ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን ሎሚ ኣብ ዛላምበሳ ተራኺቡ

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/crl0325x5pko

ቅድሚ ሓደ ሰዓት

ብሰንኪ’ቲ ኣብ 2013 [ግ] ዝተወልዐ ኲናት ትግራይን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ኵነታትን ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ከይተራኸበ ዝጸንሐ ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ከተማ ዛላምበሳ ተራኺቡ ብሓደ ከም ዝወዓለ ሪፖርተር ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

እዚ ሎሚ ሰንበት፡ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ “ጽምዶ” ብዝብል ብኽልቲ ወገን ብዝርከቡ ግዱሳት ዝተመርሐን ኣብ ዝተፈላለያ መዳውብቲ ዓድታት ዝግበር ዘሎ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምዃኑ ይፍለጥ።

ብተመሳሳሊ ተበግሶ’ውን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ሰንበት 8 ሰነ 2017 (15 ሰነ 2025) ብወገን ደቡብ ኤርትራን ዞባ ማእከል ትግራይን ቀንዲ መሳገሪ ኣብ ዝዀነ ሩባ መረብ፡ ካብ ኤርትራን ትግራይን ዝመጽኡ ህዝቢ ከም ዝተራኸቡን እቲ ዶብ ከም ዝተኸፍተን ተገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።

ህዝቢ ዛላምበሳ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ፋሕፋሕ ኢሉ ክነብር ጸኒሑ። ኣብ ዶብ ምህላዉ ዝያዳ ተረባሒ ክኸውን ዝግብኦ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ማሕበራውን ቍጠባውያን ሃስያ ወሪዱዎ እዩ።

ኣብ ዓዲግራት ጥራሕ ልዕሊ 55,000 ህዝቢ ኣብ ቴንዳ ዳስን ኣብ ኣዝማዱን ተጸጊዑ ይነብር ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *