ዕርክነታዊ ቃል ሓዘን ካብ ንጉሰሃይለ(መንስዓይ) ..ነሓሰ 11, 2017

 

Image result for eritrean alamin abdulatif images

መም. ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ ፣ እቲ ካብ ክቡራትን ውሩያትን ናይ ስነ ጥበብ ኤርትራውያን ከዋኽብቲ ሓደ ፣ ንገለ እዋን ክሓምም ድሕሪ ምጽናሕ ፣ ብሰኑይ ዕለት 07.08 2017 ዓ.ም.ፈ. ኣብታ እተወልደላን ዝዓበየላን ንዝበዝሕ ጊዚ ዕድሜኡ ዝነበረላን ከተማ ኣስመራ ዓሪፉ ። ብሰሉስ ዕለት 08. 08.2017 ዓ.ም.ፈ. ከኣ ኣብ መቃብር ሓርበኛታት (ጸጸራት) ብክብሪ ተቐቢሩ ። ብዙሓት ደቂ ኣስመራ ፣ ብቀዳምነት ግን ኣባላትን ደገፍትን ማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማ.ት.ኣ.) ከም ዝፈልጡዎ ኣነ ካብ ኣዕሩኽ መም. ኣልኣሚን እኳ ደኣ ካብቶም ምስኡ ብዙሕን ኣገዳስን ዝኽርታት ዘለዎም ሰባት ሓደ ኢየ ። ብዛዕባ መም. ኣልኣሚን ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ እኳ ምስ ናይ ራድዮ ጋዜጠኛ ሓውትና ወይኒ ስለማን ኣብ ዝገበርኩዎ ዝርርብ ሕጽር ዝበለ መግለጺ ሂበ ነይረ ። ሕጂ ከኣ መጠኑ ስፍሕ ብዝበለ ኣገባብ ኣቕርቦ እነኹ ።

ኣባላት ማ.ት.ኣ. ብናይ ጊዜ ተርታ ክረኣዩ እንከለዉ ፣ ናይ 1ይ ዙርያ ናይ ቋንቋ ትግረ ደራፋይ ጃብር ማሕሙድ ኢዩ ። ካብ 2ይ ዙርያ ንደሓር ግዳ ብመም. ኣልኣሚን ተተኪኡ ። ኣብ ማ.ት.ኣ. ዝለዓለ ሕዝባዊ ተቐባልነትን ክብርን ዝናን ዝነበሮ ደራፋይን ሙዚቀኛ ወቓዕ ክራርን እቲ ኣቦ ዜማ ሃገር ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጥ ነፍስሄር ኣቦና ኣቶ ኣተወብርሃ ሰጊድ ምንባሩ እኳ ዘየካትዕ ሓቂ ኢዩ ። ብድሕሪኡ ዝመጽእ ከኣ መም. ኣልኣሚን ኰይኑ ። ምኽንያቱ ከኣ ብክልተ ቋንቋታት ትግረን ትግርኛን ስለ ዝደርፍ ኢዩ ። መም. ኣልኣሚን ብጠባይ ክረኤ እንከሎ ፣ ምቕሉል ፣ ተዋዛያይ ፣ ለጋስ ኣዝማሪኖ ኢዩ ነይሩ ። ብተወሳኺ ፣ ቅድሚ ቀትሪ ንእተኸድና ካሚቻ ድሕሪ ቀትሪ እውን ዘይጥቀሙላ ፣ ብዘመናውነት ኣከዳድናኡ ማለት ካብቶም ብኤለጋንሳ ዝልለዩ ውሑዳት ስነ ጥበባውያን ሓደ ኢዩ ነይሩ ። ኣነን ንሱን ካብ 1967 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ማ.ት.ኣ. ኢና ተላሊና ። ኣገዳሲ ፣ ጠቓሚ ኰይኑ ምስ ዝርኤ ፣ ካልእ መዓልቲ ከም ዝገልጸልኩም ፣ ኣነ ንኣልሚን ብዝምልከት ኣብ ጒዕዞ ሕይወተይ ን50 ዓመታት ዝኣክል ብምስጢር ሒዘዮ ዝጸናሕኹ ፣ ከባእስ ፣ ከጻልእ ፣ ከቀያይም ዝኽእል ክታምኖ ዘጸግም ኣዚዩ ተሃዋሲ ኲነታት የጋጥመና ነይሩ ኢዩ ። ብትዕግስትን ምጽውዋርን ብሓልዮት ሓድሕድን ንሓልፎ ስለ ዝነበርና ግዳ ፣ ዕርክነትና ክሳብ ሎሚ ብዝኾነ ምኽንያት ከይተዘናበለ ጸኒሑ ። ንዕርክነተይ ምስ መም. ኣልኣሚን ፍሉይ ክገብሮ ዝከኣለ ከኣ ፣ ኣነ ናይ ሹቕ ጥራሕ ዘይኮንኩ ፣ ናይ ስድራ ቤት (ዓብደልለጢፍ) እውን ዓርኪ ስለ ዝነበርኩ ኢየ ።

ጽሕፍተይ ኣብ ምድምዳም ፣ንሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ፣ ከምቲ ብዛዕባ ነፍስሄር የማነ ገብረ ሚካኣኤል (ባርያ) ዝገበሮ ፣ ብዛዕባ መም. ኣልኣሚን እውን ዓይነታ (መጽሓፍዶ ወይስ መጽሔት) ብዘየገድስ ፣ ንታሪኽ ሕይወቱን ንስነ ጥበኣዊ ኣበርክቶኡን ንከቕርበልና ለበዋይ እቕርብ ።

መም። ኣልኣሚን ከም

– ነፍስሄር ኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ

– ነፍስሄር ወይ/ሮ ትበርህ ተስፋሁነይ

– ኣቶ ዑስማን ዓብደል ርሒም

– ነፍስሄር የማነ ገብረ ሚካኤል (ባርያ)

ንኣገባብ ኣጸሓሕፋ ግጥምታተይ ካብ ዘድንቑ ድምጻውያን ኤርትራ ሓደ ኢዩ ። ስለዚ ከኣ ፣

ሀ) ተፈታዊት ቈጽሊ (ጸብሒ ጾም”፣”ናይ”ኣካል”ቪታሚን

ለ) ሊፍ (ሊበረሸን”ፍሮንት-

ሐ)”ደቡብ”ኣፍሪቃ”

መ) ይቕሪታ ፍልሖ

ወዘተ . . . ንዝብላ ግጥምታተይ ደሪፉ”።”እዚ”ንባዕሉ”ካብቲ”ዘተዓራረኸና”ምኽንያት”ሓደ” ኢዩ ።

መም. ኣልኣሚን ንገሊኡ ባዕሉ ንገሊኡ ከኣ ብምሉእ ወይ ብከፊል” ምስ”ካልኦት”ፈተውቲ” ብምትሕብባር ፣ ከም

– ፋጥና ዛህራ

– ዓባይ ኣባ ሻውል”

– ሰብ ንከብዱ”ጥራሕ ኣይኮነን ዝነብር

ዝኣመሰላ ታሪኻውን” ማሕበራውን”ትሕዝቶ” ዘለወን” ፣ንዘላለም”እናተዘከራ”ዝነብራ”ብዙሓት ደርፍታት ኣበርኪቱ ኢዩ ። ብዝተረፈ ፣ ሞት” ዘይትተርፍ”ካብ”ኮነት” ፣”መም`”ኣልኣሚን ሰብ ዝዛረአበሉ”ንሞት”ዘመኒ”ሕሰም”ከይረኣየ”ብክብረቱ”ካብዛ”ዓለም”ብምስንባቱ”ዕድለኛ”ኢዩ” ። ብዝተረፈ ፣ እግዚኣብሔር ንዕኡ መንግስተ ሰማይ ፣ ንስድራ ቤቱን ቤተ ሰቡን”ፈተውቱን” ጽንዓት ይሃቦም፣ ሃኤርትራ ሃገርናን ንሕዝባን ከኣ ኣሰሩ ይርሓሰና !!!

ንጉሰ ሃይለ (መንስዓይ)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *