ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

ኣብ ዓድታት ምምሕዳር ቤት መጣዕ ፉሉይ መለለዪ ቦታ ደቡባዊ ምዕራብ መሬት ገለባ ትማሊ 28 ግንቦት 2016 ሓደ መንእሰይ ኮነ ኢልካ ብሰለስተ ጠያይቲ ናይ ህግደፍ ወተሃደራት ከም ዝተቐተለ ምንጭታት ሓበሬታ ግሃድኤ-ሕድሪ ካብ እቲ ከባቢ ሓቢሮም፡፡ እቲ መንእሰይ ዝተቐተለሉ ቦታ ብቐጻሊ ጓሶት ጥሪቶም ሒዞም ዝውዕሉሉን ካብ ምንቅስቓስ ሰባት ዘየዕርፍን ቃልዕ ናይ መጋሃጫን ሕርሻን ቦታ ምዃኑ ወሃብቲ ሓበሬታና […]

ቃልሲ መስዋኣትን ስራሕን እምበር ትምኒት ኣይኮነን ዝሓትት።

  ህዝብናን ሃገርናን ዘለዎ ኩነታት ንማንም ስውር ኣይኮነን። ህግደፍ ዝሓበጠ ይተኮስ መን ኣብ ቅድመይ ሰብኣይ ኮይኑ እሕሕ ይብል? ዝብል ትምክሕቲ ተዓጢቑ ክሳብ ደቂ 70 ዓመት ኣብ ዘይዓቕሞምን ኣብ ዘይዕድሜኦምን ጠበንጃ ኣሰኪሙ ብወተሃደራዊ ዲስፕሊን ዝብሎ ንሱ ጅሆ ሒዙ ካብ ስድርኦም ኣርሒቑ የከላብት  ኣሎ፡፡ ክእለት ዝረኸበ ምስ ጥሪቱን ንብረቱን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ናብ ኢትዮጵያ ይግዕዝ ኣሎ፡” […]

ኮምሽን ምጽራይ ናይ ውዱብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ዕለት 23 ሰነ 2016 ንኻልይ ግዜኣ ጽሑፍ ጸብጻብ ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት እተረክበሉ መዓልቲ እዩ።

    united we stand ስለምንታይ ናብቲ ኣብ ዕለተ ሓሙስ 23 ሰነ 2016 ኣብ ጀነቫ ዝግበር ሰለማዊ ሰልፊ ንመጽእ? ነታ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እተጻሪ ኮምሽን ናይ ውድብ ሕብራት ሃገራት ደገፍና ሕብረትናን ንምርኣይ። 1. ኮምሽን ምጽራይ ናይ ውዱብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ዕለት 23 ሰነ 2016 ንኻልይ ግዜኣ ጽሑፍ ጸብጻብ ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ […]

መንግስቲ ሱዳን ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣረኪቡ Radio Erena: 26 May 2016

  መንግስቲ ሱዳን ናብ ሊብያ ንምስጋር እናተጓዓዙ ሒዘዮም ንዝበሎም ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብዚ ሰሙን እዚ ናብ ኤርትራ ከምዝመለሶም ላዕለዋይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ኣረጋጊጹ። እቶም ድሮ መንግስቲ ኤርትራ ተረኪብዎም ዘሎ ኣምኢት ስደተኛታት ኣብይ ቦታ ተታሒዞም ከምዘለውይ ዛጊት ኣይተፈልጠን። እቲ ውድብ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ብዘስፈሮ ጸብጻብ መሰረት፣ መንግስቲ ሱዳን ብዘይካ’ቶም ናብ ኤርትራ ዝመለሶም ኣማኢት […]

መንግስቲ ሱዳን ግፋ ኤርትራውያን ብዝልዓለ መልክዑ ይቕጽሎ ኣሎ Radio Erena: 27 May 2016

  መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ጀሚርዎ ዘሎ ግፋ ብዝልዓለ መልክዑ ይቕጽሎ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን መንግስቲ፣ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝርከብሉ ከባቢታት ገዛ ገዛ እናኣተዉ ከይተረፈ ተፍትሽ የካይዱ ምህላዎም እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣፍሊጦም። ፖሊስ ሱዳን ነዚ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ተኣዊጁ ዘሎ ግፋ እናተጠቕሙ፣ ካብ ስደተኛታት ብግቦን ካልእ ምኽንያታትን […]