ቤት ትምህርቲ ዱያእ ኣል-ኢስላምያን ምጉባጥ ኣካየድታ ብጅምላ ይእሰሩ ኣለዉ ።

 

Related image

ገባቲ ስርዓት ህግዯፍ መቐጸልታ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ኣኽሪያ ንዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዱያእ ኣል-ኢስላምያ ንምጉባጥ ሽማግለታት ወለድን መምህራንን እታ ቤት ትምህርቲ ብጅምላ ይኣስርም ህላዉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም፡

እዚ ኣብ ልዕሊ ሓርበኛ ኣቦና ሸኽ ሙሳ መሓመድ ኑርን ካለኦትን ተወሲደ ዘሎ ናይ ምእሳር ሱጉምቲ ድሕሪቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተገብረ ዓመታዊ ኣኬባ ናይ ወለዱ ተማሃሮ ዝተገብረ ገምጋም’ዩ ።እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ህግዯፍ ዘካይዶ ዘሎ ሴራ ናይ ጎበጣ ብወለዱ ኮሚቴታትን እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኤርትራን ካለኦት ሓለፍት ንዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ክግታእ ኣለዎ ብምባሎምን፡ ነቲ ምስ መሰረታዊ መትከል ናይ እምነት ምስልምና ዝራጸም መምሪሒታት ፡ሃይማኖታዊ (ናይቁርኣንትምህርቲ) ዯው ክብል ዝብልን ካለኦትን ምስቲ መስረተራዊ ቅዋም ኣመሰራርታ እዚ ቤት ትምህርቲዚ ፈጺሙ ዝጻረር ናይ ኢድ ምትእትታትው ዯው ክብል ንዝብል እቶም ወለዱ ኣኼበኛታት ድሕሪ ምርኣዮም ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓጺር እዋን፡ ተዯገጋጋሚ እዋንናት ነቲ ቤት ትምህርቲ ንምግባቱ ንምውሳደን ክግበር ዝጸንሓ ፕሮጋንዲ ንታህዱዲትን ብትሪ ብምቅዋም ፡ እቶም ወይጦታት እቲ ስርዓትን ብመንገዱ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ነዚ ግበታዊ ዕብለላን ጎበጣን ንምስላጥ ዝግበር ዘሎ ሙዃኑን ኣነጺሮም ድሕሪ ምግጋሞም እዩ ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ቤት ትምህርቲ ዱያእ ኣል ኢስላምያ በቲ ግበታዊ መንግስቲ ተዓሺጉ ምህላዉን ነዚ መእሰርትን ምዕጻውን እቲ ቤት ትምህርቲ ህጹጽ ፍታሕ ንምርካብ ንኩለን እቲ ዝምልከቶ ኣካልቲ ግበታዊ መንግስቲ ኣቕሪቦም ዛጊት ክሳብ ሕጂ ዝኾነ መፍትሒ ከምዘይረኸቡ ሓቢሮም፡፡

እዚ ቅድሚ ኣስታት ሓምሳ ዓመታት ዝተዯኮነ ቤት ትምህርቲ ዱያእ ኣል ኢስላምያ ብተለምዶ (እንዲእስታዝበሽር ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ኣኽሪያ ዝርከብ ኮይኑ ሃይማኖታውን ኣካዲምያውን ትምህርቲ ዝልግስ ናይ ህዝቢ ቤት ትምህርቲ ኮይኑ ፡ኣብ ዝሓለፉ ገዛእቲ ስርዓታት ሃይለስን ዯርግን ዘይተተንከፉ ምንባሩን፡ ኣብዚ እዋንዚ ግን ብተዯጋጋሚ በዚ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ገባቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ንንብረትን ህዝቢ ናይ ምዕብላልን ምጉባጥን ኣካይዲ ፡ ብምፍርራሓትን ብምእሳር ዝግበር ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ፡ኣብ ሃይማኖታዊ መሰል ኢድ ምትእትታውን ተረዱኡ ብዙሓት ህዝብን ውድባትን ይክንንዎ እኳ እንተለዉ ፡ ንነባርን ህጹጽ ፍታሑ ግን ኩሉን ሃገራት ዓለም፡ ሰብኣዊ ትካል ማሕበራትን ኩሎም ዯላይቲ ፍትሒ ኤርትራን ዓለምን፡ ንኹሉ እቲ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት እቲ ስርዓትን ንግህስት ሃይማኖታዊ መሰልናን ብምቅዋም ንኩሎም እቶም ኣብ ቀይዱ ዝርከቡ ብዘይ ቅድመኩነት ክፍትሑ ከምዘሎዎምን እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኢድ ዋኑኡ ዝኾነ ህዝቢ ክቕጽል ኢሎም ኣውያቶ ምዘስምዑ ዘለዉህዝቢ ፡ ድምጺ ክንኮነሎምን ነቲ እኩይ መጋብር እቲ ስርዓት ከተቃልዕዎን ክትኹንንዎ ብምባል ኣዘኻኺሮም።

ክፍሊ ዜናሰልፊ ናህዲ ኤርትራ

25 ጥቅምቲ 2017

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *