

ነዚ ሎሚ ኣብ 3ይ ክፋል ዘጠቓልሎ ጽሑፍ “ሚስጢረ ቅትለት’ቶም ክልተ ነጋዶ” ዝብል ኣርእስቲ ዝሃብኩሉ ቀንዲ ምኽንያት እቶም ሰብ ዋና ኣብ ንግዲ ይነጥፉ ስለዝነበሩን ህግደፍ ባዕሉ ንዝሓንጸጾ ቁጠባዊ ፖሊሲ ብከመይ ዓይነት መገዲ ከምዘፍርሶ ንምርዳእን እዩ፡፡ ከምቲ ዘንበብኩምዎ መሓመድ ሓጎስ ኣብ ስደት ከርተት ኢሉ ብረሃጹ ዘፍረዮ ንዋት ሒዙ ሃገር ክሃንጽ ዝኣተወ ግዱስ ዜጋ ነይሩ፡፡ ከኣ “ሃገረይ ክሃንጽ” ስለዝበለ መወዳእትኡ መቓብር ኮይኑ፡፡ ቅትለት መሓመድ ሓጎስ መርአያ “ቅትለት ብሕታውያን ኣውፈርቲ እዩ”፡፡
ንሎሚ ታሪኹ ዘዘንትወልኩም ገዲም ተጋዳላይ ሌ/ኮ ገረዝጊሄር ኣስመላሽ ከኣ ናይ ህግደፍ ነጋዳይ ነበር እዩ፡፡ ከምቲ ዝኣረገ ዝብኢ ኣብ ኣጋ ሞቱ ንዓርኩን ንዝቆሰለ ስግኡን ክምንጭት ዝፍትን ንሎሚ መርኣያ ታሪኽ ብላዕ ተባላዕ ህግደፋውያን ከምዚስዕብ ይቕጽል፡፡
ቁጠባዊ ሰነዳት ህግደፍ ከምዘነጽርዎ “ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ቁጠባ በይናዊ ወይ ከኣ ምስ ሃገራውያን ይኹን ኣህጉራውያን ኣውፈርቲ ብሽርክነት ትካላት ብምቋም ምዕባለ ሃገር የቀላጥፍ” ይብል፡፡ ብመሰረት እዚ ካብ 1994 ጀሚሩ ህግደፍ ቁጠባዊ መሓውራቱ ኣብ ኩሉ ጽላታት ክዝርግሕ ጀመረ፡፡ ሓጎስ ገብሪሂወት (ኪሻ) ከኣ ኣብ ሜዳን ወጻእን ዝነበሮ ኣበርክቶን ዕርክነትን ተጸብጺብሉ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ወናኒ ሃገራዊ ማል ብምኻን ተመዘ፡፡ መብዛሕትአን ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ ብሕታዊ ኩባንያታት (Private Ltd.) ክኾና እንተለዋ ገለ ካብኣተን ናይ ብርኪ ኩባንያታት (Share Companies) እየን፡፡ ብሓፈሻ ኣብ ትሕቲ እንኮ ውድብ ህግደፍ ምሉእ ብምሉእ ዝውነናን ብናይ ሓባር ወፍሪ (ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን) ዝመሓደራ ኣስታት 33 ትካላት ኣለዋ፡፡
ቀስብቀስ ብፍላይ ድሕሪ 2005 እቲ “ምስ ሃገራውያን ኣህጉራውያንን ኣውፈርቲ ብሽርክነት ምስራሕ” ዝብል ፖሊሲ ዝተፈላለዩ ላቔባታትን መቐዬዲታትን እንዳተገብረሉ ኣብ ሃገርና ንኣውፈርቲ ዝኾውን ምቹእ ባይታ ንከይህሉ ህግደፍ ብቁጠባዊ መርበባቱ ኣቢሉ ናይ ምድኻም መደባት ሓንጸጸ፡፡ ካብዚኣቶም እቲ ሓደ ብስም ብርኪ (ሼር) ዝፍለጥ መደብ ኮይኑ ህግደፋውያን ከይሓነኹ ኣብ ዘይረሃጽሉ ዋኒናት ኢዶም እንዳኣእተው ብዙሓት ኣውፈርቲ ከከላብቱ ጀሚሮም፡፡ ነብሲሄር መሓመድ ሓጎስ ሓደ ኮይኑ ካልኦት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብሰንኪ ህግደፋዊ ናይ ብርኪ ፖለሲ ንዋቶም ተመንጢሎም ንብረቶም ተሓዲጎም ኣብ ቋሕ ሰም ሃገር ገዲፎም ዝተሰደዱ ዜጋታት ቀስ ብቀስ ከቕርበልኩም እየ፡፡ ክቡራት ኣንበብቲ ኣብ ዘሃለኹም ሃሊኹም ብሰንኪ ናይ ብርኪ ፖሊሲ ንዋትኩም ተመንዚዕኹም ናብ ስደት ዘምራሕኹም ዜጋታት ታሪኽኩም ንወለዶ ክመሓላለፍን እከይ ግብሪ ህግደፍ ክቃላዕን ብኢንቦክስ እንተሰዲድኩምለይ ኣብ ትሕቲ “ሰነዳት ኣንበብቲ” ዝብል ዓምዲ ዌብሳይት ሳክቲዝም ክፍንወልኩም ይኽእል እየ፡፡
ከምቲ ትምኒቱ ተስፍኡን ማህሚኑ ብጠላማት ህግደፋውያን ዝተቐትለ መሓመድ ሓጎስ ሌ/ኮ ገረዝጊሄር ኣስመላሽ ውን፡ ቀቅድሚ ምሟቱ ብዛዕባ ዝመርሖ ትካል ኣብ ኤረ ቲቪ ቃለ መሕተት ገይሩ ነይሩ፡፡ ገለ ክፋል ናይቲ ቃለ መሕተት ኣቕሪበልኩም ኣለኹ፡፡ ብዝኾነ፡ ምግባትን ምምንዛዕን ዝመትከተሉ ኢሳይያስ፡ ነዚ ከም ጠይቂ ዘገልገሎም ገረዝጊሄር፡ ክጠፍእ ዝገበርሉ ምኽንያት ምስ ናይ መሓመድ ሓጎስ ገለ ምምስሳል ኣለዎ፡፡ ሃገር ብምሉኣ ኣብ ትሕቲ ስጡም ወተሃደራዊ ምሕደራ ምስተቐሰበት፡ ኢሳይያስ ቃላት እንዳቀያየረ ብስም ምኽዕባት ቁጠባ ሃገር፡ ኩሉ መሓውራት ምስተገበተ፡ ህግደፍ እንኮ ቁጠባዊ ሓይሊ ኮይኑ ንኩሎም ጽላታት ምብሓቱ ቀጸለ፡፡ ንዝሓንገደ ውልቃዊ ኣውፋሪ “ናይ ውሽጢ ተበላጺ፡ ንሓለፍቲ ትካላት ህግደፍ ከኣ ብኩላት” ዝብል ኣስማት ኢሳይያስ ከጠምቖም ጀመረ፡፡ ህግደፍ ከም ጽላታት ህንጻ፡ መጓዓዝያ ምድርን ባሕርን፡ ኣገልግሎታት፡ መሰንዓት፡ ንግድን ፊይናንስን፡ ዕደና ኮታ ኩሉ ረብሓ ዘለዎ ዘበለ እንዳገበተ ኣብ መወዳእታ ከም ውልቀ ነጋዳይ ቡንን ሽኮርን ካብ ምስፋር ሓሊፉ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት እንኮላይ ዝተሃገረ ፋሓም ማዕረ ኣብ ድኳናት ሕድሪ ክሸይጥ ተራኣየ፡፡
13 ኩባንያታት ህንጻ፡ 4 ትካላት ትራንስፖርት፡ 3 መሰነዓት፡ ልዕሊ 20 ንግዳዊ ትካላት፡ ትካል ኮርፐረሽን ንግዲ ቀይሕ ባሕሪ (09)፡ ሆቴላት፡ ጋራዣት፡ ናይ ዕደና ትካላት፡ ማርግራን፡ ፎርኖታት፡ ማርሞን ዓረን ኮታስ ኩሉ መሓውራት ሃገር ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ፡ ካብ ገጂፍ ክሳብ ደቂቕ፡ ዝበሓተ ህግደፍ፡ ኣብ መዳይ ሓጺንን ዕንጸይትን ከኣ 5 ትካላት ይውንን፡፡ ካብዚኣተን ብ1995 ዝተጣይሰት ትካል ዕንጸይትን ሓጺንን ሰንበል ሓንቲ እያ፡፡ ትካል ዕንጸይትን ሓጺንን ሰንበል ፈለማ ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ኤርትራ ኣብ ጽገና ዓራውቲ ትነጥፍ ንእሽቶ ትካል ነይራ፡፡ ካብ 1995 ንደሓር ካብ ዓዲ ጥልያን ማሽነሪታት ብምእታው ህግደፍ ልዑል ወጻኢታት ሰሊዑ ናብ ዓባይ ህግደፋዊ ትካል ለዊጥዋ፡፡ እዛ ትካል ካብ ዝተጣየሰትሉ ግዜ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ኪኢላታት ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት እንዳተመደቡላ ሓደሽቲ ማሽነሪታት ብምትእትታው ብኣማኢት ሚሊዮን ንምውናን በቒዓ፡፡ ካብ ተራ ናውቲ ክሳብ ዓበይቲ ሃንገራት ክተፍሪ ዝበቐዐት ትካል ሰንበል ብሓፈሻ ኣብ 7 ዓይነት ዓውዳታት ትነጥፍ፡፡
ኣብ ምምላእ ጠለባት ግላዊን መንግስታዊ ትካላት ብቀሊሉ ዘይግመት እጃም ተጻዊታ እያ፡፡ ንኣብነት ነቲ ብዙሕ ዝተጎስጎሰሉ ግን ከኣ ዘይተተግበረ፡ ብዶ/ር ኣርአያ ዝምራሕ፡ ናጻ ንግዳዊ ዞባ ባጽዕ፡ ኣብ ምድላው ሃንገራት ንማሪን ኮለጅን ሕርጊጎን፡ ከምኡ ውን ኣብ ምትካል ፋብሪካ ቱቦ፡ ኣድላይ ውሽጣዊ ጠለባት ኣማሊኣ እያ፡፡ ካብ ዝተጣየሰትሉ ጀሚሩ ሓላፊ እዛ ትካል ኮይኑ ዝተመዘ ሌ/ኮሎኔል ገረዝጊሄር ኣስመላሽ፡ በቢዓመቱ ካብ ሳዋ ናይ ዝምደቡ መናእሰይ ናጻ ጉልበት ተጠቒሙ፡ ካብ መላእ ሃገር ዓበይቲ ኪኢላታት ብምንዳይ፡ ዓበይቲ ውጽኢታትን ሚሊዮናት መኽሰባትን ክረክብ ምስ ጀመረ፡ ግድምንኡን ድሕረ ባይትኡን ብዘየግድስ ምስ ፕረዚዳንትን ሓጎስ ኪሻን ክለግብን ክቀራረብን ጀመረ፡፡
ብ1958 ኣብ ጻዕዳ ክርስቲያን ዝተወለደ ገረዝጊሄር ኣስመላሽ ኣብ ሜዳ ኣብ ትሕቲ ዓሊሰይድ ዓብደላ ኣብ ምክትታል ተሃድሶ ኣባል ሓለዋ ሳውራ ነበር እዩ፡፡ ብዙሕ ኣይለገቦን”ምበር “ኣጉሰዓኒ” ዝብል ሳጓ ነይርዎ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ምስ ዘውዲ እትበሃል በዓልቲ ቤቱ ሓዳር ገይሩ ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ ኮይኑ፡፡ ኣካያዲ ስራሕ ትካል ዕንጸይትን ሓጺንን ሰንበል ኮይኑ ምስ ተመዘ ብዘርኣዮ ውጽኢት ኩሎም መራሕቲ ህግደፍ ብፍላይ ሓጎስ ኪሻ፡ የማነ ገብረኣብ፡ ዓብደላ ጃብር፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ክቐርብዎን ክመሓዘውዎን ጀሚሮም፡፡ ገረዝጊሄር ድጋፍን ናእዳን ኢሳይያስ እንዳረኸበ፡ ኢሳይያስ፡ ኩሎም ሚኒስተሪታትን ትካላትን ጠለባቶም ካብ ሰንበል ከማልኡ ክሳብ ምባል በጺሑ ነይሩ፡፡ ማዕረ ሰዲያታት ቤ/ትምህርታት እንዳተዓደሎ ብብዝሒ ከፍሪ ጀሚሩ ኢሳይያስ ውን መዓልታዊ ናብ ትካል ሰንበል እንዳተመላለሰ ምስ ገረዝጊሄር ክራኸብ ጀመረ፡፡
ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ገረዝጊሄር ዝነበሮ ልዑል እምነት፡ እንዳዛያደ ኣብ ዝመጸኣሉ ዓመታት ጉዳይ ጉጅለ-15 ተፈጠረ፡፡ ኣብ ምቕያድ ጉጅለ 15፡ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ኣብ ሓለዋ፡ ብፍሊጶስን ውጩን ዝምርሑ ሓለፍትን ኣሃዱታትን፡ ብኢሳይያስ ክምረጹ እንከለው ኣብ ምህናጽ መዓሙቕ ምድሪ ዒራዒሮ ከኣ ሌ/ኮሎኔል ገረዝጊሄር ኣስመላሽ ተመሪጹ፡፡ ብ18 መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ኣባላት ጉጅለ-15 ኣብ እምባትካላ ኣብ ዝጸንሑለን ኣስታት 22 ኣዋርሕ ብዙሓት ጸገማት ስለተረኣዩ ብፍላይ እምባትካላ ነቶም ብጽኑዕ ክተሓዙ ዝተደለዩ ግዳያት ምቹእ ስለዝኾነ፡ ንሽቓቕ ክወጹ ከለው ኣባላትን ገለ ነበርቲ እቲ ከባቢን ይሪእዎም ስለዝነበሩ፡ ከይሃድሙ ስክፍታታት ስለዝነበረ፡ ገለ ስድራቤታት ግደያት ደሃይ ክሰምዑ ስለዝጀመሩን፡ ሞት ናይ ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ፡ ሚኒስተር ማሕሙድ ሸሪፎን ጋዜጠኛ ፍስሃየ ዮውሃንስ (ጆሽዋን) ምስ ኣጋጠመ ኢሳይያስ ኣብ ወርሒ 07/2002 ንሌ/ኮሎኔል ኣስመላሽ ጸዊዑ፡ ብዛዕባ ምህናጽ ፍሉይ ሼላታት ዒራዒሮ መደብ ዓዲልዎ፡፡ ኣቐዲሞም ኣብ ሜዳ መዋፈሪ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዝነበረ ከባቢ ዒራዒሮ ኮለላ ብምክያድ ነታ ፍልይቲ መቐይዲት ቦታ ዝመረጽዋ፡ ኢሳይያስ፡ ውጩን ወዲሓንስን እዮም፡፡
ገረዝጊሄር ብኢሳይያስ ኣብ ወረቐት ዝተውሃቦ ኣፈናዊ ስእላዊ መግለጺ (Rough Sketch) ብምሓዝ፡ ብተኸታታሊ ምስ 4 እምናቱ ተወሳኺ መጽናዕታት ኣካይዱ፡ ካብ ወርሒ 8/2002 ጀሚሩ ኣብ ዒራዒሮ ክትከል ዝተሓሰበ ኮንቴነራትን ኣዕኑድን፡ ፍሉይ ኣድህቦ ሂቡ፡ ምሩጻት ኪኢላታት መዲቡ፡ ኣብ ትካል ሰንበል ከስርሕ ጀመረ፡፡ ንኣስታት 8 ኣዋርሕ ዝወሰደ ምህናጽ ኮንቴኔራት መዓሙቕ ምድሪ ዒራዒሮ፡ ብልዑል ጥንቃቐ ዝተሰርሐ ኮይኑ ኣብ ምግጥጣም ኮንቴኔራት ካብ ትካል ዕንጸይትን ሓጺንን ሰንበል፡ ብዝሒ ዘለዎም ኪኢላታት ስለ ዘድለዩ ንጉልባብ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ቤት ትምህርቲ ሰድያታትን ሰሌዳታትን ናብ ዒራዒሮ ክግዕዝ ብምግባር፡ ነቶም ኪኢላታት ኣሕዳሪ ቤ/ት (ቦርዲንግ ስኩል) ይህነጽ ከምዘሎ እዩ ዝተሓበሮም፡፡ ብመሰረት እዚ ነቶም ዝተረፉ 31 (ዳዊት ኢሳቕ ድሒሩ ስለተሓውሶም) ጀጋኑ ኣያታትናን ኣሕዋትናን ከምጨው ዘሕቅቕ፡ ምፍጣርካ ዘጽልእ፡ ኣንጉዕኻ ዘምክኽ፡ ምስ ወዲ ኣዳም ዘይራኸብሉ፡ ሰለስተ ብሰለተ ዝስፍሓተን፡ ኣብ 3 ብሎኳት ዝተደኮና 60 ሼላታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ 4/2003 ንቤ/ጽ ፕረዚዳንት ኣረከበ፡፡ ፕረዚዳንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ኣስታት 16 ዓመታት፡ ናብ መዓሙቕ ትሕቲ ምድሪ ዒራዒሮ ክልተ ግዜ ጥራይ ዑደት ዘካየደ ኮይኑ፡ ፈለማ ኣብ ምሕራይ ቦታ፡ ንካልኣይ ግዜ ከኣ ሌ/ኮሎኔል ገረዝጊሄር ኣስመላሽ ሃኒጹ ምስ ኣጻፈፈ ብቕዓቱ ንምርግጋጽ ብዕለት 28/05/2003 እዩ፡፡
ገረዝጊሄር ኣብዛ ዕለት ምስ ፕረሲደንት ብሓባር ነቲ “ውርጽጽን ስቱርን” ውጽኢት ትካል ሰንበል ተዓዚቡ፡፡ ቀጺሉ “እሙን” ገረዝጊሄር ብዕለት 7/06/2003 ብ6 ላንድኩረዞራትን ብ2 ፒክኣብ መካይንን ካብ እምባትካላ ናብ ዒራዒሮ ዝተገብረ ሚስጢራዊ ምግዓዝ ኣባላት ጉጅለ-15፡ ካብቶም ዘመላልሱ 6 እሙናት ሓለፍቲ ሓደ ገይሩ ኮይኑ ተሳቲፉ፡፡ ኣብቲ ዕለት ንኣባላት ጉጅለ-15 ጸሊም ማስኬራ ሸፊኖም ዘጓዓዓዙ፡ ብር/ጀነራል ሚኪኤል ሓንስ፡ ሌ/ኮ ሓዱሽ ዓንዶም (ወዲ ወለላ)፡ ሌ/ኮ ኢሳቕ ኣርአያ (ወዲ ሓኪም)፡ ሃብተኣብ (ኣውቲስታ ውጩ)፡ ኑረዲን (ወዲመሓመድ ኣባል ሓለዋ ዒራዒሮን) ባዕሉ ሌ/ኮ ገረዝጊሄር ኣስመላሽን ከምዝነበሩ፡ ኣብ ትሕቲ 5ይ ክፋል “ግዳያት 9/18” ብዝብል ዝዘርጋሕኹዎ ጽሑፍ ገሊጸ ምንባረይ ይፍለጥ፡፡
ዒራዒሮ ንጀጋኑ ኣያታትናን ብጾትናን መሬታዊ ሲኦል ክትኮውን እንከላ፡ ንከም በዓል ገሬን ሒዶት ሰዓብትን ከኣ መንጠሪት ባይታ ንተኣማንነትን ሑሩያን ኮነት፡፡ ብሓጺሩ ገረዝጊሄር ኣስመላሽ ብፍላይ ድሕሪ ዒራዒሮ መባልዕትን መሳትይትን ኢሳይያስ ኮነ፡ ዑደት ዓሻ ጎልጎል ንኢሳይያስ ወሉ ባርያ እንተይልና፡ ዑደት ሰንበል ከኣ ናብ ገረዝጊሄር ኣስመላሽ ኮነ፡፡ ኢሳይያስ ከንብብ ኣንበብቲ፡ ኢሳይያስ ክጨርም ጨረምቲ፡ ኢሳይያስ ክምድር መደርቲ፡ ዝኾኑ ከም በዓል ሓጎስ ኪሻ፡ ዓብደላ ጃብርን የማነ ገብረኣብን፡ ምፍጣሩ እኳ ረሲዖምዎ ዝነበሩ ገረዝጊሄር ኣስመላሽ፡ ንኣያኦም ስዒቦም ክንእድዎን ክበጽሑዎን ጀሚሮም፡፡
ትካል ዕንጸይትን ሓጺንን ሰንበል ካብተን ብዙሕ ዝጉስጎሰለን፡ ንጋዜጣታት ህግደፍን ኤረ ቲቪን ዘሙቋ ትካላት ህግደፍ እንዳኾነት መጸት፡፡ (ገለ መርአያ ብተለቃቢ ምስዚ ጽሑፍ ኣቕሪበልኩም ኣለኹ)፡፡ ንኣስታት 12 ዓመታት ብፕረሲደንት ክብርን ናእዳን፡ ብኣባላቱ ገለ ጽልኣት ገለ መፍቶ፡ ብመዛንኡ ቅንኢ፡ እንዳተፈራረቖ ዝጸንሐ ገረዝጊሄር ኣስመላሽ፡ ካብ 2014 ንደሓር ውልቃዊ ባህሪኡን ምስ ሓለፍቲ ዝነበሮ ርክብን ክቀያየር ጀመረ፡፡ ብፍላይ ካብ ወጻእ ተዓዲጎም ዝመጹ ጠለባትን ዓበይቲ ማሽነሪታትን ብዝምልከት ገረዝጊሄር ጽሬቱን ደረጅኡን ዘይሓለወ ኣቑሑት ከምዝገዝእ፡ ማእለያ ዘይብሉ ማል ከምዘጥረየ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ መካይን ከምዘእተወን፡ ምስ ሓደ ሌ/ኮሎኔል (ኣብ ቀይዲ ዝርከብ) ብናይ ካልኦት ሰባት ልቸንሳ ትካላት ከምዝገበረን፡ ካልኦት ሕሜታትን ናብ ፕረሲደንት ክውሑዙ ጀመሩ፡፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝለዓሉ ጉዳያት’ምበር፡ ጉዳይ ብልሽውና ዘይዓጦ ኢሳይያስ ብስቕታ ጸንሐ፡፡ ኣብ መወዳእታ ገረዝጊሄር፡ ኣብ እንዳ ባራት ንጉዳይ ዒራዒሮን ብሚሊዮናት ዝጽብጸብ ኣታዊታትን ዝምልከት ንስም ሓጎስ ኪሻን ኢሳይያስን እንዳረቑሐ ምስ መዛንኡ ክዕልል ከምተስምዐ፡ ገለ ሓበሬታታት ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ክበጽሑ ጀሚሮም፡፡ ብፍላይ ኣታዊታት ወርቅን ነሓስን ቢሻ ኣገባባቱን ዝምልከት ሓበሬታ ከዝሩቕ ምስጀመረ፡ ዘላቒ ጸላኢ ምበር ዘላቒ ዓርኪ ዘይብሉ ኢሳይያስ፡ ብሓደ ገጽ ብውሽጣዊ ጸጥታ (ኣካል ብልሽውና)፡ ብካልእ ወገን ከኣ፡ ብገለ መቕርቡን (ሕጂ ዘይገልጾም) ክጸናጸኖ ጀመረ፡፡ ትማል ተኣማናይ ድሒሩ ተሃዳናይ ዝኾነ ገረዝጊሄር፡ ኢሳይያስ ገጽ እንዳኸልኦ፡ ብጸርፍን ታህዲድን ከከላብቶ ጀመረ፡፡ ቀንዲ መጻወድያ መዘናግዒ ማእከል ሲቲ ፓርክ ኮይና ሞት ገረዝጊሄር ክተቃላጥፍ ተሓርየት፡፡
እታ ኩላትና ንፈልጣ “ሲቲ ፓርክ” ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ክትውነን ድሕሪ ምጽንሓ ኣዚያ ተዳኺማ ስለ ዝነበረት ኣብ መወዳእታ ብጨረታ ሰንበል ትካል ዕንጸይትን ሓጺንን ስዒራ ወሲዳታ፡፡ ገረዝጊሄር ልዑል ወጻኢታት ብምውጻእ ኣሕዲሱ ዓቕማ ክብ ኣበላ፡፡ ኣብ እዋን ሕድሳትን ምስ ዛዘመትን፡ ኣብ ሲቲ ፓርክ ኣትዩ ሻሂ ዘይሰተየን ዘይተዘናግዐን ሓላፊ ዳርጋ የለን፡፡ ኢሳይያስ ባዕሉ ውን ተመላሊስዋ ነይሩ፡፡ እምበኣር እዛ ቦታ እያ፡ ምስ ሌ/ኮ ገሬ ክትተኣሳሰር ዝጀመረት፡፡ ኣብ መፋርቕ ታህሳስ 2014፡ ብቐጥታ ካብ ቤ/ጽ መረዳእታ ዘይብሉ “ስራሕ ተቐይርካ ስለዘለኻ ብቀልጡፍ ኣረክብ” ዝብል ደብዳቤ በጺሒዎ፡፡
ሃንደበት ብታህሳስ 20/2014 ብብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ዝተኣዘዙ ብሜጀር ዓንደ ግደወልድ (ወዲ ጅዱ) ዝተምርሑ 4 ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ልክዕ ሰዓት 09፡00 ፡ ናብ ቤ/ጽ ሰንበል ዕንጸጥትን ሓጺንን ተላኢኾም፡፡ ኣብዛ ዕለት ሌ/ኮ ገሬ ንሓለፍቲ ክፍልታትን ጨናፍርን ኣኪቡ፡ ምቅይያራት ተገይሩ ከምዘሎ፡ ንሱ ውን ከምዝተቐየረን ኣብ ቀረባ ዝትክኦ ሰብ ከምዝለኣኽ ከምዝሓበሮም ዝገልጽ ጸብጻብ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ኣሎ፡፡ ልክዕ ሰዓት 09፡30 ኣኼባ ምስወድአ ኣብ ቅድሚ እቶም ተኣከብቲ (ኣባላቱ) እቶም ካብ ማእከላይ ቤ/ጽ ወኪል ሃ/ድሕነት ዝተለኣኹ 4 ኣባላት ኣእዳው ብፌሮ ኣሲሮም ናብ መኪና ሰቒሎም ብቀጥታ ናብ ካርሸሊ ወሲዶምዎ፡፡
ኣብ ካርሸሊ ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ጥቓ ተጋዳሊት ኣስቴር የውሃንስ፡ ሼላ ቁጽሪ 31 ዳጊኖምዎ፡፡ ቅድሚ 14 ዓመታት ንሰብኣያ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰሎሞን (ወዲ ሰሎሞንን) ብጾቱን፡ ካብ እምባትካላ ዒራዒሮ ዘመላለሰን፡ መዓሙቕ መጋርያ ሼላታት ዝሃነጸ፡ ገዲም ተጋዳላይ ገረዝጊሄር ኣስመላሽ ግዜ ጠሊምዎ ከም ሰቡ ሪጋ በጺሑዎ፡ ኣብ ጥቓ ኣስቴር ዝጸንሓሉ ግዜ ሓደ ሰሙን ጥራይ እዩ፡፡
ንሓደ ሰሙን ሓላፊ ኣካል ምርመራን ምጽራይን ወ/ሃ/ድ ሜጀር ካሕሳይ በየነ ብወልደንኪኤል ኣስመሮም ዝተብሃለ ኣባል ዝምርሑ 3 ኣባላት መዲቡ ኩነታቱ ክከታተል ቀነየ፡፡ ኣብታ ብቀዝሒ ተንቅጽ ሼላ ካርሸሊ፡ ካብ ዝኣተወላ ዕለት ጀሚሩ፡ ገረዝጊሄር ናይ ሓደ ሰሙን ምግቢ ምሕሳም ጌሩ እኽሊ ዝበሃል ኣይጠዓመን፡፡ ብታሕሳስ 28/2014 ንጉሆ “ድምጺ ኣጥፊኡ” ዝብል ሓበሬታ ናብ ማ/ቤ/ጽ ወ/ሃ/ድ ስለዝተለኣኸ፡ ሜጀር ካሕሳይ በየነ ካርሸሊ ከይዱ ብመኪና ናብ ኢናኤል ሆስፒታል ወሲድዎ፡፡ ኣብ ኢናኤል ኣዚዩ ንዝተዳኸመ ገረዝጊሄር ዝተረከቦ ዶ/ር ኢፍሬም እዩ፡፡ ውሽጣዊ ጸጥታ ካብ ላዕሊ ብዝመጾ ትእዛዝ መሰረት “ኣብ ዘለዎ ኩነታት ኮይኑ ብዕቱብ ክተሓዝ ኣለዎ” ስለተብሃለ ብሽፍቲ 7 ኣባላት ሃ/ድሕነት መዲቡ ኣብ ኣፍ ሞት ዝነበረ ገረዝጊሄር ኣብ ዓራቱ ክሕሎ ጌሩ፡፡
ኣብ ኢናኤል ንሓለዋ ዝተመደቡ ኣባላት ወኪል ሃ/ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ፡
1. በረኸት ሃብተ ገዲም ተጋዳላይ
2. ወልደሚካኤል ኣስመሮም ኣባል ሃ/ኣገልግሎት
3. ቢንያም ሃይለ ኣባል 12 ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት
4. ዮሴፍ ከሰተ ኣባል 9 ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት
5. ዳኒኤል ሃይለ ኣባል ሃ/ኣገልግሎት
6. ዮሴፍ ኣረፋይነ ኣባል 10 ዙርያ ሃ/ኣገልግሎትን
7. ፍስሃየ ክብሮም ኣባል ሃ/ኣገልግሎት፡ ዝተብሃሉ’ዮም፡፡
ካብ ፍሉያት ሰይጣናዊ ባህሪያት ኢሳይያስ እቲ ሓደ፡ ግዳይ ንዝገበሮ ሰብ፡ ክሳብ መወዳእታ ትንፋሱ ትሓልፍ ምጽንጻን እዩ፡፡ ኣብ ኣፍ ሞት ዝነበረ ገረዝጊሄር ዘረባታት ከይተረፈ፡ ብደቂቕ ዝተጸሓፉ ጸብጻባት ሕጂ ውን ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ኣለው፡፡ መብዛሕትኦም ጣዕሳን ጥልመትን ዘመልክቱ ናይ ሕርቃን ቃላት እዮም፡፡ እዞም ጸብጻባት ካብ ውሽጣዊ ጸጥታ ዝተለኣኹ ኣይኮኑን፡፡ ድሕሪ ሰሙን ብዕለት 5 ጥሪ 2015 ፍርቂ ለይቲ፡ ሌቴናል ኮሎኔል ገረዝጊሄር ኣስመላሽ፡ ኣብ ሆስፒታል ኢናኤል ዓሪፉ፡፡ ንክልተ መዓልቲ ኣብ ኢናኤል ኣስከሬኑ ኣብ ሳንዱቕ ተዓሺጉ ምስጸንሐ፡ ብዕለት 6/ ጥሪ 2015 ምሸት ንሰበይቱ ወ/ሮ ዘውዲ ተነጊርዋ፡፡ ወ/ሮ ዘውዲ ኣብ ትሕቲ መሪር ሓዘን ኮይና ሬሳ ሰብኣያ ከረክብዋ ብወግዒ ዋላ እንተሓተት፡ ብትእዛዝ ስምኦን ገብረድንግል “ሬሳ ካብ ሕክምና ኣይወጽን” ተባሂላ ከምቲ ብወረቐት መርድእ ዝሰምዐ ህዝቢ ኣስመራ፡ ኣስከሬን ሰብኣያ ብዓይና ከይረኣየት ክትቀብሮ ተገደደት፡፡
ክቡራት ኣንበብቲ!
ሕጂ ውን ዝደለየ ዓይነት ታሪኽ ይሃልዎ ብባህልና ሙውት ስለዘይውቀስ፡ ንፈትውቱን ስድራቤቱን ጽንዓት ይሃብ እንዳበልኩ፡ ከም ናይ ገረዝጊሄር ዓይነት ናይ ብዙሓት ግዳያት ታሪኽን ምኽንያት ሞትን ሓደ መዓልቲ ንውጽዕ ህዝቢ ኤርትራ ክዛረብ ሓደራ ዘለዎ ዶ/ር ኢፍሬም፡ ወረቐት ምኽንያት ሞት ገረዝጉሄር ደም ብዝሕን ሽኮርያን ከምዝኾነ ሰኒዱ ኣሎ፡፡ ብርግጽ ገረዝጊሄር ሕማም ሽኮርያ ነይራቶ’ያ፡፡ ክሳብ ዝተቐየደሉ ዕለት ግን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝነበረ ኩሉ ህዝቢ ኣስመራ ይፈልጥ እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ናብ ሞት ዘብቀዖ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ኪኢላን መርማሪን ዶ/ር ኢፍሬምን ኣባላቱን ሓደ መዓልቲ የውጽእዎ ይኾኑ፡፡
ክብራት ኣንበብቲ!
እቲ ትማል ገጽ ኢሳይያስ ሪኡ ከምድላዩ ፍንሕንሕ ዝብል ዝነበረ፡ እቲ ብስርሑን ተኣማንነቱን፡ ብሞጎስን ናእዳን ዝተሰነየ፡ እቲ ኣዚዩ ተኣሚኑ ስቱር ምድረ ዒራዒሮ ዝሃነጸ፡ እቲ ማዕረ ሒዶት ጀነራላትን ኣዳኸርትን ተቆጺሩ ዓርኪ ኢሳይያስ ዝነበረ ሌ/ኮ ገረዝጊሄር ኣስመላሽ፡ ከምሓደ “ተራ ሰብ” ተቆጺሩ ኣብርክቶኡን ተኣማንነቱን ድሮ ተነጺጉ፡ ኣብ ኤረ ቲቪ ናይ 24 ሰከንድ “መርድእ ዜና” ተሰሪሑሉ፡ ብዕለት 8 ጥሪ 2015 ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተቐብረ፡፡ ታሪኽ ብላዕ ተባላዕ ህግደፋውያን ኣጸቢቑ ዝፈለጠ ህዝቢ ኣስመራ ኣብ ዕለተ ቀብሩ ታሪኽ ህይወት ገረዝጊሄር ክንበብ እንከሎ “ብዝሓደሮ ሕማም ሞይቱ” ምስተብሃለ “ብዘሕደርናሉ ሕማም ሞይቱ” ዘይትብሉ ክብል ጭርቃኑ ኣስሚዑ ‘ዩ፡፡ ከምቲ ዝኣረገ ዝብኢ ንዝቆሰለ ስግኡ ዝምንጭት፡ ኣስናን ኢሳይያስ ሐጂ ውን ንካልእ “እሙን ነበር” ክግህጻ ተሳሒለን’ለዋ፡፡
ሕጂ’ውን ንኩሉ ክባጻሕ ሼር ኣብ ምግባር ኣይንሕመቕ!
ወደሓንኩም!!