ሃዬ ኣይንገዳዳዕ ኤእጃምና ነወፊ ?

Image result for washington seattle images

ክቡራትን፡ ክቡራንን ኤረትራውያን ተቐማጦ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን።

እዚ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ብተባዓት መንእሰያትና ተላዒሉ፡ ጌና’ውን ዝቕጽል ዘሎ ፡ ፖለቲካዊ ማዕበል፡ ቀንዲ መበገሲኡ፡ ብምኽንያት ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ሕሱም ጭካኔ ዝመልኦ ጭቆናን፡ ማእሰርትን፡ መቕዘፍቲን፡ ጥሜትን፡ መወዳእታ ዘይብሉ ባርነትን፡ ኮይኑ፡ እቶም ጅግና 93 ዓመት ዝዕድሜኦም፡ ተባዕን ፡ ኣተባባዒን ኣቦና ፡ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝመከትሉን ፡ ዝጨርሑሉን፡ ህዝባዊ ቃልሲ እዩ።

እዚ ህዝባዊ ማዕበል’ዚ ከኣ ናብ ብዙሓት ከተማታት ኤርትራ ፍሕም እናበለ የስፋሕፍሕ ኣሎ። ሽሕ’ኳ ህግደፍ ነዚ ህዝባዊ ማዕበል ብሓይሊ ብረት ጠጠው ንኸብሉዎ ሸበድበድ ይበል’ምበር፡ ነዚ ህልው ኩነታትን፡ መድረኽን ዝጠለቦ፡ ነዊሕ ሰራውር ዝሰደደ ቃልሲ ጠጠው ከብሎ ኣይኽእልን እዩ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና፡ ምስ’ቲ ኩሉ ዝወርዶ ዘሎ መወዳድርቲ ዘይብሉ፡ ሕሱም ፖለቲካዊን ሕበረተ-ሰብኣዊን ፡ ቁጠባዊን፡ ጸቕጥታት ንምምካት፡ ንኽስዋእ ብምምራጽ፡ ተዓጢቑ ተንሲኡ ኣሎ። ሕጂ ተሪፉ ዘሎ ግን፡ ተራ ናይ’ቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት እንርከብ ደቂ ሃገር፡ “ኣጆኹም፡ ኣጆኽን፡ ኣብ ጎድንኹም ኣሎና፡ እቲ ቃልሲ ናይ ኩልና እዩ፡” ብዝብል ጭርሖ ዝተሰነየ፡ ሞራላዊን ፡ ቁጠባዊን ሓገዝና ምልጋስ እዩ።

ድሮኳ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል፡ ዘተባብዕን፡ ዘነቓቕሕን፡ ስጉምቲ ኣብ ዘዘሎዎ ሃገር ብምውሳድ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም፡ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ጀሚሩ ስለ ዘሎ፡ ንሕና ተቐማጦ ከተማ ሲያትልን፡ ከባቢኣን፡ እውን ፡ ምስ ናይ ካልኦት ከተማታት ኣመሪካን፡ ናይ ካልኦት ሃገራት ዓለምን ብምውህሃድ፡ ንዝመጽእ ሰሙን፡ ሓሙስ 9 ሕዳር, 2017, ናይ ሓንቲ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽነካይድ ወሲንና ስለ ዘሎና፡ ነፍስ- ወከፍ ኤርትራዊ ንኽሳተፎ ኣቐዲምና ንዕድም ስለ ዘሎና፡ ኣይንገዳድዕ ሓደራ ?

ብዛዕባ ቦታን ሰዓትን ግን ኣስዒብና ክንገልጽ ኢና። እዚ ተበግሶ’ዚ ፡ ናይ ነፍሲ- ወከፍ ኤርትራዊ ሞራልን ሕልናን ዝሓትት ጉዳይ እዩ።

ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ተቐማጦ ከተማ ሲያትልን ከባቢእን።

የቐንየልና።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *