
ኤርትራውያን ብርጌድ ንሐመዱ ነበርቲ ኣብ ጀርመን ነቲ ማሕለኻ ናይ ቃልሲ ሰጊሩ ዕዉት ካላኣይ ዋዕላ ኣብ ግብሪ ኣመስኪሩ።መንእሰይ ነቲ ዋዕላ ንምስታፍ ካብ ርሑቅን ቀረባን ብነፈርትን ባቡርን ተጓዒዙ ነቲ ዝነበረ ክሌማ ቀዛሒ ቁርን ማይን ሰጊሩ ነቲ ዝሐሰብዎን ዝመደቡዎን ዋዕላ ንምስታፍ ክውሕዝ ተራእዩ ፡መንእሰይ ብብዝሒ ስለ ዝመጸ ካብቲ ዝተሐስበ ቁጽሪ ተሳተፍቲ በዚሖም ኣብ ደገ ከይተረፈ መሊኡ ከምዝነበረ መድያታት ይገልጻ፡ ነቲ ዋዕላ ንምምዕራግ ውን ካብቶም ፍቱዋትን ኣርካናትን ስነጥበባውያን ከም ደሀብ ፋንቲጋ ኪሮስ ኣስፋሀን ካሎኦት ውን ዝተሳተፉዎ ሙዉቅ ጸወታ ውዒሉን ሐዲሩን፡እቲ መንፈስ ናይቲ ዳስ ኻኣ ኩሎም መንእስያት ሕጉሳት ነይሮም ምስ ሰማያዊት መለይ ሰለል ክብሉ ሐዲሮም።