ቁጣዔ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፣ ብማሕበር ተበግሶ ጀርመን

ቁጣዔ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፣ ብማሕበር ተበግሶ ጀርመን
ቅድሚ 30 ዓመት፤ ግንቦት 1991 ሰራዊት መግዛእቲ ካብ ሃገርና ብህዝባዊ ሰራዊት
ውላድ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ተሳዕሩ፤ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ሰራዊት ምርዃት
ገዲፉ፣ጭርኡ ደጒሉ ካብ ምሉእ ሃገር ተሓግሒጉ ወጺኡ፤ኣብ ምሉእ
ሃግርና፤ገጠራትናን ከተማታትናን ህዝብና ብሓባር ንሰሙናት ብሓጎስ እናዓለለ
እና ተሓቛቘፈን ተሰዓዓመን ሳሲዑንም
ሎሚ እዋን ናይ 30 ዓመት ቀንዴልና ኣብ ክንዲ ምብራህ ህዝባዊ ሓርነትና ሰለ
ዝተመንጽዔ ቀጻሊ 30 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ብቅትለትን ሰደትን ማእሰርትን
ብግሉጽን ሕቡእን ዝሃለቀ ህዝቢ እዩ፣ ይኩን እምበር ብውሸጥን ደገን ንድሕነት
ህዝቢ ከየዕረፈ ዝምክት ህዝቢ እዩ።
ንህዝብና ኣብ ዝተፈላለያ ዓውዲ ኩናት ከእትዎን ጸኒሁን ብቀጻሊ የእትዎ ኣሎ።
ንእብነት የመን ሱዳን ጀቡቲ ኮንጎ ኢትዮፒያ ኣብዚ ግዳይ ኮይኑ ድቂኣንስትዮን
መንእሰያትን ኣቦን ኣደ ዝዓቢይ ውለድን ብሓፈሳኡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ
ሓዘንን ጛሂን ይነብር ኣሎ።
ሎሚ ህዝቢን ሃገርን ኣብ ጽንተት ዝበጽሓትሉ ፈታኒ ግዜ እዩ።
እቲ ናይ ክፍኣት ክፍኣት ዘስደምም ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ሓዘነን
ብፍርሕን ራዕድን ፣ ምረተን፣ክገልጻ ዕድል ዘይረከባ ብቀትሩ ዝጸልመተን
ወላዲትን ብዓልቲ ቤትን ዝኮና ደቂኣንስትዮ እየን።
ሓዘነን ጛሂኤን ናትና ሰለ ዝኮነ ብስመን ብስምናን ብስም ሎሚ ኣብዚ
ዘይተርክባን፣ ድምጺ ውጽዓት ከነስምዕ ተርኪብና ኣሎና።
ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ብሓደ ድምጺ፣
ደቅንና ክሃልቁ ኣይነፍቅድን ፣
ውግእ ወረ ውግእን ኣየድልየናን ብርሃን ገዛና ይውላዕ፣
ከብርናን ከብሪ ደቅናን ይተሓሎ ፣
ኩናት ብህጹጽ ደው ይበል፣
ካብ ስግር ዶባት ኤርትራ ደቅና ይመለሱ
ኢልና ንዓለም ኣውያትና ቁጣዔና ንሰድድ።
ጛሂናን ሕሰምናን ከብቅዕ እዚ ዝስዕብ ንጽውዕ
ህልቀት ኣህዛብ ደው ይበል
ብዘይውዓል ሕደር ወተሃደራት ንዓዶም ይመለሱ
ማዕጾ ውግእ ይተዓጾ
መንገዲ ሕውንውትን ቅሳነትን ይከፈት
ሰላም ኣብ ዞባና ይንገስ
ሽግራትና ብስምምዕ ይፈታሕ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ክስፍን ካብ ዶባተን ከይሓልፉ።
ጻዊዕት ንሰራዊት ኤርትራ
ሰራዊት ኤርትራ መዘናግዒ ሓለፍትካ ኣይትኩን!
ንክብረትካታ ኣሕሊፍካ ከይትሃብ እምቢ ንምልኪ በል!
ሰራዊት ኤርትራ ሰድራካ ክሳቀይ ዓንካ ኣይትዓምት!
ሰራዊት ኤርትራ ንባርባራዊ መራሒካ ሰዓሮ!
ሰራዊት ኤርትራ ናይ ህልቀትካ መደምደምታ ግበርሉ
ብጥፍኣት ተሐተቲ
መራሕትን ጀነራላት ሰበስልጣን ኤርትራ
ባርባራዊ ኣተሓሳስባ ኣመራርሐን ህግድፍ
ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎክን ደገፍት ናይ ሕልቀት ተሓተቲ ኢክን
ህልቀት እናረኣየት ዘስቀጠተ ተሓታት እያ
ክብርና ክምለስ ፣ሰላም ክነግስ ሕልናን ይገስግስ
ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ፣ ስዕረት ንዓመጽቲ
ምስጋናን ክብሪን ንዳለውትን ተሳተፍትን ሰላማዊ ሰልፊ!
ፍራንክፎርት 24.ማዝያ 2021

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *