
ልፍንቲ ማለት በቲ ልሙድ ትግርኛ ፣ ከም ኣብነት ክልተ ሓረስቶት ሓድ ሓደ ኣብዑር
ዝውንኑ፣ ልፍንቲ ገይሮም ሓደ መዓልቲ ሓደ ክሓርሶም ይውዕል ድሕሪኡ ከኣ እቲ ክልኣይ
ሓረስታ ክሓርሶም ይውዕል ። ብእብረ ማለት እዩ። ምክንያቱ ኣብ ገለ ክፋል ሕብረተሰብና
ብሓደ ብዕራይ ምሕራስ ልሙድ ስለ ዘይኾነ ። ስለዚ እቶም ክልተ ሓረስቶታ ውዑሎም
ናይ መሬት ዋንነት ኣይኾነን እንታይ ደኣ ክልቲኦም ናይ ሓባር ጥቅሚን ረብሓን ስለ ዘለዎም
እዮም ። ብከምዚ ኣጋባብ ተሓባቢሮም እንተ ዘይሰሪሖም ጥሜት ኣብ ስድርኦም ኣትዩ
ክሳቅዮም ስለ ዝኾነ እዩ ።ኣብ ካሊእ ስርሓት እውን ምልፋን ከምዘሎ ምግንዛብ ከድልየና
እዩ ። ስለዚ ቅቡል መርገጽን ዝድገፍ ሓሳብን እዩ ።ስለዚ ልፍንቲ ማለት ፣መሬት ኤርትራ
ንኤርትራውያን ፣ መሬት ትግራይ ከኣ ንተጋሩ እዩ ።
ኣብ መወዳእታ 80ታት ህ.ግ ልፍንቲ ክትብል እንከላ ፣ ተሓኤ ከኣ ሓድነት ትብል
ነይራ ። ስለዚ ሓደ ግዜ ኣብ ካርቱም ሱዳን ምስ ስሩዓት ህግ ኣብ ክትዕ ምስ ኣቶና ነታ
ልፍንቲ እትብል ቓል ብከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘላ ገርና ገሊጽናሎም ፣ ስለዚ ልፍንቲ ማለት ህግ
ናታ መሬት ተሓኤ ከኣ ናታ መሬት ኣሎዋ ማለት እንድዩ ከሰሚዕ ፣ ኣብ ክንዲ ሓንቲ ኤርትራ
ምስ በልናዮም ክላ “ ንስካትኩም ኣይፈለጥኩምን ፡ ልፍንቲ ትርጉማ ቀይራ እንዲያ “
ኢሎምና ነይሮም ።
ኣብዚ ዘሎናዮ መድረኽ ኤርትራውያን ኣብ ፖለቲካዊ ኣራኣእያ ኣብ ክልተ
ተፈላሊና ኣሎና ። ሓደ ወገን ካብ መሬት ትግራይ መንጠሪ ገርና ክንሰርሕ ኣሎና ፡ ከምኡ
እውን ምስ ህወሓት ናይ ስራሕ ልፍንቲ ምግባር ከዋጽኣና ይክእል እዩ ፡ ክብሉ እንከለዉ ።
መበግሲኦም ኣብ መንጎ ህ.ግ.ሓ.ኤን ህ.ወ.ሓ.ት ኣቀዲሙ እተፈተነን ኣብ ተገባር ዝተራእያ
ዕውት ልፍንቲ ምንባሩ ይገልጹ ። ሕጂ እውን እንተኮነ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ስምምዕ
ምብጻሕ ወሳኒ እዩ ፡ ህግደፍ ናይ ሓባር ጸላኢና ስለ ዝኾነ ክንስዕሮ ግድን ኣብ ልፍንቲ
ክንኣቱ ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምኑ ።
በቲ ካልእ ወገን ምስ ህወሓት ብፍጹም ዝኾነ ይኹን ዝምድና ክህሉወና የብሉን
ብሃልቲ ኣሎው ። ተኽተልቲ ርእይቶ ናይዚ ወገን እዚ ፣ ሕሉፍ ጽልእን ካብ መጠን ንላዕሊ
ዘየለ ፍርሒ ዝሓደርሮም እዮም ። ርእይቶ ክቅበሉ እውን ፍቃደኛታት ኣይኾኑን ። እቲ
ንሶም ዝብሉዎ ጥራሕ ክስማዕ ይደልዩ ። ብተወሳኪ ነዚ ናይ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ጉሁድ
ጥልመት ፣ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ ዝግበር ዘሎ መደባት ብኸመይ ክገጥሙዎን
ደው ከብሉዎን ራኢ የብሎምን ። ጉዳዮም ይቀልጥፍ ይዶንጉ ኢሳይስ ኣፈውርቂ ክወድቅ
እዩ ስለዚ ሱቅ እልና ንጸበ በሃልቲ እዮም። ካብ ምስ ህወሓት ምስራሕ ፣ህግድፍ ህገር
ጠቅሊሉ ናብ ኢትዮጵያ ምሕዋስ ይበልጾም ። እንተኾን ድሕሪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመጽእ
መልኣኽ ዲዩ ክኽውን ወይስ ሰይጣን ዝፈልጦ ሰብ የለን ።
እቶም ኤርትራ ነጻን ልዑላዊት ኾይና ክትነብር ዝድልዩ ምልፋን ምስ ህወሓት ከም
ኣማራጺ ይወስድዎ ። ኣብዚ ክበርሃልና ዘሎዎ ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ኣብ መንጎ ህ.ግ
ወ.ህ.ሓ.ት ብዙ ደስ ዘየብሉ ነገራት ተፈጺምም እዮም ፡ ሕጂ እቲ እዋናዊ ፖለቲካዊ ሽርሒ
ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክንዲ ምግፋጥ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቁስሊኻ እናጎዳእኻ ክትነብር
ምድላይ ነቲ ክትበጽሖ እተደሊ ዕላማ ዓንቓፊ እዩ ናይ ዝሓለፈ ጽቡቅ ይኹን ሕማቅ
ኣመዝጊብናዮ ንሓልፍ ፣ ከምድላይነቱ ከኣ ንመሃረሉ ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ሰልፍታታ ዋላ
ሓደ ብልዑላውነት ኤርትራ ዝኣምን የብሎም ብዘይካ ህ.ወ.ሓ.ት ፡ ሕጂ እውን እቶም
ተወዳደርቲ እንተ መሪጽኩሙና ዓሰብ ኣብ ኢትዮጳያ ክንመልሳ ኢና ዝብሉ ጭርሖታትን
መብጸዓታትን ሕዞም ይወጹ ኣሎው ።
እምበኣር እዞም ወከልቲ ናይዘን ክልተ ራኢታት ጎዲሉዎም ዘሎ እምነት ናብ
ሕድሕዶም እዩ ። እምነት እንተ ዘይብልካ ከኣ እትኸዶ ጉዑዞ ኩሉ ጸልማት እዩ ። እዚ
ተርእዮ እዚ ሓዲሽ ኣይኾነን ዘሎን ዝጸሔን እዩ ። እቲ ጉዳይ ካብ ላህመታዊ ናይ ሕድ ሕድ
ኣፍልጦ ዝምንጩው ተርእዮ እዩ ። እቲ መፍትሒ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ናይ የማን ይኹን
ናይ ጸጋም ሕሉፋት ፣ ናይ ማእከል ልቦና ዘለዎ ሓይሊ ክፍጠር ኣይተኽኣለን ። ክፍጠር ግን
ኣሎዎ ። መጻኢት ኤርትራ ነዚ ዝነቀዘ ኣታሓሳባ ክተጻወሮ ኣይትክእልን እያ ። እቲ ናይ
ኤርትራውያን ራኢ ሓንቲ ቅዋማዊትን ሰላማዊትን ብልጽግትን ኤርትራ ምዃና ኢና ንኣምን
። እዚ ከም ራእይ ጸገም የብሉን ። ግን ከ በዚ ሕጂ እንከዶ ዘሎና ክንበጽሖ ዶ ንክእል ?
ሓፈሻዊ ታሪኽ ሃገሩን ህዝቡን ብግቡእ ዘይፈልጥ ሰብ ክመርሕ እውን ኣይክእልን እዩ
ስርዓት ህግደፍ ተሳዒሩ እዩ ዘሎ ። እቲ ዝነበሮ ብልጫ ኣብ ሓደ ከባቢ ተጸፍዩ ስለ
ዝነበረ እዩ ። ምክንያቱ ንክሳራታቱ ዝኾኖ መተኻእታ ኤርትራዊ ሓይሊ ሰብ የብሉን ። ስለዚ
ከኣ እዩ ምስ ኢትዮጵያ ወተሀደራዊ ሓድነት ክፍጥር ዝጎዩ ዘሎ ። ስለዚ ከይቀደመና
ክንቅድሞ ነቶም ኣብ ትግራይ ዘለውን ካብ ሰራዊት ኤርትራ ዝሃድሙን ዝተማረኹን
ወዲብና ሃገርና ካብ ክሻን ማንኪን ነጻ ነውጸኣያ ምባል እንታይ ሕማቅ ሳዕቤን ኣሎዋ ?
እቲ ዝገርም ገለገለ ሰባት ምስዚ ኣይተዛተዩ ምስዚ ኣይተወድቡ ምባሎም ገደደ ።
ህወሓት ነጻናት ኤርትራ ተቀቢሉ ረፈረንዱም ኣተግቢሩ ፡ እንቛዕ ሓጎሰኹም ዝበለና እንኾ
ህዝባዊ ውድብ እዩ ። ሕጂ ክህሉወና ዘሎዎ ምርጫ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክትሕወስዶ
ተደሊ ወይ ምስ ህወሓት ተላፊንካ ነጻነት ኤርትራ ትዕቁብ ዝብል እዩ መልሲ ዘድሊዮ ዘሎ ።
መልሰይ ምስ ህወሕት ኾይንካ ነጻነት ኤርትራ ምዕቛብ እዩ !
ኣብ መወዳእታ
ምስ ህወሓት ልፍንቲ ገርና ከይንሰርሕ ብገለ ናይ ኤርትራውያን ኢና ብሃልቲ ናይ ዜና
ማዕከናት ዝግበር ዘሎ ፕሮፖጋንዳ ንረብሓ ህግደፍ ምዃኑ ክፍለጥ ኣሎዎ ። ቓልሲ ህዝቢ
ትግራይ ፍትሓዊ ስለ ዝኮነ ክዕወት እዩ ። ዓወት ህዝቢ ትግራይ ከኣ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ እዩ
፡ እዚ ማለት ህዝቢ ትግራይ ኣብ መርገጹ ጸኒዑ ንሓድነትን ልዑላውነትን ህዝቢ ኤርትራ
ክሳብ ዝኽበረ !
ኣምላኽ ኤርትራ ሃገርናን ህዝባን ይባርኽ !
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና !
ክብሮም ግረነት
4/28/21
ውልቓዊ ርእይቶ