ኣገዳሲ ሓበሬታ

 

ናብ ክቡራንን ክቡራትን ግዱሳት ኤርትራውያን

ነበርቲ ኣብ ከተማ ኮለንን ቦንን ከባቢኡን ከምኡውን

ኖርድ ራይን ቨስትፋለንን ሃገረ ጀርመን።

Image result for Paralyzed Eritrean Veteran – living in Kassala Sudan for over 30 years –

 

ብምኽንያት ሓገዝ ነቶም ንልዕሊ 40 ዓመታት ብውግእ ዝሰንከሉ ‘ሞ ኣብ መደበር ከሰላ ሃገር ሱዳን ዘለዉ ብናይ ቁስልን ቃንዛን፥ብሕማም ሽኮርን፥ጸቕጢ ደምን፥ካልእ ተወሳኺ ሕማማትን፥ ብደሮናን ሙቐትን እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት፡ኣሕዋትናን ብጾትናን ሓገዝ ንምግባር መዲብና ስለ ዘለና ምሳኻትኩም ብምርድዳእ ዘቕረብናዮ ሓሳብ ቅቡል ብምዃኑ ትጽቢትና ዓቢ ኢዩ፥

ንእከበሉ ቦታ ኣብ -Huhngasse 45 PLZ 50676 köln ኣብ ከባቢ -BARBOASA PLATZ,

ንዕለት10.11.2018 ካብ ሰዓት 14.30- ተጀሚሩ ዝቕጽል ምዃኑ ብትሕትና ንዕድመኩም።

እዚ ዕድመ’ዚ ብምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን፥ ብፍቓድ ማሕበረ ሰብ ኮለንን ከባቢኣን፥ኣብ ክለብ ማሕበር ሰብ ብምትሕብባር ግዱሳት ኣሕዋትን ዝዳሎ ምዃኑ እንዳሓበርና፥ ኣብዚ እዋናዊ ኩነታት ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራን፣ ኣቋም ማሕበር ኣካለ-ጽጉማት ኤርትራን ዝኣመተ መግለጺ ክወሃብ ምዃኑ ንሕብር። ኣብዚ ቅዱስን ናይ ሕልና ንያትኩምን፡ንምርዋይ ዝግበር -ዕድመ- ተረኺብኩም፡ ከተምስዩ ደጊምና ብትሕትና ንዕድመኩም።

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን -ግዱሳትን ኣሕዋትን ኣሓትን ብተሓባበርነት ክለብ ማሕበረ – ሰብ ኮለንን ከባቢኡን !

Eritreischer Verein 2010 .60439 Frankfurt Post Bank NL Frankfurt BLZ 50010060 BIC PBNKDEFF Iban DE 96500100600790750601

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *