ፍሉይ መጽናዕታዊ ሰነድ ኣብ ሞንጎ መሪሕነት ህግደፍን ፖሊስን፣ ጸጥታን ምክልኻልን ዝተራእየ ፍሉይ ግርጭትን ሳዕቤናቱን።

ምንጭታት ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፣ ፍሉይ መጽናዕታዊ ሰነድ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ትሕዝትኡ ኣብ ሞንጎ መሪሕነት ህግደፍን ፖሊስን፣ ጸጥታን ምክልኻልን ዝተጋህደ ፍሉይ ግርጭትን ዘኸተሎ ሳዕቤንን ዘቃልዕ ሰነድ እዩ። ምኽንያቱ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ኣብዘን ትካላት ነንሓድሕዶም ዘይምርድዳእን ምትህልላኽን ኣስዒቡ። ስለዚ እቲ ዝተራእየ ግርጭት ፍሉይ ምኽንያት ሒዙ እቲ ቅልውላው ዓብዩ ከምዘሎ ብመርትዖ ዘረጋግጽ እዋናዊ ሰነድ እዩ። ዉፉያትና ነዚ ኣገዳሲ መጽናዕታዊ ሰነድ ንምቕራብ፣ ክቡር ግዜኦም ከፊሎም ሓያል ጻዕሪ ብምክያድ፣ ብተወፋይነትን ውሕሉል ኣገባብን ከምዘቕረቡዎ ትሕዝቶ ናይቲ ሰነድ ባዕሉ ዝምስክሮ እዩ። ስለዚ ብሓደ ወገን እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንህዝብና ከነፍልጥን ክንሕብርን ግዴታ ከምዘለና ንኣምን። በቲ ካልእ መዳዩ ድማ፣ ምስ ደምበ ተቓዉሞ ብማዕረ መረዳእታ፣ ብምትሕብባርን ሽርክነትን ክንሰርሓሉ ከምዝግባኣና ዕግበትና እዩ። ካብ’ዚ እምነት’ዚ ተበጊስና፣ ብዓቕምና ንዝርግሖ ዘለና መጽናዕታዊ ሰነድ፣ ብካልኦት ደለይቲ ለውጥን ግዱሳት ዜጋታትን በብወገንኩም ንዘለኩም ሓበሬታ ወሲኽኩም ክትድርዕዎ፣ ብመረጋገጺ ኣሰኒኹም ከተሀብትሙዎ ከምዝግባእ ትጽቢትና ስለዝኾነ ብዝያዳ ከተማዕብሉዎ ንዕድምን ነተባብዕን። ጠንቅታት ፍሉይ ግርጭትን ሳዕቤናቱን። ኣብ ትካላትን ሰበስልጣናት ኤርትራ በብጊዚኡ ዝረኣዩ ግርጭታትን ቅልውላውን ብዕላምኡን መሰረታዊ ምኽንያቱን ሓደ እዩ። ምኽንያቱ ካብ ባህርያት ስርዓት ኤርትራ ዝብገስ፣ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሕኡን ዘይፍትሓዊ ምምሕዳሩን ዝፈጠሮ ምዃኑ ክንጸር ኣለዎ። ናይ ሎሚ ፍሉይ መጽናዕታዊ ሰነድና ከምዝሕብሮ፣ ናይ’ዚ ፍሉይ ግርጭትን ቅልውላውን ብግቡእ ምግምጋሙ ኣገዳሲ ስለዝኾነ፣ ንኽቡራት ተኸታተልና ቅኑዕን ንጹርን መረዳእታ ንምሃብ፣ በብኣርእስቱ ፈላሊና ዝርዝራቱ ገሊጽና፣ ኣስማት ሰባት ጠቒስና ብመርትዖ ከኣ ኣሰኒና ከነቕርቦ ክንፍትን ኢና። ክቡራት ኣንበብቲ ከኣ ብዕምቆት ክትከታተልዎ ብኣኽብሮት ንዕድም። ስለዚ ዝርዝር ናይቶም ኣርእስታት፣ መጀመርያ ካብ መበገሲ ዕላማ ናይቲ ወፍሪ እንታይ ነይሩ? ኣብ ኣወዳድብኡ ዝተሳተፉ ትካላት፣ ኣብ ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡ ዝተራእዩ ጉድለታት፣ ብበበይኖም ትካላት ዝተወስዱ ተጋረጨውቲ ዝኾኑ ዘይሕጋዊ ስጉምታት……. ወዘተ ክቐርቡ እዮም። ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ናይ ሱሱዓት ነጋዶ ተሳታፍነት፣ ኣብ መወዳእታ እቲ መስርሕ ብዘኸተሎ ሳዕቤን ስለዝምዘን ኩሎም ኣርእስታት ኣብ ነንሓድሕዶም ዘይነጻጸሉ ስለዝኾኑ፣ ድምር ናይ ኩሉ እዩ ነቲ ግርጭትን ቅልውላውን ፍሉይ ምኽንያታት ዝህልዎ። መበገሲ ዕላምኡ፦ ናይ’ዚ ፍሉይ ግርጭት ቀንዲ መበገሲ ምኽንያትን ዕላምኡን ምስ ምቅይያር ሓዲሽ ባጤራ ናቕፋ ዝተኣሳሰር እዩ። ስለዚ ንሸርፍን ዘይሕጋዊ ንግድን ንምቊጽጻር ብዝብል ጉልባብ፣ ብኹሉ ኲርንዓት ኤርትራን ዶብ ሱዳንን ሰፊሕ ወፍሪ ተኻይዱ። ኣወዳድብኡ፦ ነቲ ዝወጸ መደብ ኣርባዕተ (4) ትካላት ስርዓት ኤርትራ በብወገኖም ተዋፊሮሙሉ። እንተኾነ ግና ናብ ዘይምርድዳእን ቅልውላውን እዩ ኣምሪሑ። ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ወፍሪ ንምክያድ ከም ልሙድ ክጥቀሙሉ ዝጸንሑ ኣገባብ፣ ብጸጥታዊ መጽናዕቲ ብዝተወደበ ስጉምቲ፣ ንኩለን ኣብቲ ወፍሪ ዝሳተፋ ትካላት ከኣ ብምውህሃድ ክሰርሑ ከምዝጸንሑ ብዙሓት ፍጻሜታት ተዓዚብና ኢና።

ኣብ’ዚ ናይ ትማሊ ወፍሪ ግና ብኣንጻሩ ነይሩ። ምኽንያቱ ናይ ኣወዳድባን ምውህሃድን ሕጽረት ነይሩዎ። እተን ትካላት ድማ ብፍኑው ኣገባብ ተገራጨውቲ ዝኾኑ ዘይሕጋዊ ስጉምታት ስለዝወሰዳ፣ ሓደ ካብ ጠንቂ ፍሉይ ግርጭት ኮይኑ ናቱ ሳዕቤን ነይሩዎ። ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡ፣ ዘይሕጋዊ ስጉምቱን ሳዕቤናቱን። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ፣ ንመበገሲ ዕላማ ናይቲ ፍሉይ ወፍሪ ንምካይድ፣ ኣብ ኣወዳድባ ዝነበሩ ጉድለታት ደሚርካ፣ እቲ ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡን ተጋራጫዊ ዝገብሮ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ብዝተነጸረ ምግላጹ፣ በቶም ዝርዝር ፍጻሜታት ብሓጎስ (ኪሻ) ክንጅምር። ሓጎስ ገብሪሂወት (ኪሻ) ኣብ ህግደፍ ሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት፣ ክልተ በበይኑ ተገራጨውቲ ዘይሕጋዊ ስጉምታት ወሲዱ። ንሳቶም፦ ቀዳማይ፦ ምስ ጸጥታ ዞባ ማእከል ብምርድዳእ ንሰለስተ (3) ነጋዶ ከምዝእሰሩ ገይሩ። ካልኣይ፦ ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፊ ዝተዋፊሩ ጥርጡራት ነጋዶ፣ ብፖሊስን ጸጥታን ተኣሲሮም ዝፈጸሙዎ ዘይሕጋዊ ተግባር ብመርትዖ ተረጋጊጹ ነይሩ። እንተኾነ ግና ኪሻ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ማእሰርቲ ንከውጽኦም ዝተሃንደደሉ ምኽንያት ንምግምጋም ዝርዝራቱ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። 1. ሓጎስ ኪሻ፣ ብምትሕብባር ጸጥታ ዞባ ማእከል ዝኣሰሮም ነጋዶ። ብዕለት 17/ ሚያዝያ/ 2016 ብመምርሒ ሓጎስ (ኪሻ) ብመንገዲ ኮለኔል የማነ ኣፈወርቂ ሓላፊ ጸጥታ ዞባ ማእከል ሰለስተ ሰባት ብሓደ ግዜ ተኣሲሮም። ካብቶም እሱራት እቶም ክልተ ካብ ሓንቲ ስድራቤት ኮይኖም ኣቦን ወድን እዮም። ንሳቶም ድማ፦ 1. ኣቶ ኣሰፋው መብራህቱ ነጋዳይ። ኣብ ኣስመራ ኣብ ባሕቲ መስከረም ትካል ዝውንኑ ወላዲ ኣሲሩዎም።። 2. ታደሰ ኣሰፋው መብራህቱ። መንእሰይ ኣባል ሃገራዊ ኣገግሎት፣ ኣብ ዞባ ማእከል ተመዲቡ ዝሰርሕ ዝነበረ ወዶም ተኣሲሩ። 3. ተስፋሚካኤል ስብሃቱ፣ ነጋዳይ ኣብ ኣስመራ ኣብ ጎደና ቆሓይቶ ተቐማጣይ ዝነበረ ተኣሲሩ። ናይ ሰለስቲኦም ነጋዶ ምኽንያት መእሰሪኦም ዝተፈልጠ ነገር የለን። ሳልሳይ እሱር ነጋዳይ ተስፋሚካኤል ስብሃቱ ግና፣ ምስ ኮሎኔል ጋይም ተስፋሚካኤል ናይ ወጻኢ ጸጥታ ሓላፊ ጥቡቕ ስለያዊ ዝምድናንን ናይ ረብሓ ሽርክነትን ከምዘለዎም ተረጋጊጹ ኣሎ። ስለዚ ኮሎኔል ጋይም ነዚ ነጋዳይ ብጣዕሚ ተገዲሱሉ፡ ንኸፍትሖ ላዕልን ታሕትን ኢሉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ምስ ሓጎስ ኪሻ ኣብ ግርጭት ምስ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ተረዳዲኡ፣ ኣብ ትካላት ፖሊስን ጸጥታን ብጎኒ ጣልቃ ኣትዩ፣ ቅድም ኣርባዕተ (4) ድሒሩ ድማ ሰለስተ (3) ፣ ብድምር ሸውዓተ (7) ነጋዶ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ማእሰቲ ኣውጺኡዎም። ንምፍትሖም ዝተዋህበ ዕባራ ምኽንያት ከኣ ጉዳዮም ብደገ ኮይኖም ክከታተሉ እዮም ዝብል’ዩ። እቶም ዝተረፉ ክልተ (2) እሱራት ግና፣ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ስለዝኾኑ ብትካሎም ክሳብ ዝጻረ ተባሂሉ ጌና ኣብ ማእሰርቲ ኣለዉ። ካብቶም ብሓጎስ ኪሻ ዝተፈትሑ 7 – ነጋዶ፣ ናይ ሓሙሽተ (5) ሰባት ዝርዝር ኣስማት ተረጋጊጹ ቀሪቡ ኣሎ። 1. ነጸርኣብ ክፍሎም፦ ተቐማጢ ኣስመራ ኮይኑ መንእሰይ ዓቢ ነጋዳይ እዩ። ንዱባይ ሱዳንን ሃገራት ኣፍሪቃን ይመላለስ። ንሱ ብጉልባብ ንግዲ፣ ናቕፋን ናይ ወጻኢ ባጤራን ብምሕዋል ዘይሕጋዊ ሸርፊ ብምክያድ ፍሉጥ ሰብ እዩ። ንሱ ብጸጥታ ይድለ ከምዘሎ ምስፈለጠ ንሱዳን ክሃድም ፈቲኑ ነይሩ። እንተኾነ ግና ብዕለት 07/ 04/ 2016 ኣብ ዞባ ጋሻ ባርካ ተታሒዙ። ፖሊስ ገዝኡ ፈቲሾም ኣብኡ ዝጸንሖም ገንዘብን ንብረትን ከምዝተወስደ በዚ ዝስዕብ መርትዖ ተረጋጊጹ ኣሎ።  ክልተ ሚኢቲ ሺሕ ናቕፋ (200, 000) ሓዲሽ ባጤራ። ክልተ ሚልዮን ኣመሪካን ዶላር። (2, 000, 000) ክልተ ሚኢትን ሰላሳን ሸውዓተን ሽሕ (237, 000) ኤውሮ ናይ ኤውሮጳ ገንዘብ። ሓደ ኪሎ ወርቒ (1, 000 ግራም) ዘይተሰርሐ ተታሒዙ። እቲ ወርቂ ከም ስልማት ካቴና ካትም ብግራማት ዝተመቓቐለ ቅርጽን ፍሉይ መልክዕን ዘይብሉ ብጥቕሉል ክብደቱ እዩ ጸኒሑ። ካብ ዘገርም፣ መንእሰይ ነጋዳይ ነጸረኣብ ኩሉ’ዚ ዝተረጋገጸ ገበን ፈጺሙ ከብቅዕ፣ ሓጎስ ኪሻ ካብ ማእሰርቲ ምስኣውጽኦ ግዜ ከይወሰደ ንሱዳን ከይዱ ድሕሪ ሳልስቲ ንኤርትራ ተመሊሱ ኣሎ። ከም ናጻ ሰብ ድማ ኣብ ኣስመራ ሸናዕ ይብል ከምዘሎ ብዙሓት ፈለጥቱ ዘረጋግጽዎን ዝምስክርዎን ሓቂ እዩ።

 

እንታይ’ዩ ሚስጥሩን ውዲቱን ?

ፍልልይ መሰል ዜጋታት ተነጺሩ ተራእዩ ኣሎ። ምኽንያቱ ብዙሓት ንጹሃት ትሕቲ ዕድመ ከይተረፉ ንስግረ ዶብ ክኸዱ ተታሒዞም፣ ኣብ ማእስርቲ ተዳጉኖም ኣብ ፍርዲ ኣይቀርቡን። ኩሉ መሰላቶም ተጋሂሱ ብጨካንን ዘይሰብኣዊ ኣገባብን ይትሓዙ። ንኣብነት ከም በዓል ራሄል ይትባርኽ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝሞተት እቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ብመርትዖ ተሰንዩ ተገሊጹ ነይሩ። ካልኦት’ውን ዘይተነግረሎም ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝሞቱ ፍሉጥ’ዩ። መንእሰይ ነጸረኣብ ግና ንሱዳን ክሃድም ተታሒዙ ሓላል፣ ዘይሕጋዊ ገንዘብን ንብረትን ተረኺቡዎ ሓላል ንካልኦት ግና ሓራም። 2. ሃብቶም ተኽለብርሃን። ዓቢ ነጋዳይ ኮይኑ ንሓጎስ ገብሪሂወት (ኪሻ) ናይ ቀረባ መሻርኽቱ’ዩ። ንሱ ንዱባይ፣ ንሱዳንን ካልእ ንኣፍሪቃን ከምድላዩ ይመላለስ። ብሃገራዊ ድሕነት ተኣሲሩ ገዝኡ ምስ ተፈተሸ እዚ ዝስዕብ ንብረት ጸኒሕዎ፦  ሓደ ሚልዮን ( 1, 000, 000) ናቕፋ ሓዲሽ ባጤራን ካልእ ዝርዝራቱ ዘይተገልጸ ናይ ወጻኢ ሸርፍን ጸኒሕዎ ብፖሊስን ጸጥታን ተወሲዱ። ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብላ ሽጉጥ ማካሮቭ ተረኺቡዎ ብገበን ዘሕትት’ዩ። ሽጉጥ መን ሂቡዎ ስለምንታይ? መረጋገጺ ባንክ፦ ውልቐ ነጋዳይ ሃብቶም ተኽለብርሃን እቲ ኣብ ገዝኡ ዝጸንሐ ሓደ ሚልዮን ሓዲሽ ባጤራ ናቕፋ፣ ካብ ንግዳዊ ባንክ ናይ ህግደፍ ሕሳብ፣ ብፍቓድን ትእዛዝን ሓጎስ (ኪሻ) ከምዝወጸ ባንክ ኤርትራ ብንጹር ሓቢሮም ብመርትዖ ኣቕሪቦሞ ። 3. ስምረት ኪዳነ። 4. ግደይ ገብረመስቀል። 5. በረኸት ተኽለ ይበሃሉ። ሰለስቲኦም (3) ነጋዶ ብሓባር ይሰርሑ። ንሳቶም ብሃገራዊ ድሕነት ብዕለት 17/ 04/ 2016 ብሓባር ተኣሲሮም። ብፖሊስን ጸጥታን ከኣ ገዛውቶም ተፈቲሹ ዝተረኽበ ንብረት፦  ኣብ ገዛ በረኸት ተኽለ ዝጸንሔ ንብረት፦ ሰለስተ ሚኢትን ሓምሳን ሾመንተን ሺሕ 358,000 ናቕፋ ሓዲሽ ባጤራ። ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽድሽተን ሺሕ 286, 000 ናይ ኣመሪካ ዶላር። ሰብዓን ክልተን ሺሕ 72, 000 ኤውሮ ናይ ኤውሮጳ። ኣብ መኽዘኑ ዝጸንሔ 13 በርሚል (ፊስቶ) ነዳድን በብዓይነቱ ናይ መካይን መቐያየሪ ኣቑሑትን ብፖሊስን ጸጥታን ተታሒዙ። ሓጎስ ኪሻ ፣ ኣብ ስልጣን ፖሊስን ጸጥታን ጣልቓ ኣትዩ ንሰለስቲኦም ነጋዶ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ማእሰርቲ ኣፍቲሑዎም ። ንበረኸት ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ 6 – መዓልቲ፣ እቶም ክልተ መሳርሕቱ ድማ ክልተ መዓልቲ ድሕሪኡ ተፈቲሖም። ስለዚ፦ ሰብ ዘለዎ ኣራፊዱ ሞተ ከምዝበሃል እዩ ነገሩ። ይኹን’ምበር ዝኾነ ፍጻሜ ካብ ትዕዝብቲ ህዝቢ ዝተኸወለ ኣይኮነን ። ብትኣዛዝ ጀነራል ፊሊጶስ ዝተኣስሩን፣ ዝተፈጸመ ዘይሰብኣዊ ተግባርን። ኣብዚ ፍሉይ ወፍሪ ዝብሉዎ፣ ብትእዛዝ ጀነራል ፊሊጶስ ሰለስተ (3) ዝተፈላለዩ ስጉምታት ተወሲዶም ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፦ ቀዳማይ ፍጻሜ፦ ዘይሕጋዊ ንግድን ሸርፍን የካይዱ እዮም ዝተባህሉ ብትእዛዙ ሽዱሽተ (6) ነጋዶ ተኣሲሮም ኣለዉ። ዝርዝር ኣስማት እሱራት ነጋዶን ዝተረኽቦም ዘይሕጋዊ ንብረትን፦ 1. ዘካርያስ መንግስተኣብ ። ንሱ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት 9ይ ዙርያ እዩ። 2. ተጋዳላይ ሃይለ ፍቓዱ (ብወዲ ፍቓዱ ዝጽዋዕ) 3. ተኽለወይኒ ተወልደ። 4. መሓመድ ማሕሙድ ዮሱፍ። 5. ክብሮም ገብረጻድቕ። 6. ዓንዶም ሰመረ እዮም። ገዝኦም ተፈቲሹ ዝተታሕዘ ገንዘብ፦ ክልተ ሚልዮንን ክልተ ሚኢትን ዓሰርተ ሸውዓተን ሺሕ (2, 217, 000) ናቕፋ ሓዲሽ። ሾመንተ ሚኢትን ሓምሳን ሽዱሽተን ሚልዮን ( 856. 000, 000) ናይ ሱዳን ፓውንድ (ዑምላ) ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሾመንተን ሺሕ (328, 000) ናይ ኣመሪካ ዶላራት ። ሓደ ሚልዮንን ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሺሕ (1, 327, 000) ናይ ኢትዮጵያ ብር። ካልኣይ ፍጻሜ፦ ካብ ስራሕ ምክልኻል ደስኪሎም ዝጸንሑ ኣባላት ኣብ ንግዳዊ ስራሕ ተዋፊሮም ናብርኦም ከኣልዩ ጸኒሖም። ይኹን’ምበር ጀነራል ፊሊጶስ ብዝሃቦ ህጹጽን ሃደበታውን ትእዛዝ ግዜ ዝህብ ኣይነበረን። ስለዚ እቲ ናይ ንግዲ ንብረቶም ዘርከበ ብግቡእ ዝጠርነፈ ወይ ግዜ ዝሓጸሮ ንብረቱ ዓሺጉ ነናብ ዝመስሎም ቦታ ከምዝኸዱ ተፈሊጡ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣማኢት ሰባት ንብረቶም ገንዘቦም ከሲሮም ተዘናቢሎም ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ሳልሳይ ፍጻሜ፦

ኣብ ከባቢታት፣ ተሰነይ ግርማይካ፣ ሓመዳይት ተላታ ዓሸርን ከባቢ ዶብ ሱዳንን ብሓፈሻ፣ ዝነበራ ናይ ህዝቢ ድኳናትን ንኣሽቱ ናይ ንግዲ ትካላትን ተመስሪቱ ነይሩ። ይኹን’ምበር ዘይሕጋዊ ንግድን ሸርፍን የካይዱ ኣለዉ ብዝብል ዕላማ፣ ጀነራል ፊሊጶስ ብዝሃቦ ጥብቒ ትእዛዝ መሰረት፣ ሰራዊት ምክልኻል ኣዋፊሩ ከምዝዕጾ ገይሩዎ። እብ ኣፈጻጽምኡ ኣብ ገለ ቦታታት ብፍላይ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ብጣዕሚ ሕማቕን ዘሕዝንን ኣገባብ ነይሩዎ። ምኽንያቱ እዞም ብንእሽቶ ትካል ዝናበሩ ዝነበሩ ክፋል ህዝብና፣ ብጀካ ናይ ንብረቶም ክሳራ ዝበልዕዎ ስኢኖም። ስለዚ ኣሽሓት ዜጋታትና ካብ ቦትኦም ተፈናቒሎም ኣብ መደበር ስደተኛታት ሱዳን መጽለሊ ስኢኖም ከምዘለዉ በብኩርንዑ ብመርትዖ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ብመምርሒ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ሓላፊ ፖለቲካ ህግደፍ ክልተ ሰባት ተኣሲሮም ኣለዉ። ዝርዝሩ ጌና ኣይተፈልጠን። ብጉድለት ሓላፊ ህግደፍ ሓደ ንጹህ ዜጋ ይእሰር ኣቶ ረዘነ ኣደናይ ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ጋሽ-ባርካ እዩ። ንሱ ንኣቶ ኢድሪስ እስማዒል ጸዊዑ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሽዱሽተን ሺሕ 436, 000 ናቕፋ ሂቡ፣ ኣብ ኣፍዓበት ናይ ሸርፊ (ሓዋላ) ዘካይድ ንኣቶ ኪዳነ ገብርገርግሽ ከረክቦ ይእዝዞ። መስኪን ኣቶ ኢድሪስ ዝፈልጦ ነገር ስለዘይብሉ ብቕኑዕ ሕልና ዝተኣዘዞ ክፍጽም ክብል ብፖሊስ ተታሒዙ። ንሱ ወኪል ህግደፍ ዝሓበረኒ ትእዛዝ መንግስቲ ፈጺመ ኢሉ ነቲ መስርሕ ጠቒሱ ንጽህንኡ ክገልጽ ፈቲኑ። እንተኾነ ግና ሰማዒ ኣይረኸበን ብዘይፈጸሞ ገበን ተኣሲሩ። እቲ ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ረዘነ ግን ከምቲ ዝኣዘዞ ሓላፍነት ወሲዱ ንኢድሪስ ከውጽኦ ኣይፈተነን። ረዘነ በቲ ዝፈጸሞ ተግባር ብሕጋዊ ኣገባብ ተሓቲቱ ሓላፍነት ክስከም ኣይተራእየን። ብኣንጻሩ እቲ ንጹህ ዜጋ ተኣሲሩ ረዘነ ጸሓፊ ህግደፍ ግና ናጻ ኮይኑ ይንቀሳቐስ ኣሎ። ዘበነ ኣካሒዳ ዝበሃል ንሰምዖ ዝነበርና ይድገም ዲዩ ዘሎ? ብፖሊስን ጸጥታን ዝተታሕዘ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ነጋዶ ብጠቕላላ። ናቕፋ ሓዲሽ ገንዘብ ዶላር- ኣመሪካ ኤውሮ- ገንዘብ ኤውሮጳ ፓውንድ (ዑምላ) ገንዘብ ሱዳን ብር- ገንዘብ ኢትዮጵያ ካልእ ንብረት 1 4, 211, 000 2, 614, 000 309, 000 856, 000, 000 1, 327, 000 ኪሎ ወርቒ፣ 13 በርሚል ነዳዲ፣ መቐያሪ መካይን መብርሂ፦ ምስ ዉሑዳት ነጋዶ ዝጸንሔ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ድምሩ ኣብ ሰሌዳ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ገንዘብ ብኣሃዝ ክግለጽ ከሎ ድማ፦ 4,211, 000 ኣርባዕተ ሚልዮንን ክልተ ሚኢትን ዓሰርተ ሓደን ሺሕ ናቕፋ ሓዲሽ ባጤራ። 2, 614, 000 ክልተ ሚልዮንን ሽዱሽተ ሚኢትን ዓሰተ ኣርባዕተን ሺሕ ዶላር ኣመሪካ። 1, 327, 000 ሓደ ሚልዮንን ሰለስተ ሚኢትን ዕስራን ሸውዓተን ሺሕ ብር ገንዘብ ኢትዮጵያ። 856, 000, 000 ሾመንተ ሚኢትን ሓሙሳን ሽዱሽተን ሚልዮን ፓውንድ (ዑምላ)ናይ ሱዳን ገንዘብ እዩ። ኣብ መጽናዕትና ዘይኣተወ ካልእ ገንዘብ ከምዘሎ ስለንግንዘብ እቲ ቚጽሪ ከምዝውስኽ ይግመት። ኣብዚ ፍሉይ ግርጭት ተራ ነጋዶ እንታይ’ዩ። ሓዲሽ ባጤራ ናቕፋ ካብ ዝቕየር ሓጺር ግዜ እዩ ገይሩ። ብመምርሒ ባንክ ከኣ ዝኾነ ሰብ 5, 000 ናቕፋ ጥራይ፣ ነጋዶ ከኣ ኣብ ወርሒ ዝተወሰነ ገንዘብ ጥራይ ከውጽኡ ይፍቀዶም። ስለዚ ውልቀ-ሰባት ነጋዶ በየናይ መለክዒ እዮም ብሚልዮናትን ኣማኢት ኣሽሓትን ገንዘብ ክሕዙ ኪኢሎም? ናቕፋ ይኹን ካልእ ኣርባዕተ ዓይነት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ክሕዙ መን ሂቡዎም እንታይ እዩ ዕላምኡ? መደምደምታ፦ ኣብ’ዚ ፍሉይ ዕላማ ዝብልዎ ወፍሪ መን ንመን’ዩ ክቆጻጸሮ? ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝካየድ ዘይሕጋዊ ንግዲ (ኮንትሮባንዶ) ይኹን ብጸሊም ዕዳጋ ዝካየድ ናይ ወጻኢ ሸርፊ (ሓዋላ) ብትካላት ህግደፍ ከምዝውነን ተቓሊዑ’ዩ። እቶም ቀንዲ ተዋሳእትን ተጠቀምትን ከኣ እቶም ናይ ቀረባ መሻርኽቶም ዉሑዳት ነጋዶ እዮም። ኣብ መጽናዕታዊ ሰነድና ናይ ውልቐ ነጋዶ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ዝርዝሩ፣ ብሰሌዳ ድማ ጠቕላላ ገንዘብ ብንጹር ተገሊጾም ኣለዉ። ብፖሊስ ጸጥታን ተፈቲሹ ከም መረጋገጺ ገበን ብኤግዚቪት ስለዝተታሕዘ፣ ተኸሲሶም ገበናዊ ሓላፍነት ኣይተሰከሙን። ብኣንጻሩ ግና ብሓጎስ ኪሻ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም። ምኽንያቱ ነጋዶ ንህግደፍ ሕቖ ገይሮም ብዘለዎም ዝምድናን እምነትን ቀዳምነት ይወሃቦም። ብዝረኽቡዎ ሓለፋ ድማ ህዝቢ ይምዝምዙ ሃብቶም የኻዕብቱ። ንነብሶም ከኣ ዝያዳ ሃገራውያን ሓሲቦም፣ ብትዕቢትን ጽጋብን ተሰንጢቖም ኣብ ዝኸዱዎ ቦታታት ከም ድላዮም ይገብሩ።

 

ንግዳዊ ረብሓታቶም ክረኽቡ ምስ ስለያዊ ንጥፈታት ክትኣሳሰሩ፣ ብጉልባብ ንግዲ ናይ ስርዓት ኤርትራ ኣገልገልቲ ክኾኑ ግድነት እዩ። ብዉሑዳት ነጋዶ ዝመሓላለፍ ስለያዊ ሓበሬታ ድማ ንዜጋታቶም ኣሕሊፎም ከምዝህቡ ዘረጋገጹ መርትዖታት ኣለዉ። ናይ ግዜ ጉዳይ ጥራይ’ዩ። ስለዚ ህግደፍን ዉሑዳት ነጋዶን የማናይን ጸጋማይን ጁባ ምዃኖም ብዘየማትእ ተረጋጊጹ ኣሎ። ስለዚ ንኢኮኖምያውን ጸጥታውን፣ ንፖለቲካውን ፕሮፓጋንዳውን ውዲታት ህግደፍን ነጋዶን ብመርትዖ ኣሰኒና ከነቃልዖ፣ ንህዝብና ድማ ከነፍልጦ ግዴታ ኣለና። ስለዝኾነ ኣወሃሂድና ብሽርክነት ክንሰርሓሉ ድማ ናይ ኩልና ዕማም’ዩ ኢልና ስለንኣምን፣ ንፍሉይ መጽናዕታዊ ሰነድና ንዝርግሖ ኣለና። እቶም ከይተሓለልኩም ትሰርሕሉ ዘለኹም ከኣ ምስጋናና እናቕረብና ክትቅጽልዎ ነተባብዕ። ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ በዚ ኣጋጣም’ዚ፣ ዉፉያትና ግዜኦም ሂቦም ሓያል ጻዕሪ ብምክያድ፣ ብተወፋይነትን ውሕሉል ኣገባብን ንዘቕረቡዎ ፍሉይ መጽናዕታዊ ሰነድ፣ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ግንባርና ከምዝተሓበና ብምግላጽ፣ ልዑል ምስጋና ድማ ከነቕርበሎም ንፈቱ። ብዕግበትና እዚ ኣገዳሲ ሰነድዚ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ፍሉይ ኣገዳስነት ከምዝህልዎ ንግምት። ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ኤርትራ!! ክፍሊ ዜናን ባህልን ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት!! ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ። መዘኻከሪ፦ ካብ ህዝብና ቅኑዕ ነቐፌታን ሃናጺ ምኽርን ስለንጽበ፣ ብኣድራሻና ክትልእኩልና ብኣኽብሮት ንሓትት!! Email: uedf2012@gmail.com ሓበሬታ፦ ፍሉይ መጽናዕታዊ ጽሑፍና ክቕጽል እዩ። ንሱ ናይ ጀነራል ፊሊጶስ ዋንነት ዝኾና መፍረ ጥሪት ኣብ መሬት ሱዳን ድንጉላ ዝበሃል ቦታ ምርባሕን መሸጣን የካይድ።

 

Image result for eritrean lowland people images

 

ናይ ፊሊጶስ ጥሪት ብከፊሉ፣ ምስ ክልተ ሰባት ብመርትዖ ብስእሊ ቀሪቡ ኣሎ። ቀዳማይ ጃብር መሓመድ ይበሃል። እቲ ካልኣይ ሳልሕ ኣሕመድ ዝበሃል ወዲ 14 ዓመት እዩ። ንሳቶም ብጀነራል ፊሊጶስ ገንዘብ ተኸፊሎም ነተን ጥሪት ዝጓስዩ እዮም። ኣብ ሱዳን ዝፈረያ ጥሪት ንስዑዲ ዓረብ እየን ዝሽየጣ። ናይ ወጻኢ ሸርፍን መኽሰብን ስለዘለዎ፣ ነቲ ንግዳዊ መሸጣ ጥሪት ዘወሃህዱ ካልኦት ሰባት ኣለዉ። ስለዚ ኣብ ዝቕጽል ጽሑፍና ዝርዝራቱ ብመርትዖ ኣሰኒና ከነቕርብ ስለዝኾና ምክትታልኩም ንዕድም።

ክሳብ ሽዑ ሰናይ ቕነ ይግበረልና ንኹልና!!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *