45 ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ከምዝተገልበጠት UNHCR ኣፍሊጡ

መግላጺ ፡ ብውሕዱ 45 ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ገማግም ባሕሪ ታይዝ የመን ከምዝተገልበጠትን፡ ካብ ሞት ዝደሓኑ ኣርባዕተ ሰባት ጥራይ ከምዘለዉን ኣብ የመን ዝርከብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
እታ ጃልባ ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስን ልዕሊ ዓቐን ጽዕነትን ከምዝተገልበጠት እቲ ​​ትካል ወሲኹ ሓቢሩ። ምስ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት ብምትሕብባር ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ንምሕጋዝን ሓለዋ ንምሃብን ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ ስደተኛታት ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ 260 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሶማልያ ዝተበገሰት መርከብ ካብ ገማግም ባሕሪ የመን ድሕሪ ምግልባጣ፡ ብውሕዱ 49 ስደተኛታት ክሞቱ እንከለዉ፡ 140 ድማ ደሃዮም ጠፊኡ።
ኣብ መስመራት ስደት ዝሞቱ ወይ ዝጠፍኡ ስደተኛታት ዝቖጽር IOM፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃን ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ዝኸይድ መስመር 1860 ስደተኛታት ሞትን ምጥፋእን ኣመዝጊቡ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 97 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ የመን ኣትዮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *