሓይልታት ፑንትላንድ ኣብ መጀመርታ 2025 ንኣይኤስ-ሶማልያ ካብ ቦሳሶ ከውጽኡ ክኢሎም እኳ እንተነበሩ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ግን ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ ኣኽራናት ኣልሚስካድ ዝርከባ ዓድታትን ንኣሽቱ ከተማታትን ይቆጻጸር ነይሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *