
ጸብጻብ ናይ ዕለት 11 ነሓስሴ ናይ’ቲ ብጉልባብ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝብል፡ ብህግደፋውያን ዘተኻየደ ናይ ሙዚቃ መደብ፡ ህዝቢ ሲያትል ነጺጉዎ፡ እዩ። ኣብ ቅድም’ቲ ቀጽሪ ኣደራሽ መደብ ሙዚቃ ሂግደፋውያን፡ ውዕዉዕ ዝኾነ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ተቓውሞ ምስ ዝኽተል ጭርሖታት ከም፡ “ ህግደፍ ሃገርና ግደፍ፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን እያ፡ ኢሳያስ ኣፈዎርቂ ሕጂ ክወርድ ኣሎዎ፡ እብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክትኸል ኣሎዎ ፡ መኣስ ? ሕጂ ! ዝብል ተኻይዱ።
ነዚ ናይ ሙዚቃ ምሸት ፕሮግራም ዘፈሸሎ ሓዲሽ ተርእዮ ከኣ፡ መንእሰያት ኤርትራ ከተማ ሲያትል፡ ብጥርናፌ መልክዕ ፡ ንመጀመርያ ግዜ “ክሳዕ መኣስ ኢና መጋበርያ ሂግደፍ ክንከውን”ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ክልተ ዝተፈላለየ ናይ መዚቃ ፕሮግራማት ኣካይዶም፡ አዚ ስጉምት’ዚ ከኣ ንህግደፍ ንመጀመርታ ግዜ፡ ዓቢ ተቓውሞን፡ ውድቀትን ኣውሪዱሉ ኣሎ።
ነቲ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ተቕውሞ ደምበ ከኣ ብጀካ እቶም ናይ ምሁራት ክፋል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ከም፡ ዓቢ፡ ንእሽቶ፡ ደቀንስትዮ፡ሃይማኖታውያን ፡ መንእሰያት፡ ወዘተ ዘማልኤ እዩ ተሳቲፉዎ ። ነቶም ብምርጭኦም ዝተነጸሉ ምሁራት ኣካላት ሕብረተሰብና ከኣ፡ ንመጻኢ ግዜ፡ታሪኽ ኤርትራ ክሓትቶም እዩ።
ህገድፋውያን፡ ብጀክ’ቲ ናይ ትማሊ ምሸት ናይ ሙዚቃ መደቦም፡ ትማሊ መደቡ ዘብቅዔ ናይ ምሁራት ደናቑር ንዕድመ መንግስታዊ ስርዓት ናይ ውልቀ- መላኺ ኢሳያስ ኣፈዎርቂ ንምንዋሕ ካብ ከተማ ሲያትል ውጽእ ዝበለ ሕቡእ ቦታ፡ ንሰለስተ መዓልታት ኣካይዶም።
ኣጀንዳ ናይ ኣኼባኦም ከኣ፡ ኤርትራውያን ንምብትታንን፡ ንምብኣስን፡ ንቁጠባዊ ምዝመዛን እዩ ኔሩ። እንተ ኾነ ግን፡ መደረኽን፡ ግዜን፡ዘይቅበሎ ናይ ዓቕሊ ጽበት ተንልኮላትን ናይ እከይ ተግባራትን እዩ ኔሩ።
ዓወት ንደለይቲ ፈትሒ፡ ውድቀት ንሂግደፋውያን።
ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራሲን፡ ከተማ ሲያትልንከባቢኣን።
የቐንየልና!
gereger.com