ህግደፋውያን ኣብ ሎንዶን ዳውን ንብርጌድ ንሐመዱ ክብሉ ውዒሎም 09/22/2023

09/22/2023 ኣብ ከተማ ሎንዶን ሰላማዊ ሰልፊ ብህግደፋውያን ተኻይዱ፡ደመኛታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ደገፍቲ ስርዓት ኣብ ጽርግያ ሎንዶን ኣንጻር ብርጌድ ንሐመዱ ሰላማዊ ሰልፊ ዳውን ዳውን ክብሉ ውዒሎም ብሕጊ እቲ ዝሐሰቡዎ ናይ ምኽዕባት ገንዘብ ፈስቲቫል ኣብ ኩሉ ስለ ዝተኸልኸሉ ኣብ ጽርግያ ሳዕስዒት ጭርሖ ዝተሰነየ ኔሩ ንሱ ኻኣ ክልተ ሀይማኖትና ሸውዓተ ኣውራጃና ዳውን ብግርጌ ንሐመዱ ክብሉ ተሰሚዖም።

እንተ እቲ ብሄር ይኹን ኣውራጃና ኩሉ ኤርትረዊ ዝፈልጦ ስለዝኾነ መምህር ኣየድልዮን ኢዩ፡ካብቲ ዝገርም መምጺኢኦም ረሲዓም ኣብ ክንዲ ዘምጸኦም ዝገሩ ኣብ ደምበርበር ኣትዮም ሐደ ኣፊቱ እታ ዝናፈቁዋ ሳዕስዒት ኢዮም ኣትዮም።

ካብ መጀመርታ ውን ናፍቖት ሳዕስዒት እምበር ተውሳኺቶም ምቅዋም ኣይፈልጡዎን ኢዩም ውጹዓት ዘሕዝኑ ስጋ ለበስ ኢዮም፣ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኢሰያስ ብወያነ ትግራይ ውግእ ተኾሊፉ ብርጌድ ንሐመዱ ኻኣ ምስዕሳዕ ስለ ዝኾለፎም ነታ ዝሰኣኑዋ ወልፊ ንምርዋይ ኢዩም ምስ ቀይሕ መይሕ ባንዴራኦም ኣብ ጽርግያ ለንደን ከንገርግሩ ውዒሎም፡ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ እዚ ኣይኮነን ትጽቢቱ እንታይ ዳኣ ካብ ዕጽዋን ክባን ዘገላግሎ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ እዚ ኻኣ ንታሪኽ ንግደፎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *