
ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ምስ ሃገርና ኤርትራ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ እትከታተልን እትመርሕን ኮምሽን ብደር/ ኣቢይ ኣሕመድ ተረቑሓ ናብ ባይቶ ቀሪባ ባይቶ ድማ ምሉእ ስልጣን ሂቡ ዘበገሳ ኾምሽን ብክኢላታት ሓድሽ ንድፊ ንእዋናዊ ዝምድና ኢትዮጵያ ኤርትራ ዝምልከት ኣዳልያ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ኣቅሪባቶ ባይቶ ድማ ዝምላእ መሊኡ ዝጎድል’ውን ኣጉዲሉ ንስራሕ ድልዊ ከም ዘሎ መራከቢ ብዙሓን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሮም ኣለዉ።
ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንዜናታት ኢትዮጵያ እና ተካታተለ እዩ። ከም ህዝብን ሃገርን ብሓቂ ዘሕፍር ወይ ዘሕንክ ድማ ንሃገረ ኤርትራ ዝውክሉ ሃገራዊ ባይቶ ስለዘይብልና እዩ፡ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝተሓርዩ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኮምሽን ናይ ፕረዚደት ኢሳያስ ቆይማ ኣላ፡ እዞም ዝስዕቡ ድማ’ዮም፦
1/ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፣
2/ ኣቶ የማነ ገብርኣብን፣
3/ ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶምን፣
4/ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን፣
5/ ኮ/ል ኣብርሃም ኢሳያስ እዮም።
ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ሕጂ ካየድ ዘሎ ዝምድና ዝኾነ ይኩን ሓበሬታ ካብ መራሕቱ የብሉን ስለዝኾነ እዩ ኣብ ከቢድ ኣሉ ባልታ ተጸሚዱ ነንሓድሕዱ ምሸት ምሸት ኣብ ምጭፍጫፍን ዘዝተባህሎ ከም ባባጋሎ ኣብ ምድጋምን ዝርከብ ዘሎ።
ኢዮብ ጎጃለ በይን