
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cg759y49111o
ኤርትራ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕን ፖለቲካዊን ሲቪካውን መሰላት ዜጋታታ ከተኽበርን ሕቡራት ሃገራት፡ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብዎም ወገናት ጸዊዖም።
ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ትማሊ ሰኑይ 16 ሰነ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኩነታት ኤርትራ ከምዘይተመሓየሸ ኣብሪሁ።
መሓመድ ዓብዲሰላም ባቢከር ንቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ምስዋር ተቓውሞኦም ዝገልጹ ሰባት፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ይቕጽል ከምዘሎ ይጠቅስ።
እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ መሰላት ካብ ዶባት እታ ሃገር ሰጊሩ ናብ ዳያስፖራ ከምዝበጽሕ’ውን እቲ ፍሉይ ወኪል ገሊጹ’ሎ።
“እታ ሃገር እትፍጽሞ ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ክሳብ ኪኖ ዶባታ ዘሎ ዳያስፖራ ዝዝርጋሕ’ዩ” ኢሉ።
ኣብቲ መጋባእያ ርእይቶኦም ዘስምዑ ወከልቲ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን’ውን መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ መሰላት ደው ከብልን ለውጢ ክገብርን ጸዊዖም ኣለዉ።
“ሃለዋት ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ተሰዊሮም ዘለዉ ሰባት ክግለጽ ኣለዎ። እቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ’ውን ብህጹጽ ክፍትሑ ኣለዎም” ይብል መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ።
ብፍላይ በቲ ኣብ ልዕሊ ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላትን ተቓወምቲ መንግስትን ዝፍጸም ዘሎ ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ኣተሓሳሲቡና ኣሎ” ይብል እቲ ሕብረት።
ኤርትራ ነቲ ትቕጽሎ ዘላ “ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይሕጋዊ ዕስክርናን’ውን” ደው ከተብሎ ተማሕጺኑ።
ኣብቲ መጋባእያ ዝተረኽበ ወኪል ኤርትራ ሃብቶም ዘርኣይ ብወገኑ፡ እቲ ጸብጻብ “ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎ’ዩ” ክብል ብምንጻግ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝኽተሎ ፖሊሲ ርትዓዊ ከምዘይኮነ ነቒፉ።
ኣተኩሮ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ “ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ጾታዊ ማዕረነትን ዘላቒ ልምዓትን” ምዃኑ ዝገለጸ ኣቶ ሃብቶም፡ “ኤርትራ ሰባዊ መሰላት ኣይትነጽግን እያ፡ ንሃገራዊ ልኡላውነት ናይ ምድኻም መሳርሒ ምዃኑ ኢና ንቃወም” ኢሉ።
እቲ ዓመታዊ ዝሕደስ መዝነት ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ ከብቅዕ’ውን ኤርትራ ሓቲታ’ላ።
እቲ 19 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ልዕልና-ሕጊ ጎዲሉ ከምዘሎን፡ እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ይኹን ኣብ 2015 ተነዲፉ ዝተባህለ ሓድሽ ሕገመንግስቲ ኣብ ግብሪ ከምዘይወዓለ’ውን ኣስፊሩ’ሎ።
መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ካብ 2002 ጀሚሩ ከምዝፈረሰ ዝጠቅስ ዶ/ር ባቢከር፡ ኣብታ ሃገር ተሓታትነት ከምዘየለ የብርህ።
“ፕረዚደንት [ኢሳይያስ ኣፈወርቂ] ኣዋጃትን ፕረዚደንታዊ መምርሒታትን ብምሃብ ስልጣን ሓጋጊ ኣካል” ከምዝገበተ’ውን እቲ ሱዳናዊ ፍሉይ ወኪል የነጽር።
ብዘይካ’ዚ፡ ሕጂ’ውን “ናጽነት ሕልና፡ ሃይማኖት ወ ይእምነት ኣዝዩ ተገዲቡ ኣሎ” ኢሉ።
ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ማእሰርትን ምስርጣይን ሰዓብቲ ገለ ወንጌላውያን እምነታት መርኣያ ምዃኑ’ውን ይገልጽ።
ሰብመዚ መንግስቲ ኣብተን ፍቑዳት ዝባሃለ ሃይማኖታት ካቶሊክን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያንን’ውን ኢዶም ከምዘእትዉ ሰፊሩ’ሎ።