ብንያም በረኸት ብጅግንነት ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈልዩ፡ስምካ ንዘላኣለም ኣብ ናይ ቃልስና ማህደር ክሰፍር ኢዩ።
ውልቀ መላኺ ንስልጣኑ ንኸናውሕ ዝገብሮ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራቱ እናሳዕረረ ይኸይድ ኣሎ ኣብ ደገን ውሽጥን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኻኣ ብትሪ ይቃወሞ ኣሎ።ንህዝብና ኣፉ ዓፊኑ ድምጹ ከየድምጽ ኣብ ፍርሕን ምሹቅራርን ከምዝነብር ፈሪዱዎ ኢዩ።እዚ ንሪኦ ዘለና ቅትለት እዚ ዕሸል ተካኢ የሕዋቱ ኮይኑ ንስድሩኡ ከይረድእ ንመሰሉ ስለ እምቢ ዝበለ ካብቶም ኩቡራት ሰድራቤቱ ብሞት ፈልዩዎ።ኣንቱም ኣብ ከተማታት ብረት ሒዝኩም ኣንጻር ኣሕዋትኩም ትንቀሳቀሱ ዘለኹም ጽባሕ ክወግሕ ሙኻኑ ፍለጡ ነዚ ለዋህ ህዝብና ደም ኣይትትከሉሉ ጥምየቱን ስእነቱን ያኣኽሎ፡እንተኺኢልኩም ምስ ህዝብኹም ወግኑ ካቡኡ ተረፈ ግን ኢድኹምን እግርኹምን ኣክቡልና።እዚ መጸዋዕታ እዚ ብፍላይ ነቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት/ፓሊስ ይምልከት ኢዩ።
ንስዉእ ብንያም በረኸት መንግስተሰማይ የዋርስካ፡
ንወለድን ፈተውትን ካኣ ጽንዓት ይሃብኩም።

