
united we stand
ስለምንታይ ናብቲ ኣብ ዕለተ ሓሙስ 23 ሰነ 2016 ኣብ ጀነቫ ዝግበር ሰለማዊ ሰልፊ ንመጽእ?
ነታ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እተጻሪ ኮምሽን ናይ ውድብ ሕብራት ሃገራት ደገፍና ሕብረትናን ንምርኣይ።
1. ኮምሽን ምጽራይ ናይ ውዱብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ዕለት 23 ሰነ 2016 ንኻልይ ግዜኣ ጽሑፍ ጸብጻብ ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት እተረክበሉ መዓልቲ እዩ። ትጽቢት ናይቲ ጸብጻብ ድማ ብግቡእ ዝተመርመረን ዝተሰነደን፡ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ዘረድእ ክኸውን’ዩ። ኣገዳስነት እዚ ጸብጻብ ሓላፍነት ናይዚ ኩሉ ገበናት ዝስከሙ እቶም ነዚ ገበን ዝፈጸምዎ ጉጅለ ብመሰረት ደኩመንት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ገበን ወይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከምዝፈጸሙ ከርኢ እዩ።
2. እዚ ገበናዊ ክሲ፡ እቶም ብምጽናት ብዙሓት ንኣሽቱን ዓበይትን ኤርትራውያን ዝኽሰሱ ዘለዉ፡ ሓላፍነት ክወስዱሉ ዓቢ ብድሆ እዩ።
3. ነቶም ብሃንቀውታ ትጽበይዎ ዝነበርኩም ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ድማ ዓቢ ዜና እዩ። እዚ ገበናዊ ደኩመንትን፡ ኣብዚ ደረጃ ንምጻሕ ንነዊሕ ግዜ ዝሰራሕኩምሉን ትጽበይዎ ዝነበሩኩምን ስለዝኾነ፡ ዓቢ ስጉምቲ ንትግባረ ፍትሒ’ዩ። ኣብዚ ፍትሒ ንምድላይን ንምትግባርን ዝተጓዓዝኩሞ፡ እዚ ገበናት ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጻራይት ኮምሽን፡ ክምርመርን ክስነድን ዓቢ ዕድል ከፊትኩም ኢኹም። ናይዚ ዕድል ድማ ተጠቀምቲ ኮይናስ ድሮ ፍረ ንሪአሉ ዕለት በጺሑ።
4. ህግደፍ ድማ ነዚ ጻሕርታትኩም ኣጸቢቑ ስለዝፈልጦ፡ ካብዚ መጻወድያ ንምምላጥ፡ ምናልባት ኣብ ታሪኹ ዝዓበየ ሰላማዊ ሰልፊ ንምድላው ሓሊሙ ይዳለወሉ ኣሎ። እዚ ክዉን ንምግባር ነቶም ብረብሓን ምፍርራሕን ጅሆ ዝሓዞም ደገፍቱ ብጥብቂ፡ ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር መርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕብራት ሃገራት ንምግባር ጸዊዒታት ይገብር ኣሎ።
5. ዕላማ ህግደፍ፡ ነዚ ናይዛ ኮምሽን ጸብጻብ ንኸፍሽል’ዩ’ ደገፍቱ’ውን ብንጥፈት የንቀሳቅስ ኣሎ። ብኣማኢት ኣሸሓት ዝግበት ብምፍርራሕ ዝተመልአን ዝተፈረመን ፎርም ተቓውሞ ነዛ ኮምሽን ናብ ሕብራት ሃገራት ይሰድድን ክሰድድ ድማ ይዳሎን ኣሎ።
6. ኩልኻ ደላይ ፍትሒ ኣብዚ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰላማዊ ሰልፊ 23 ሰነ 2016 ብምምጻእ፡ ደገፍካ ነዛ መርማሪ ኮምሽን ክትህብ፡ ኣብ ጎድኒ ኣእላፋት ግዳያትን ውጹዓትን ዜጋኣትካ ደው ክትብልን ይግባእ። እዚ ድማ ንህግደፍን ደገፍቱ ድሕሪ ሕጂ ሓሶት ኣብቒዑ እዩ፡ ክሳብ መዓስ ብድሒሪ ገበናትኩም ክትከወሉ ዝብል ግቡእ መልሲ ተመሓላልፍ ኣለኻ። ብተወሳኺ ኣብዚ ብምምጻእ ካብ ተነጽሎን ስቅታን ከምዝተገላገልካ ኣርእዮ፡ እወ ድሕሪ ደጊም ክሳብ ፍትሒ ዝመጽእ ንፍትሒ ከምዝተላዓልካ ኣርእዮ።
7. ኣብ መደምደምታ ከም ብዝሒ ተሳትፎና ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ማዕረ ክንደይ ግዳያት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘለዉ ንጹርን ዓቢ ስእሊን ንውድብ ሕብራት ሃገራት ከም መራጋገጺ ምስክርነት እነርእየሉ እዩ። በዚ ናትና ተሳትፎ ምስክርነቱ ዘረጋገጸ ውድብ ሕብራት ድማ ንዝቅጽል ዝለዓለ ውሳነ ኣንጻር ህግደፍ መንገዲ ክኸፍት እዩ። ስለዚ እዚ እቲ ዝዓበየ ዕድል ዝተፈጥረልና ኲይኑ፡ ንውድብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘየዳግም ውሳነታት ከሕልፍ እንጽወዓሉ ዕለት እዩ። ብፍላይ ድማ ነቲ ናይ COIE ጸብጻብ እቶም ተግበርቲ ዓመጽ ምስ ፍትሒ ገጽ ንገጽ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ጸዊዒትና ነቅርብ።