
ባኩ፣ 8 ጥሪ 2024 ዓ.ም.
ሓጂዛዳ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እተን ሰለስተ ብድምር 18 ኣባላት ሰራሕተኛታት ዝጸዓና ኩለን ኣዘርባጃናውያን ዜጋታት ዝጸዓና መራኽብ፡ ብካናል ሱዌዝ ኣቢለን ናብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝኸዳሉ ዝነበራ እዋን፡ ብሰንኪ ዝገደደ ኩነታት ኣየር ናብ ማያት ኤርትራ ድሕሪ ምእታወን፡ ብ7 ሕዳር ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዋ ሓቢሩ።
እተን ብጨንፈር ኣዘርባጃን ካስፒያን ማሪን ሰርቪስስ ቢ.ቪ.ዝመሓደራ መራኽብ ሲኤምኤስ ፓህልያን፣ ሲኤምኤስ ኢጊድን ሲኤምኤስ-3ን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ርክብ ገይረን እኳ እንተነበራ ኩሉ ዘድሊ ዝርዝር ሓበሬታ ክህባ ከምዘይከኣላ ሓጂዛዳ ሓቢሩ። ኣዘርባጃን ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ምስ ፈለጠት ኣብ ኢትዮጵያን ሩስያን ብዘለዋ ኤምባሲታታ ኣቢላ ናብ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ መዘኻኸሪ ከም ዝሰደደት ሓቢሩ።
“እቲ ጉዳይ ንምፍታሕ፡ ነተን መራኽብን ሰራሕተኛታትን ንምፍታሕን ኣድላዪ ቆንስላዊ ሕጋዊ ሓገዝ ንምሃብን ስራሕ ይቕጽል ኣሎ” ኢሉ ሓጂዛዳ።