ኤርሚና ደል’ኦሮ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ጸሓፊት

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cly31jz961go

1 ሰነ 2025, 10:34 EAT

እዛ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ኢጣልያዊት፡ ብዛዕባ ምስ ዘመን ጣልያን ዝተኣሳሰሩ ብርክት ዝበሉ ዛንታታት ዘበርከተት ህብብቲ ደራሲት’ያ።

ኣባሓጎኣ ንኤርሚና ደል-ኦሮ ሓደ ካብ’ቶም ቀዳሞት ናብ ኤርትራ ዝፈለሱ ኢጣልያውያን’ዩ ነይሩ። ንሱ ካብ ሌኮ እትበሃል ኣብ ሎምባርዲያ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ – ካብ ሚላኖ ንሰሜን 50 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ – ብ1886 ናብ ኤርትራ ግዒዙ።

እዛ ሕጂ ዕድመ ደፊኣ ኣብ ሚላኖ እትነብር ዘላ ኤርሚና ደል-ኦሮ ነቶም ቀዳሞት 20 ዓመታት ህይወታ ኣብ ኣስመራ’ያ ኣሕሊፋቶም።

ኣብ’ቶም ናይ ሽዑ ተዘክሮታት ተመርኲሳ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ጽሒፋ ክነሳ፡ እቶም መጻሕፍታ ግን ንተራ ኤርትራውያን ‘ኣብ ሰማይ ከም ዝተሰቕሉ’ መጻሕፍቲ ኰይኖሞም ይርከቡ።

ሓድሓደ ሰባት፡ ‘ታሪኽ ንመግዛእቲ ብዝውክሉ ሰባት ክጸሓፍዶ ምተገብአ?’ ኢሎም ዝምጕቱ።

ታሪኽ ይኽፋእ ይጸብቕ ታሪኽ’ዩ።

ግዝኣት ቱርኪ ይዅን ግዝኣት ጣልያን፡ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ይዅን ዘመን ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ዘመነ ደርግ ይዅን ዘመን ገድሊ፡ ከምኡ’ውን ብድሕሪ ገድሊ ንህዝቢ ‘ከየፍተወ’ ብሓይሊ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት – ኵሉ ታሪኽ’ዩ፣ ኰይኑ ድማ ታሪኽ ብሕርያ ኣይኰነን ዝትረኽ።

ኵሉ ሸነኻት ዝሓቘፈ ታሪኽ ምጽናዕ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ “ሕሉፍ ታሪኽና ምስጢር ህላወና ኰሊዑ ከርእየና ስለ ዝኽእል’ዩ፡” ይብሉ ፍላስፋታት።

ታሪኽና ምጽናዕ ጸገማት ናይ ምፍታሕ ዓቕምታትና ዘኻዕብት፡ ንፈጠራዊ ኣተሓሳስባን ነቐፌታዊ ኣረኣእያን ዘማዕብል፡ ናይ ምትንታን ክእለትና ድማ ክስሕል ይኽእል’ዩ።

ኤሪክ ፎነር፡ ‘ንታሪኽ መን’ዩ ዋንኡ?’ ዘርእስቱ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ተመራማሪ ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ታሪኽ ክገልጽ እንከሎ፡ “ታሪኽ እንግደሰሎም ወይ ክንግደሰሎም ዝግበኣና ምኽንያታት ብዝምልከት መንፈሳዊ ምልዕዓል ዝፈጥር ኰይኑ (ዋላ እቲ ዛዕባ ኣካታዕን ተኣፋፍን ይዅን)፡ ብዛዕባ ርክብ ጸሓፊ-ታሪኽ ምስ ሕሉፍን መጻእን ዓለምና ንዝምልከቱ ሕቶታት ይምልስ’ዩ፡” ይብል።

ኤርትራ ምስ ታሪኽ ዘለዋ ርክብከ ከመይ ይመስል? ብጕስያ ድያ ትሓልፎ ወይስ ብፍትሓዊ ኣገባብ’ያ ትገጥሞ? ዘኣመሰሉ ሕቶታት ክልዓሉ ግቡእ’ዩ።

እግሪዶ ተኺልና ኣሎና ወይስ ብሕጉብ-ሕጉብ ኢና ንሓልፎ ዘለና? ንዘሎ ኵነታትና መሚና መንቀሊኡን ሳዕቤኑን ብግቡእዶ ክንርድኦ ንኽእል?

ብዛዕባ ኤርትራ ዝትርኹ መጻሕፍቲ፡ ኤርትራውያን ከንብብወን ዕድል ክረኽቡ ኣይርኣይን።

ኣብ ኤርትራ ስነጽሑፍ ብሰላሕታዊ ሳንሱር ስለ ዝተሓጽረ፡ ገና ኣይሰሰነን ክበሃል ይከኣል።

እዚ ከኣ ጸሓፍትን ኣንበብትን ብፍርሒ ተዋሒጦም ደፊሮም ብዝመስሎም ክጽሕፉ’ኳ ይትረፍ፡ ከንብቡ’ውን ይሽቝረሩ’ዮም ዝብሉ ምሁራን ኣለዉ።

ብሓጺር ኣዘራርባ፡ ኣብ ኤርትራ እኹል ናጽነት ስነጽሑፍ የሎን።

እቶም ኣብ ኤርትራ ዝዝርግሑ መጻሕፍቲ፡ ፖለቲካ ሓዘል – ኣውራ ብዛዕባ ፍናን ብረታዊ ገድሊ – ዘዘንትዉ እዮም። ብዛዕባ ህልው ኵነታት ሃገርን ሓቀኛ ናብራ ህዝብን ኣየንጸባርቑን።

ገለ-ገለ ከኣ ምስ ታሪኽና ዘይተኣሳሰሩ ኰይኖም ካብዝን ካብትን ዝተኣከቡን ዝተተርጐሙን መጻሕፍቲ’ዮም። ሕጹር ምዕባለ ስነጽሑፍ ኣብ ምዕባለ ኣተሓሳስባ ኤርትራውያን ግደ ስለ ዘለዎ፡ ብዙሕ ክትዕ ዘድልዮ ዛዕባ ኣይኰነን።

ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ኣብ ዕስራ ዕድሚኣ ናብ ዓደ’ቦኣ (ንሚላኖ) ዝኸደት ኤርሚና፡ እቲ ምስ ኤርትራ ብዝፈጠረቶ ምትእስሳር ዋላ ብማዕዶ ክሳዕ ሎሚ የሳልያ ኣሎ ክበሃል ይከኣል፣ ምኽንያቱ፡ ነቲ ዝሓለፈ ሓላፍ-ዘላፍ ዘመን ብምግጣም በብእዋኑ ብርክት ዝበሉ ኤርትራ-ጠቀስ መጻሕፍቲ ከተበርክት ስለ ዝኸኣለት።

ንኣብነት፡ እታ ብ1991 ዝጸሓፈታ ‘ጥልመት’ (L’Abbandono’) ዘርእስታ መጽሓፋ፡ ሓቀኛ ታሪኽ ዝሓዘለት መጽሓፍ’ያ። እታ መጽሓፍ ሓደ ኢጣልያዊ ከመይ ኢሉ ናብ ኤርትራ ከም ዝዀብለለ፡ ኣብ ኤርትራ ከኣ ምስ ሓንቲ ጓለ’ባት ተፋቒሩ ክሳዕ ውላድ ከም ዝበጽሐ፡ ደሓር ግን ንዓኣን ንደቁን ብምጥላም ንዓዱ ከም ዝተመልሰ እተዘንቱ መጽሓፍ’ያ።

ከም’ዚኦም ዘኣመሰሉ ዛንታት እቶም ሕጂ ኣብ ስሳታት/ሰብዓታት ዕድመ በጺሖም ዝርከቡ ዜጋታት ዘርከብሉ ጉዳይ’ዩ።

ጣልያን ምስ ተሳዕሩ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ዝነበሩ፡ ከምኡ’ውን በርጌሳውያን፡ ካብ ኤርትራውያን ወሊዶም ገገዲፎመን ናብ ዓዶም ዝተመልስሉ ዘመን ነበረ። ብዙሓት ካባ’ተን ኣደታት ከርተት ኢለን ንደቀን የዕብያ ነበራ፣ ብዙሓት ከኣ ዕድል ገይረን ንደቀን ንዓዲ ጣልያን ክስደዱ ተቓሊሰንን ተዓዊተንን’የን።

እዚ ኰይኑ እቲ ግን ዛንትአን ዛንታ-ጥልመት’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ሓቅነት ናይቲ ዛንታ ክምስክሩ ዝኽእሉ ሰባት ገና ብህይወት ኣለዉ።

እታ ‘ስጡሕ ባሕሪ'( ‘Il Mare Davanti’) ዘርእስታ መጽሓፋ ድማ ብዛዕባ ዘመን-ኣምጽኦ’ያ፣ ብዛዕባ ጽገዮሃንስ ወልደስላሴ ዝበሃል ጠባይ እተዘንቱ ኰይና፡ ከመይ ኢሉ ካብቲ መደምደምታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ብምምላጥ ብኽንደይ መሰናኽል ናብ ኤውሮጳ ሰጊሩ ከም ዝበጽሐ እተዘንቱ መጽሓፍ’ያ።

እዚ’ውን ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።

እታ ሎሚ እነትኵረላ መጽሓፋ ግን እታ ዝና ዝረኸበት ‘ደሓን ኵኒ ኣስመራ’ (Asmara, Addio) ዘርእስታ ፋልመይቲ መጽሓፋ’ያ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *