ሰሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብዓወት ተዛዚሙ::

ሰሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብዓወት ተዛዚሙ::

 

democrasia.org

 

15 ፖለቲካዊ ውድባት ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ብዝመጽኡ አቦ ወንበራትን መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ሃገራዊ ባይቶ ዝተሳተፍዎ ንምዕዋት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንራባረብ ብዝብል ጭርሖ ካብ ዕለት 05 መጋቢት 2016 ጀሚሩ ክካየድ ዝጸንሐ ሰሚናር ሎሚ ሓሙስ 10 መጋቢት 2016 ብዓወት ተዛዚሙ።

ተሳተፍቲ እዚ ሰሚናር አብቲ ዝቕረበ አጀንዳታት መሰረት ብምግባር ዉዕውዕ ክትዕን ዕቱብ ምይይጥን ድሕሪ ምክያድ አብ ሰለስተ ሰነዳት፥ ፖለቲካዊ ቻርተር፣ ሮድ ማፕን ሕገ ህንጻን ዘድሊ እርማትን ዳግማይ ምጽፋፍን ገይሮም። ከምኡውን አብ ከመይነት ኣስታትፋብዝምልከት አብ ምርድዳእ በጺሖም። ተሳተፍቲ ሰሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ሃገራዊ ባይቶ አብ ናይቲ ጉባኤ አውዳድባኡን አመዋውላን፣ታራ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ናይ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝምልከት አጀንዳውን ተዘራሪቦም።

አብዚ ሰሚናር ዘይተሳተፉ ወገናት ፖለቲካዊ ውድባት አብቲ ዝኽየድ ዘሎ መስርሕ ከርክቡ ዕድል ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ። አብ ኩሉ እቲ ሰነዳት ዘለዎም ርእዮቶውን ናብ አሰናዳኢት ሽማግለ ከስዕቡ ከምዝኽእሉ ተሳተፍቲ ሰሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብንጹር ገሊጹሎም።

ተሳተፍቲ እዚ ሰሚናር አሰናዳኢት ሽማግለ ንዝገበረቶ ዕድመን ኩሉ ምድላዋትን፥ ከምኡ ድማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ሓድነቱ ሓልዩ ክቕጽል አብ ምግባር አባላት ባይቶ ደለይቲ ለውጢ ይገብርዎ ንዘለው ምርብራብ ናእድኦም ገሊጾም።

ከምኡውን መንግስትን ኢትዮጵያ ንፍትሓዊ ዲሞክራሲያዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዎ ለውጢ ብፍላይ ክገብርዎ ዝጸንሑን ዘለውን ኩለመዳያዊ ምድግጋፍ ናእድኦም ብምግላጽ ልዑል ምስጋና አቕሪቦም።

ሰሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

10 መጋቢት 2016

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *