

ሰብ እንተጸሊኡካ እግዚኣብሔር ከም ዝጸልኣካ ምልክት ኢዩ። እሞ ሰብ ካብ ዝጸልኣካን ዝቐብጸካን ኣይወሓደን። ብረብሓ ይኹን ብጠቕሚ፡ ብፍርሒ ይኹን ብድንቍርና ገና ንዓኻ ዝኣምኑን ብኣኻ ክግዝኡ ዝደልዩን ውሑዳት ኤርትራውያን ተሪፎም ከም ዘለዉ ግን ንርእዮምን ንሰምዖምን ኣሎና። ዘጥፋእካዮ ህዝቢ ስለዘይወሓደ ብወገንና ብሕጂ ሓደ ኤርትራዊ እውን ከነጥፍእ ኣይንደልን ኢና። ብድሕሪ ሎሚ ምሳኻ ዝውግን ሰብ ከኣ ንነፍሱ ባዕሉ ዝፈረዳ ዘሎ ብምዃኑ ጽባሕ ንዘጋጥሞ ነገር ባዕሉ ብድሌቱ ዝኣትዎ ዘሎ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጽልእን ምብኣስን ኢዩ።
ይኹን እምበር ሎሚ’ውን ብፍቓድካን ብድሌትካን ስልጣንካ ንህዝቢ ምስ ተረክብ ግን ብዛዕባ ሓጥያትካ ኮነ ገበናትካ ህዝቢ ኤርትራ ርእይቶ ክገብረሉ ይኽእል’ዩ። ብወገነይ ነዚ ካብ ዝሓተካን ዝልምነካን ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ። ኣነ ጥራሕ ዘይኮንኩ ከኣ ብዙሓት ብሃገሮምን ህዝቦምን ዝግደሱ ደቂ ሃገር “ግደፍ ምስ ህዝብኻ ትዓረቕ” ንኣምላኽካ እውን “ተነሳሕ” ኢሎም ሓቲቶምኻን ለሚኖምኻን ኢዮም። ኣይተገደስካን ኣይሰማዕካን። ንነብስኻ ከም ኩሉ ዝኽእል መለኮታዊ ገርካ ምቝጻር ግን ዘወጻጽኣካ ኣይመስለንን። ሕጂ’ውን ግደፍ ይኣኽለካ ንስልጣንካ ጥራሕ ዘይኮነ ንመጻኢ ሂወትካን ሂወት ደቅኻን ክትሓስብ እልምነካ።
ስልጣን ብዘይ ቅሳነትን ሰላምን ንዓኻ ምቾትን ድቃስን ክህበካ ከም ዘይክእል ርግጸኛ ኢየ። ህዝቢ ኤርትራ ከይፈተወካን ከይተቐበለካን ዕድሜኻን ስልጣንካን ክቕጽል ከም ዘይክእል ትኣማመን። ነቶም ካብ ምዓንጣኻ ዝወጹ ውላድካ እውን ደንግጸሎም። መን ዝነበሮ ክትነብር? ድሕሪ ሕጂ ንስልጣን ቅበጻ። እቶም ኵሎም ካባኻ ዝሕይሉን ዝህብትሙን ብዓል ቀዛፊ ዓርክኻኸ ኣወዳድቓኦም ዘክሮ። ብርእይቶይ ብዙሕ ናይ ጣዕሳን ካሕሳን ጊዜ ዝተረፈካ ኣይመስለንን። ሕጂ እውን ግደፍ ተለመን ኣማውታ ኣይተኽፍእ። ንህዝቢ ኤርትራ ስልጣኑ ኣረኪብካ ንስሓ እቶ። ካብኡ ሓሊፉ ግን “ዓስ እብለኪ ክር እብለኪ እንተኣበኺ ግን ኣብ ኣፍ ነብሪ ይደኺ” ከም ዝበሃል ካብ ኢድ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይተምልጥ ኣይትረስዕ። እሞ “ህዝቢ ይኣክል ካብ በለስ ዘይኣኽለካ።”
ወደሓንካ
ቀለታ ኪዳነ ሎንዶን
28/05/2019