ኣብ ከሰላ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ህይወት ሓያሎ ሰባት ወሲዱ radio erena

  ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ሱዳን ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕልቕልዕ፣ ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ከምዝቐተለ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ። ሩባ ጋሽ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብምውሓዙ ዝፈጠሮ ዕልቕልዕ ዝተሃርመ ከባቢታት ከሰላ ብኣሽሓት ዝቑጸር ኣባይቲ እውን ከምዘዕነወ ተፈሊጡ።   በዚ ዕልቕልቕ ካብ ቤት ንብረቱ ዝተመዛበለ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ሱዳን ህጹጽ ናይ መግብን ካልእ መሰረታዊ ጠለባትን ከምዘድልዮ ይግለጽ። ዞባ […]

ሰራዊት እስራኤል ንስደተኛታት ዝገብሮ ሓገዝ ደው ከብል ተኣዚዙ radio erena

    ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፣ ሰራዊት እታ ሃገር ንስደተኛታት ዝገብሮ ሓገዝ ብቕጽበት ደው ከብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። ሚኒስተር ኣቪግዶር ለይበርማን ንሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኣብ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፣ ገለ ኣሃዱታት ሰራዊት ኣብ ትርፊ ግዚኦም ንስደተኛታት ዝገብርዎ ወለንታዊ ሓገዝ ኣድላዪ ከምዘይኮነ፣ ናይ ዕረፍቲ ግዚኦም ክጥቀምሉ እንተደልዮም ከኣ ንግዳያት ናዚ ክሕግዙ ይግባእ ኢሉ።   ኣባላት ሰራዊት እስራኤል ናይ ዕረፍቲ ግዚኦም […]

23 እሱራት ምስ 3 ሓለውቶም ካብ ቤት-ማእስርቲ መዕጥር ኣምሊጦም

ኣብ ሓለዋ እሱራት ተመዲቦም ከገልግሉ ዝጸንሑ 3 ወትሃደራት ን23 ሰባት ካብ ቤት-ማእሰርቲ መዕጥር ነጻ ኣውጺኦም ብለይቲ ኣብ ውሑስ ቦታ ኣብጺሖሞም ኣለዉ። እዚ ዕዉት ስርሒት’ዚ ዝተፈጸመሉ ዕለት ድማ 7/3/2016 ዓ.ም.ፈ. ኢዩ ነይሩ። ቤት-ማእሰርቲ መዕጥር ብዘይካ ዝምልከቶም ኣካላት፣ ካብ ካልእ ቦታ ንምብጻሕ ይኹን ብኡ ንምሕላፍውን ዘይፍቀድ ሕቡእ ቦታ እዩ። እዞም ኣብ ሓለዋ እሱራት ተመዲቦም ክሰርሑ ዝጸንሑ 3 […]

ፖሊስ ፈረንሳ ግዚያዊ መዕቆብ ስደተኛታት የዕኑ

ፖሊስ ፈረንሳ ስደተኛታት ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ግዚያዊ መጽለሊ ኣዕንዩ። እዚ ብተኸታታሊ ንመበል 30 ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ ምዕናው ግዚያዊ መጽለሊ፣ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣውዲቑዎም ከምዘሎ ተፈሊጡ።   ፈረንሳ ተኸታታሊ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምርኣያ መንግስቲ’ታ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብምውሳዱ፣ ነዚ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘካዪዶ ዘሎ ዘመተ ጸማም እዝኒ ምሃቡ ብተጣበቕቲ መሰላት […]

ኩነታት ተመሃሮ መበል 29 ዙርያ ሻቕሎት ፈጢሩ

    ተመሃሮ መበል 29 ዙርያ ዋርሳይ ይከኣሎ ስድራቤቶም ክርእዩ ስለዘይተፈቕደሎም፣ ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ናብ ኮሌጃት ዘእቱ ነጥቢ ዘይረኸቡ ብቐጥታ ናብ ተወርዋሪ እዚ’ዮም ክምደቡ። ስድራቤቶም ከይረኣዩ ምምዳቦም ዘይተቐበልዎ ሓያሎ ተመሃሮ፣ መሞሊቖም ፋሕ ይብሉ ከምዘለዉ ይግለጽ።   እቶም ናብ ኮለጃት ናይ መእተዊ ነጥቢ ዝረኸቡ […]

ኣህጉራዊ ትካል ኣምነስት ኢንተርናሽናል፡ ንኩነታት ስደተኛታት ዝምልከት መጽናዕታዊ ዋዕላ ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ከካየድ መዲቡ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። (Amnesty International)

  ጨንፈር ኣህጉራዊ ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ኢጣልያ፡ ካብ 3-10 መስከረም 2016 ኣብ ዘሎ መዓልታት ኣብ ከመይነት ስደተኛታት ኣመልኪቱ፡ ኣብ’ቲ ገና ንቡር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዘየረኸበ ናይ ኤርትራውያን ሬሳታት ተኾሚርሉ ዘሎ ደሴት ላምፐዱዛ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ከካይድ መዲቡ ከም ዘሎ፡ ኣስካ ኒውስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ካብ ከተማ ሮማ ሓቢሩ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ’ቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት […]

ቅልዕቲ ንጹር መልሲ እተሓትት መልእኽቲ ብወደባት ኤርትራ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ) ሚላኖ ኢጣልያ…. ዕለት 13/08/2016

    ባይቶ? ናይ መን? ብመን ዝተመረቐ ባይቶ? ምስ ዝብኢ እናተዋጋእና?… ውኻርያ ከይተዘንግዓና ንጠንቀቅ ዝበሎ ቻይናዊ ማኦ-ተሶንግ ምስ እዛ ዘመሓላልፋ ዘለኹ መልእኽቲ ክዝክራ ዘደረኸኒ፡ ኩነታትና ብዓለመለኻዊ ኣፍልጦ ኣብ ዝተጨማለቐ ሕስመት ከምዘሎ ንማንም ኩዉል ኣይኮነን እሞ፡ ናብዚ ዘብጽሓናኸ እንታይ ኢልና ንድሕሪት ምልስ ኢልና ክንመራመረሉ ግቡእን ቅጡዕን መልሲ ክንህበሉ ናይ ግድን እዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ. ሞይቱ ኢዩ… ቀብሩ ዝጽበ […]