
ጭፍራ ህግደፍ ከም ወትሩ ኩሉ መሳርሒ እንዳተጠቐመ ድግዲጊት ተዓጢቑ
ህዝቢ ንምብዳል ውራየይ ኢሉ ሒዙ ይቕጽሎ ኣሎ
ጭፍራ ህግደፍ ንቡር ከሊኡ ዘይንቡር ንቡር ንኽገብር ዝጽዕር ዘሎ ጭፍራ እዩ። ንመንእሰያት ኣብ’ቲ ውልዶ ዕድምኦም ወሲዱ እቲ ንቡር ከም ዘይነበረ እቲ ዘይንቡር ከኣ ከም ቅቡል ክውሰድ ዝምህር ዘሎ ጉጅለ እዩ። ኣብ ዓለም ከም’ዚ ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ። እስከ ገለ ካብ’ቲ ዘይንቡር ስራሕ ጭፍራ ህግደፍ ከም ኣብነት ንመልከት፡-
- ዓለም ምሉእ ዝፈልጦን ዘረጋገጾንብሰንኪ መገዲ ጥፍኣት ዝሓዘ ፖሊሲ ጭፍራ ህግደፍ ህዝብና ብሓፈሻ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ ኣብ ሓፍ ዘይብል ታኼላ ናይ ጸገም ተሸሚሞም ንብዙሕ ሽግራትተቓሊዖም ይርከቡ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዙሓት ሓቦ ዝተዓጠቑ/ቓ ኤርትራውያን ዝከኣል ሓገዝ ንምብርካትይነጥፉ ከም ዘለዉ ናይ ናይ “ሶሻል መዲያ” ናይ ዘና ማዕከናት የቃልሕዎ ኣለዉ። ካብኣቶም ኣብ ናይ ግብረ-ሰናይ ስራሓት ዝነጥፉ ሰባት ሓንቲ ዶ/ር ኣልጋነሽ ፍስሓ ጋንዲ ትብሃል። ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ነዚ ናይ ግብረ ሰናይ ስራሕ ኣለልዮም ዝግባእ ናይ ጽቡቕ ስራሕ ምስጋና ዝገልጽ ሽልማት ንምሃብ ውድድር ክካየድ ቀንዩ። “ኣዲኣ ገዲፋ ሓትንኣ ትናፍቕ” ከም ዝበሃልናይ “ሶሻል መዲያ” ማዕከናት ከም ዝሕብርዎ ጭፍራ ህግደፍ ዝለኣኽዎም ኰራኹር ንኤርትራውያን ምሕጋዛ እምበር ካልእ ኣበሳ ዘይብላ ዶ/ር ኣልጋነሽ ክትሽለም የብላን ብዝብል ዓቢ ወፈራ ከካይዱ ቀንዮም። ይኹን እምበር በቲ ርኡይ ናይ ግብረ-ሰናይ ስራሓታ ብኣሕዋታን ኣሓታን ሃገራውያን ኤትራውያን ማእኪላ ወላ እኳ ኣጋጣሚ ኰይኑ እቲ ሽልማትዝበሃል እቶም ቀንዲ ወሰንቲ ኣካላት እንተዘይሃብዋ ናይ ኣሕዋታን ኣሓታን ሽልማትስ ወሰደታደኣ። ስራሕ ጭፍራ ህግደፍን ሰዓብቶምን ግና እዚ ሕማቕ ስጉምቲ እዩ፡ ንገበናዊ ስራሓትና ዘቃልዕ እዩ ብምባል ክዕንቅፉ ብምሉእ ልቦም ተጓይዮም እዮም። ካልእ ደኣ እንታይ ምኽንያት ኣለዎም? ብዝዀነ ግን ንዶ/ር ኣልጋነሽ ፍስሓ ጋንዲ እንቋዕ ሓጎሰኪ፡ ነቶም ከይሰልከዩ ናይ ሓባር ስራሕ ጸረ-ሽርሕታት ጭፍራ ህግደፍ ዘሰላሰሉ ብኤርትራውያን ድማ እንቋዕ ደስበለኩም።
- 2. ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ኤርትራ ከም ዝሓበርዎ፡ ብዕለት ሓደ ጥቅምቲ 2017 ጭፍራ ህግደፍ ስልጠና ዝብሎ ክወስዱ ካብ ዝወረዱ ኣስታት 10 ሽሕ ዝኾኑ ናይ 27, 28, 29, 30 ዙራት ኣባላት ንሕና ተመሃሮ ኢና ከምዚ ዓይነት ስራሕ ውጽኢትን መወዳእታን ዘይብሉ ስራሕ ኣይንሰርሕን ኢና ስለ ዝበሉ መራሕ ጭፍራ ህግደፍ ንብምሉኦም ኣኪቡ ኣብ ኣፍዓበት ከም ዝእሰሩ ገይሩ ኣሎ። ህዝብና ተመልከት ክመሃሩ ኢሎም ዝኸዱ መንእሰያት ተመሃሮ ከመይ ገይሩ ናብ ናይ “ባርነት ስራሕ” ከም ዝቕይሮም ንርኢ ኣለና። እዚ ስራሕ እዚ ስለ ምንታይ ኮን ይኸውን?
- ሓደ ካብቶም ዕላማታት ጭፍራ ህግደፍ ህዝብና ደኺሙ፡ ፈሪሑ፡ ጠምዩ ወዘተ መሰሉ ከምዘይፈልጥን ቀጺሉ ድማ ከምዘይሓትትን ንምግባር ኩሉ ግዜ ከም ዝጽዕር ርዱእ እዩ።ሓደ ካብቲ ዝገበሮ ነገር ቁጠባዊ ቊጽጽር ምግባር እዩ። ንኣብነት ወላ እቶም ቁሩብ ቁራቦ ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ከይተረፈ ክቈጻጸሮም ኣዝዩ ዘስደምም ዝኾነ መምርሒ ከም ዘውረደ ይፍለጥ። ንሱ ከኣ ዝዀነ ሰብ ካብ 5000ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ካብ ባንክ ከውጽእ ከምዘይክእል ዝብል እዩ። ብሰንኪ እቲ ናይ 5000 ሽሕ ናቕፋ ዝፍቀድ መምርሒ መራሒ ጭፍራ ህግደፍ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ነቲ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኣእትይዎ ይርከብ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብ’ዚ እዋን’ዚኣብ ኣሃገርና ካብ ናይ 2008 ዓ.ም. ዝኸበደ ናይ ጥምየት ቅልውላው ኣንጸላልዩ ከም ዘሎ ከኣ ይፍለጥ።
- ኣብ መወዳእታ ክጥቀስ ዝግብኦ ኣብ ሃገርና ዝርከብ ካልእ ጸገም ኣሎ። ንሱ ከኣ ብፍላይ እቲ ሓዲሽ ኣወዳድባ ንሲቪላዊ ኣመሓደርቲ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ክእዘዙ ከም ዘለዎም ምግባር እዩ። እዚ ስራሕዚ ድማ ንገለ ኣመሓደርቲ ስለ ዘተሓሳሰቦም ንህዝቢ ክሕብሩ ዝፍትንሉ ዘለዉ እዋን ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ። በዚ ዝረዓደ ጭፍራ ህግደፍ ነቶም ምልዕዓል ይገብሩ ኣለዉ ኢሉ ዝጠርጠሮም ኣመሓደርቲ ይእሰሩ ኣለዉ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ጭፍራ ህግደፍ ሰባት ናይ ምእሳር ንጥፈታት ብትግሃት ዝሰርሕ ኣካል ምዃኑን ናይ መፍለጢኡ ሕላጋቱ ምዃኑን ከኣ ይፍለጥ።ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት
ግሃድኤ-ሕድሪ
06-10-2017