
ዝኸበርኩም/ዝኸበርክን ደቂ ሃገር
ኣብ ዞባና ዝኸይድ ዘሎ ቅልጡፍን ተሃዋስን ምዕባለታት ኩሉና ብኣንክሮ ንከታተሎ ከምዘለና
ኣይሰሓትን።ስርዓት ኣስመራ’ውን ብስም ሃገርን ህዝብን ኣብዚ ተረኽቦ ብሙሉእ ሓይሉ ይዋሳእ
ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ። እቲ ክመጽእ ዝኽእል ለውጥታት ከኣ ብኡ መጠን ንሃገርና ዝጸሉ ምዃኑ
ዝሰሓት ኣይኮነን።እንተኾነ ኣብዚ ህሞት’ዚ ከም ህዝቢ እንታይ ንመስል ኣለና፧ኢልካ ክሕተት
ይግባእ።
ብመሰረቱ ከም ሕብረተሰብ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዘለና ንቐባራይ ምርዳእ’ዩ።ብሓፈሻ ሕብረተሰብና
ኣብ 4 ጉጅለ ከፊልና ክንሪኦ ንኽእል (እቲ ቀታሊ ጉጅለ ንጎድኒ ገዲፍካ ማለት’ዩ) ፥
- ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ።በቲ ስርዓት ዝሳቐ፤ ዝእሰር፤ዝቕተልን ዝጸንትን
ዘሎ፤ብኹሉ መለኪዒታት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከብ ህዝብና - ብዘይድልየቶምን ንመርወዪ ባህጊ ሓደ ውልቀሰብ ተባሂሉ ኣብ ዘይመሬቶም ደሞም ዝግብሩ
ዘለዉ መንእሰያት (ብስም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ) - ኣብ ዓዱ ክነብር ዝተነፍጎ፤ እግሩ ናብ ዝመርሖ ወጽዩ ኣብ ፈቐዶ ጎረባብቲ ሃገራትን፤ ኣብ
ቤት ማእሰርታት ሊብያን ካለኦት ሃገራትን ዝሳቐ ዘሎ፤ ናብ ውሑስ ቦታ ክበጽሕ ክብል ኣብ
ሰሃራን ባሕርን ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ - እቶም ኣብ ውሑስ ቦታ ዝበጻሕና ከኣ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ኣለና። ውግእ ሕድሕድ ካብ ቅኒተ
ኣእምሮ እዩ ዝጅምር። ቅኒተ ኣእምሮና ምሉእ ጥዕና ዝውንን ኣይመስልን። እዚ ዓይነት
ኣእምሮ ዝውንን ሰብ ከኣ ዕድል እንተረኺቡ ቃታ ክስሕብ ድሕር ኣይክብልን’ዩ። ድሕሪኡ
ዝስዕብ ሓደጋ ከኣ ንኹሉ ርዱእ’ዩ።
ስለዚ፤ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እንዳሃለና፥
ü ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ለውጥታት ክገጥም ዝኽእል ውዳበን ድልውነትን ብወገን ደምበ ፍትሒ
ኣሎዶ፧
* እዚ ህልው ኣቋውማና ሃገር ከውሕስን ክሃንጽን ይኽእልዶ፧
* ፖለቲካውያን ውድባት/ምንቅስቃሳት ፖለቲካዊ መደባተትንን ጥሙሐንን ክሳብ ውድቀት እቲ
ስርዓት ከወንዝፈኦ ይኽእላዶ (ድሉዋት ድየን)፧
*እዚ ዘይተኣደነ ፍልልያትን ምጥርጣራትን እንዳሳሰና እንከለና፤ ዕውት/ኣድማዒ ዝኾነ ሃገራዊ
ጉባኤ (National Congress) ይኹን መንግስቲ ኣብ ስደት ክንምስርት ይከኣልዶ፧
* ብመሰረቱ ሱር ዝሰደደ ክሳብ ክንድ’ዚ ዝኣክል ክፈላልየና ዝኽእል ረቋሒታት ኣብ
ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣለና ድዩ፧
* እሞኸደኣ ጠንቅታት ናይዚ ኣብ ሞንጎና ሰፊኑ ዘሎ ፍልልያትን ዘይምትእምማንን እንታይ
እዮም፧
መቸም ከም ኩሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሕብረተሰባት፤ገለ ንኣሽቱ ዘሰሓሕቡ ነገራት ክህልዉ ይኽእሉ
ይኾኑ፤ ካብኡ ሓሊፉ ግን ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ክፈላሊ ዝኽእል ሱር ሰደድ (inherited)
ባእታታት ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ የብልናን እብል።ብሓጺሩ ከም ሕብረተሰብ ጸገም የብልናን
ኣብ ብዙሕነት ዝተሰረተ ህዝቢ ምዃንና ርዱእ’ዩ፤ብዙሕነትና ከኣ ንጽቡቅ እንተተጠቂምናሉ
መልክዕና እዩ። ክፉእ ንዝደሊ ከኣ ነቲ ነቃዓት ኣጋፊሑ ንሕማቅ ክጥቀመሉ ይኽእል። ካብ
ኣርባዓታት ጀሚሩ ናይ ደገን ናይ ዉሽጥን ፖለቲካውያን ሓይልታት ነቲ ብዙሕነት ህዝብና
ይምዝምዙዎ ከምዝነበሩን ከምዘለዉን ኣይሰሓትን። ብቀንዱ ከኣ ስርዓት ህግደፍ፤ እቲ “ከፋፊልካ
ግዛእ” ዝብል ሜላ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ብዝለዓለ ደረጃ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ንኩልና
ብሩህ’ዩ። ይኹንደኣምበር፤ኣብዚ ግዜ’ዚ ካብቶም ቀንዲ ጠንቅታት ፍልልያትና እዞም
ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይከኣል፥
- ካብ ሜዳ ጀሚሩ ዝጸንሐ ውልቃዊ ቅርሕንትን ዘይምትእምማንን
- ክቱር ናይ ስልጣን ህርፋን። ብርግጽ ንስልጣን ምህራፉ ሕማቅ ኣይኮነን። ኣብ ዕዳጋ
ዲሞክራሲ፤ውሃቢ ስልጣንን (ህዝቢ) ደላዪ (ተቐባሊ) ስልጣንን ተራኺቦም’ዮም ዕዙዝ
ምሕደራ ዝፈጥሩ።የግዳስ ኣብዘይ ግዚኡን ብዘይ ኣገባብን ምድላይ’ዩ እቲ ጸገም ዝኸውን
ዘሎ - ቀዳምነታትና ዘይምስራዕ። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ክግበር ዝግበኦ ንጥፈታት
ኣቀዲምና ንገብሮ ብምህላውና - ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ተሞክሮ ሰውራ ኤርትራ ከም ናይ ቃልሲ ሞዴልና ጌርና
ስለእንወስዶ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ፤ “ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ
ኣይጸውርን’ዩ” ተባሂሉ እቲ ኩልና እንፈልጦ ሕማቅ ታሪኽ ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣሕዋት
ውግእ ሕድሕድ ተኻይዱ። እቲ ጎብለል ኮይኑ ዝወጸን ዓዲ ዝኣተወን ውድብ ህዝባዊ ግንባር
ከኣ፤ብግዝያዊ መንግስቲ ኢሉ ዝጀመሮ ስልጣን ንሳላሳ ዓመታት ግዝኣቱ ይቅጽል ኣሎ።
ንዝኾነ ተበግሶ ብመንጽር’ዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ስለንሪኦ ከኣ ከይስጉም ሓሊኽና ንሕዞ
ኣለና - ስጡም ፖለቲካዊ ፕሮግራምን፤ ራኢን፤ ናይ ቃልሲ ስትራተጂን ዘይምውናን (ስለዝኾነ ከኣ
ዘዝመጸ ማዕበል ይገፍዓና’ሎ) - ብውድባዊ ዓንዲ ሕግታት ዘምቅያድ (ውልቃዊ ጽልኢ ምስ ውድባዊ ዓላማ ሓዋዊስካ
ምስሳይ) - ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ጸጋታት ሃገር ኣባኺኑ ኣብ ማእከልና ኣትዩ ስለዝብትነና
- ምዕባለ ቴክኖሎግጂ (ማሕበራዊ መድያ) ኣብ ግጉይ መዓላ ነውዕሎ ስለዘለና
- ውልቃውን ጉጅለኣውን ህልኻትን ጽልእን (ረብሓ ህዝብን ሃገርን ከይንጥምት ነእምሮና
ይደፍኖ፤ንዓይንና ከኣ ጋህሚ ይኾኖ’ሎ)።
ብዙሓት ካለኦት ጠንቅታት ክዝርዘሩ ይከኣል ይኸውን፤ ብውሑዱ ግን እዞም ኣብ ላዕሊ
ተጠቒሶም ዘለው ከም መበገሲ ዛዕባ ክኾኑና ይኽእሉ እዮም።
እሞኸደኣ፤ ነዞም ፍልልያትና ብኸመይ ነጽብቦም፧ እንታይ’ዩ እቲ ፍታሕ፧
ከምዝፍለጥ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ፤ ሓፋሽ ህዝቢ ንውድባትን ምንቅስቃሳትን ፍልልያተን ወይ
ፖለቲካዊ ጥሙሐን ኣወንዚፈን ሓበራዊ ጽላል ክገብራ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ
ኩሉ ዝተገብረ ፈተነታት ኣይተዓወተን።ዕስራ (20) ዓመታት ተፈቲኑ ዝፈሸለ ጉዕዞ ምድጋም፤ ነቲ
ቃልስን ስቓይ ህዝብን ምንዋሕ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ስለዚ ካልእ መገዲ ማለት ኣብ
ምስሉይ ድልየት ጥራይ ዝተሞርኮሰ ምትእኽኻብ ዘይኮነስ፤ ተገዲድና ናይ ሓባር ጠቕሚ
ንደልየሉ መኣዲ ክንፈጥር ይግባእ።
ካብቶም ጸገማት ኢልና ዝጠቐስናዮም፤ ህርፋን ስልጣን፤ ቀዳምነታትና ዘይምስራዕን ኢልና ኔርና።
ውድባት ይኹና ምንቅስቃሳት፤እቲ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ክገብረኦ ዝግበአን
ሕጂ ይገብረኦ ኣለዋ እንተኮይነን፤ ኣብ ደገ ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ ከኣ ካብ ሕጂ ጀሚሩ
ስልጣኑ ጨቢጡ ሕግታት ኣወዳድባ ክቕይስ ኣለዎ። ክሳብ ናይ ደገ መንግስቲ ንምምስራት
ድልየትን ድፍረትን ካብ ሃለወና፤ መጀመርታ ሕጊ ናይ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ከነተኣታቱ
ይግባእ።
ከምዝዝከር፤ ኣቶ ማሕሙድ ሸሪፎ ዝመርሖ ጉጅለ፤ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ሃገራዊ ቅዋም
መሰረት ዝገበረ ንድፊ ኣዋጅ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ኣውጺኡ ኔሩ።ትሕዝቶ ናይቲ ንድፊ
ንህልው ኩነታትና ዝፍውስ ኮይኑ ይረኣየኒ። ካብ ትሕዝትኡ ገለ ንምጥቃስ፥
- ብዝሒ መስረትቲ [ውድብ/ሰልፊ] ካብ 100 ዘይውሕዱ
- ብውሑዱ ናይ 4 ዞባታት ተቀማጦ ክኾኑ (እቶም 85% ኣብ ኤርትራ ዝቅመጡ
ማለት’ዩ)።[ኣብ ደገ/ወጻኢ ኣውራጃዊ ውደባታት ስለዘሎ ንክተሓናፈጻ ዕድል ዝህብ’ዩ] - ኣቃውማ (ሕንፋጸ) ናይ መስረትቲ፤ ውህደትን ኢትኒካውን ሃይማኖታውን ብዙሕነትን ናይ
ሕብረተሰብ ኤርትራ ንምንጽብራቅ፥
ሀ) ብውሕዱ ካብኦም እንተወሓደ 2/3 ካብ 5 ብሄራት ክኾኑ
ለ) ብውሕዱ 1/3 ካብኦም ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልማና ወይ ክርስትና ክኾኑ ይብል።
እዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ካብ “ንድፊ ኣዋጅ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታታን” ዝተወስዱ
እዮም።ንሕና ከኣ ነዚ ዝያዳ ከነሀብትሞ ንኽእል። ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ ክንውስኸሎም ንኽእል፥
ሐ) ፍርቂ ካብኦም መንእሰያት ክኾኑ
መ) ብውሕዱ 1/3 (ወይ ፍርቂ) ካብኦም ደቂ ኣንስትዮ ክኾና
ሰ) ፖለቲካዊ ፕሮግራሞም ኣብ ንሓፋሽ ህዝቢ ክፉት ዝኾኑ ወብሳይታት ክዝርግሑ
ረ) ተመሳሳሊ ወይ ሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዘለዎም ውድባት/ምንቅስቃሳት እንደገና
ክተሓናፈጹ
ሸ) ናይ ምትሕንፋጽ/ውደባ ግዜ ገደብ ካብ 3-4 ወርሓት ዘይበዝሕ ይኸውን፤
ዝብሉን ካልእን ረቛሒታት ነቐምጥ።
ኣብዚ ከም ርዱእ ክውሰድ ዘለዎ፤ እተን ፖለቲካውያን ውድባትን ምንቅስቃሳትን ኣብ ልኣላውነት
ሃገርን (ኤርትራ) ህዝብን፤ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕልና ሕግን ዝኣምና ክኾና ኣለወን።
ብድሕሪዚ፤ኣወዳድባና ምስ ጸፈፈ፤ናይ ሓባር ጽላል ሃገራዊ ጉባኤ (Eritrean National
Congress) ይምስረት። እቲ ዝምስረት ጽላል ሃገራዊ ጉባኤ፤ ወከልቲ እተን ውድባትን፤ በርገሳውያን
ማሕበራትን ከምኡውን ኣብዝኾነ ውደባ ዘየለው ውልቀሰባትን ዘካተት ይኸውን። ብዛዕባ ኮታ
(quota) ውክልናን ኣገባብ ምርጫን ዝምልከት፤ ድሒሩ ብዝርዝር ክቐርብ ይከኣል’ዩ።ብዛዕባ
ኣድላይነትን ዕማምን ሃገራዊ ጉባኤ፤ ርእሱ ክኢሉ ስፍሕ ብዝበለ መልክዕ ኣብ ካልእ ግዜ
ክቐርብ’ዩ።
እዚ ኣገባብ’ዚ፤ ብውሑዱ፥
* ክንባሃሃልን ፍልልያትና ከነጽብብን
* ብዝሒ ውድባት ንኽቕንስን ሓይልና ንኸነዋሃህድን
* ኣብ ሓቅን ሓባራዊ ጠቕምን ዝተሞርከሰ ውደባታት ንክንምስርት
* ንሃገርን ህዝብን ዘርብሑ ብሉጻት ሓሳባትን ብሉጻት መራሕትን ንክወጹ
* ውድባት/ምንቅስቃሳት ኣብ ክንዲ ዝፈርሳ ዝያዳ ንኽቁርጥዋን ክትርንዓን
* ንኹሉ ደምበ ደላዪ ፍትሒ ወኪሉ ዝጣበቕ ሓያል ጥርናፈ ኣብ ምፍጣር
* ካብ ነቓዓትን ጸበብቲ ዓንኬላትን ወጺእና ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ንኸነማዕብል
* ውድባትን መራሕቲ ውድባትን ኣብ ክንዲ ተሃላለኽቲ ተመላላእቲ ንክኾኑ
* ፖለቲካዊ ሃጓፍ ክመልእን ሃገር ከድሕንን ዝኽእል ጥርኑፍ ሓይሊ ንክንፈጥር
* ነዚ ኣብ ዞባና ዝኽሰት ዘሎ ለውጥታትን ኣብ ሃገርና ከስዕቦ ዝኽእል ጽልዋን ብግቡእ
ክንገጥሞን ክንጥቀመሉን
* ቁስልና (እንተለና) ንክንፍውስ (natural healing process) ከኽእለና’ዩ ዝብል እምንቶ
ኣለኒ።
ለበዋ: ዝኸበርኩም ኣሓትን ኣሕዋትን፤ ካብዚ ሓሸውየን ጓል መገድን ወጺእና፤ ኣርእስቲ ዘተና
(discourse) ኣብዞም ንዓዲ ዘእትውን ዓዲ ዝተኽሉን ሓሳባት ከነተኩር ይግባእ። እዚ ለበዋይ ምስ
ሙሉእ ትሕትናን ኣኽብሮትን ምዃኑ ክትርድኡለይ ይደሊ።
ሓውኹም/ሓውኽን ዮውሃንስ ሃይለ (ዶር)
ታሕሳስ 2021
ኦታዋ – ካናዳ