
ኤርትራ መንእስያት ቀሲኖም ከምዘይነብሩላ ጌሩ ዝሰርሐላ ሽፍታ ህግደፍ ኩሉ ሀገሩን ስድሩኡን ገዲፉ ናብ ስደት ዝጠፋላ ኮይና ኣብ ጽምዋ መከራ ትሰሐግ ኣላ።ህንጻታት ዘፍርስ ዝነበረ ታሪኽ ዝድምስስ ህግደፍ ወዲ ገዛ ምቀኛ ገዛኢ ኢዩ።ስለዚ ኩልና ነዚ ጸልማት ክንቅንጥጦ እንተኾይና ኩልና በብዘለናዩ ነዚ ስርዓት ካብ ሱሩ ክንምሕዎ ብትብዓትን ቅጽበትን ክንቃለሶ ይግባኣና ኢዮ።ንህዝብና ዝሀሲ ብዘይኮነ ሜላ ተጠቂምና ርክብና ምስ ህዝብና ክንገብሮ ኣለና።