መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሓዲሽ ፖሊሲ ክኽተል ከምዝወሰነ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣፈኛ እቲ ሚኒስተር ኣቶ መለስ ኣለም ብሓሙስ 14 መስከረም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ስግኣት ኣብ ዘይኮነሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ ድሕሪ ምባሉ፣ ምስ ህሉው ኩነታት ብምዝማድ፣ ሓድሽ ፖሊስ ምኽታል ኣድላዩ ምዃኑ ጠቒሱ።
ኣቐዲማ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ውሽጣዊ ዓቕሚ ብምሕያል ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እተካየዶ ተጻብኦታት ምግታእ፣ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ምፍጣርን ኣድላዩ ኣብ ዝኾነሉ ድማ ተመጣጣኒ ስጉምታት ምውሳድን ዝብሉ ሰለስተ ፖሊሲታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክትክተሎ ከምዝጸንሐ ዝሓበረ እቲ ኣፈኛ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና መንግስቲ ሓድሽ ፖሊሲ ክኽተል ከምዝወሰነ ኣገንዚቡ።
ይኹን’ምበር እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክኽተሎ ወሲኑ ዘሎ ሓድሽ ፖሊስ እንታይ ምዃኑን መዓስ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕልን ኣየነጸረን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሓድሽ ፖሊሲ ክኽተል ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እታ ሃገር፣ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማሊን ሓያል ናዕብን ግጭትን ኣብ ጎሃሃረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።
Radio Erena.