
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c201qw9nve2o
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ የመን “ወሳኒን ሓያልን” ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዘካየደት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ነዚ ስጕምቲ ንምውሳድ ዝደረኸ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዝርከባ መራኸብ ብዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ዝሰዓበ ምዃኑ ጠቒሱ።
ትራምፕ ኣብቲ ‘ትሩዝ’ ዝተባህለ ባዕሉ ዝውንኖ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓኑ፡ “እቶም ብኢራን ዝምወሉ ዕሱባት ሑቲ፡ ናብ ነፈርቲ ኣመሪካ ሚሳይላት ወንጪፎም፣ ንወተሃደራትናን መሻርኽትና ድማ ዒላማ ገይሮም፡” ክብል ጽሒፉ።
እቲ “ቅርሰና፡ ዓመጽን ግብረሽበራን፡” ዝብል ተግባራቶም፡ “ቢልዮናት ዶላራት” ከም ዘኽሰረን ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ከም ዘውደቐን ገሊጹ።
ብሑቲ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ከም ዝሓበሮ፡ በቲ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 31 ሰባት ከም ዝሞቱን 101 ድማ ከም ዝቘሰሉን ገሊጹ።
እቲ ብሰንኪ ኣብ ቓዛ ዝተኻየደ ኲናት እስራኤል ሓማስ መጥቃዕቲ መራኽብ ዝጀመረ ጕጅለ፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝተኻየደሉ መጥቃዕቲ ምላሽ ክህበሉ ምዃኑ ተሓንዩ ኣሎ።
ሑቲ ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ሰንዓን ኣብ ከባቢ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ቀንዲ መደበሮም ዝኾነ ሰሜናዊ ከባቢ ሳዓዳን ሓያሎ ፍንጀራታት ከምዘጋጠመ ሓቢሮም።
ሑቲ ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ሰንዓን ሰሜናዊ ወገን ሰዓዳን ሓያሎ ደብዳባት ከም ዝተኻየደ ሓቢሩ። ሰዓዳ ኣብ ከባቢ ዶብ ስዑዲ ዓረብ እትርከብ ቀንዲ ደጀኖም እያ።
እቶም ብኢራን ዝድገፉ ጕጅለ ኣንጻር እስራኤል ዝንቀሳቐሱ ኰይኖም፡ ንርእሰ ከተማ ሰንዓን ሰሜናዊ ምዕራብ የመንን ዝቈጻጸሩ እኳ እንተዀኑ፡ መንግስቶም ዓለማዊ ኣፍልጦ ኣይረኸበን።
ብሳልሳይ ኣካል ዘይተረጋገጸ ኣሳእል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተደኰኖ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ጸሊም ትኪ ብስፍሓት ዒግ ክብል የርኢ።
ሑቲ ተሓንዮም
ሑቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን “ተግባረን እኩይ፡” ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሰንዓ ኣብ ዝርከብ ህዝቢ ዝነበረሉ ከባቢታት ዒላማ ምግባረን ከሲሱ።
ዓባይ ብሪጣንያ ኣብቲ ትማሊ ቀዳም ኣመሪካ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ እኳ እንተ ዘይተሳተፈት፡ ንመራኸብ ኣመሪካ ብስሩዕ ነዳዲ ኣብ ምምላእ ግን ደገፍ ከም ዝገበረት ጸብጻባት ይሕብሩ።
ትራምፕ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ሑቲ፡ “ሱቕ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኰን፡” ኢሉ።
ወሲኹ ድማ፡ “ሽቶና ክሳብ እነዕውት፡ ኣዝዩ ልዑልን ቀታልን ሓይሊ ክንጥቀም ኢና፡” ኢሉ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ መንግስቲ ኣመሪካ፡ “ንፖሊሲ ወጻኢ ኢራን ዝእዝዝ ስልጣን የብሉን፡” ኢሉ።
ንሱ፡ ብሰንበት ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ “እስራኤል ምጽናት ዓሌትን ግብረሽበራን ከተካይድ ዘኽእላ ደገፍ መጀመርታ ደው ይበል፡” ክብል ጽሒፉ።
“ንህዝቢ የመን ምቕታል ድማ ደው ይበል።”
ሑቲ፡ ኣብ ቓዛ ንፍልስጤማውያን ንምድጋፍ ምስ እስራኤል፡ ኣመሪካ ወይ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ ዝተኣሳሰራ መራኽብ ዒላማ ከም ዝገብር እዩ ዝገልጽ።
ትራምፕ ብተወሳኺ እንታይ ኢሉ?
ትራምፕ፡ ባንዴራ ኣመሪካ እተንበልብል መርከብ፡ ብመትረብ ስወጽ ቀይሕ ባሕሪ ብሰላም ካብ እትጓዓዝ ልዕሊ ሓደ ዓመት ከም ዝዀነ፡ መርከብ ውግእ ኣመሪካ ድማ በዚ ወሽመጥ ካብ እትሓልፍ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከም ዝዀና ገሊጹ።
መትረብ ስወጽ ኣብ መንጎ እስያን ኤውሮጳን ዘራኽብ ዝሓጸረ መስመር ባሕሪ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብ መጓዓዝያ ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን (LNG) ኣገዳሲ እዩ።
ትራምፕ ንሑቲ ብቐጥታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ደው እንተ ዘይኣበሉ፡ “ርኢኹምዎ ዘይትፈልጡ መጥቃዕቲ ከውርደልኩም እየ፡” ክብል ጽሒፉ።
ሑቲ ግን እቲ ኣመሪካ እትገብሮ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ምእንቲ ፍልስጤማውያን ዝገብርዎ ደገፍ ከም ዘይዓግቶ ብምግላጽ ምላሽ ከም ዝህበሉ ኣረጋጊጹ።
“እዚ መጥቃዕቲ ምላሽ ከይተዋህቦ ኣይተርፍንንዩ። ዕጡቓት ሓይልታትና ዝያዳ ምላሽ ክህብሉ ድሉዋት እዮም፡” ክብል እቲ ጕጅለ ገሊጹ።
ቀፃሊ መጥቃዕቲ ሑቲ
ዕጡቓት ሑቲ፡ ካብ ሕዳር 2023 ጀሚሮም ነቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲታት ብምቅዋም፡ ብቐይሕ ባሕርን ብወሽመጥ ዓደንን ኣብ ልዕሊ ዝሓልፋ መራኽብ ንግዲ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከካይዱ ጸኒሖም’ዮም።
ክሳብ ሕጂ ከኣ ክልተ መራኽብ ኣቃጺሎም፡ ሓንቲ መርከብ ሒዞም ክልተ ባሕረኛታት ቀቲሎም ኣለዉ።
ሑቲ ዋላ’ኳ ነተን ምስ እስራኤል፡ ዓዲ እንግሊዝን ኣመሪካን ርክብ ዘለወን መራኽብ ኢና ነጥቅዕ ዘለና እንተ በለ፡ ኣብ ባይታ ግን ንዝዀነት መርከብ’ዩ ከጥቅዕ ጸኒሑ።
ብኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዝምርሓ ሓያለ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ናይ ውግእ መራኽብ ኣዋፊረን’ኳ እንተ’ለዋ፡ ነቲ መጥቃዕትታት ሑቲ ግን ክገትአኦ ኣይከኣላን።
ኣቐድም ኣቢለን ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ዕላማታት ሑቲ ተደጋጋሚ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ክፍጽማ ምጽንሐን’ውን ይዝከር።
ብሰንኪ’ቲ ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ዝፍጽምዎ ዘለዉ መጥቃዕትታት፡ ሓያለ መስመር ንግዳውያን መራኽብ ብቐይሕ ባሕርን መትረብ ስወጽን ምሕላፍ ስለ ዘቋረጻ፡ ብደረጃ ዓለም ቍጠባዊ ሓፍዞቕ ፈጢሩ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝነበረት መርከብ ውግእ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ንምፍጻም’ኳ እንተ ፈተነ፡ ኵሉ እቲ ዝተተኰሰ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብታ መርከብ ከይበጽሐ ብሰራዊት ኣመሪካ ከም ዝበርዓነ ፔንታጎን ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ የመን ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሑቲ ኣካል ኪዳን ናይቶም ብኢራን እናተደገፉ ኣብ ሊባኖስ ዝንቀሳቐሱ ሕዝቦላህን ኣብ ቓዛ ዘለዉ ሓማስን’ዮም።
ትራምፕ፡ ነታ ብድሕሪት እቶም ዕጡቓት ዘላ ኢራን ዘጠንቀቐ ኰይኑ፡ ዋይት ሃውስ ኣብ እዋን ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ “ብዘሕዝን መንገዲ ድኹም” ምንባሩን፡ ሑቲ ከይተገትአ ክቕጽሉ ከም ዝፈቐደን ከሲሱ።