
ጭፍራ ህግደፍ ሕማሙ ተላዒልዎ ንኣመንቲ ገለ ሃይማኖታት ኤርትራውያን ዜጋታት
ይኣስርን ይስውርን ኣሎ
ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ኣህጉራዊ ሰነዳት ሰፊሮም ክኽበሩ ዓለም ምሉእ ዝቃለሰሎም መሰረታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝመረጽካዮ እምነት ምኽባር እዩ። ደቂ-ሰባት ብዘይፍርሓት ምዩቚ ከይበሉ ሃይማኖታዊ እምነቶም ክኽበረሎም ይግባእ። ጭፍራ ህግደፍ ፖለቲካዊ ድዩ ወላ ሃይማኖታዊ ሓዘል ሓሳቡ ክገልጽ ዝኽእል ሰብ ኣብ ኤርትራ ዝዀነ ይኹን ኣካል ከም ዘየሎ ዓለም ምሉእ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። እዚ ጉጅለ እዚ ብቀዳምነት ዝርእዮ ናእዳን ናይ ኣድናቖት መዝሙርን ዝገብር ጥራሕ እዩ ከም ናቱ ገይሩ ዝወስዶን ዝርእዮን። ብዝተረፈ ከምኡ ዘይገበረ ኣብ ምልክት ሕቶ እዩ ዝኣቱ። ኣብ ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን ጭፍራ ህግደፍ እዚ ዘይገብር እንተዀይኑ መን እዩ ብዘየገድስ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ብዝዀነ ይኹን ኣገባብ ክምብርከኽ እንተኣበየ ከኣ ክሳብ’ውን ክጠፍእ እዩ ዘለዎ። ስለ’ዚ እምበኣር ጭፍራ ህግደፍ ዝዀነ ንትእዛዛቱ ዝዕንቅፍ ወይ ናይ ኣይቅበልን ዝመስል ምልክት ዘርኢ ኣካል ብቕጽበት እዩ ኣብ ልዕሊኡ ዓማጺ ስጉምቲ ዝውሰደሉ። እዚ ተግባር እዚ ግሉጽ ሕላገት ጭፍራ ህግደፍ እዩ።
ጭፍራ ህግደፍ ኩሉ ግዜ ኣብ ፍርሕን ስግኣትን ስለ ዝነብር ንዝዀነ ምትእኽኻባት ኣይኣምንን እዩ። ወላ እምነታቶም ተኸቲሎም ምስ እግዚኣብሄሮም ክራኸቡ ጸሎት ምስ ዝገብሩ እምነት የብሉን። ስለ ዝዀነ ኣብ ሃይማኖታት ኢድ ኣእትዩ መን ይድግፎ መን ኣይድግፎን ሃሰስ እዩ ክብል ዝውዕል። ዝዀነ ይኹን ከየገደሶ ስርሑ ጥራይ ዝገብር እንተዀይኑ ህግደፍ ኣይጻወርን እዩ። ብዝዀነ መገዲ ንመራሕቲ ኣመንቲ ምስልምና ኰራኹሩ ክገብሮም ብዙሕ ጽዒሩ እዩ። ንግዜኡ ከኣ ገለ ዝረኸበ ይመስል ኣሎ። እንተዘይረኺቡ ወይ ብካልእ ኣዘራርባ እምነቶም ብነጻ ክፍጽሙ ምስ ዝርከቡ ከኣ መራሕ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዘይድቅስ ክፍለጥ ይግባእ።
ቀጺሉ ንኣመንቲ ክርስትና ማለት ንቤት ክርስትያን ተዋህዶ ኣብ ቊጽጽሩ ከእቱ ይኹን ከምበርክኽ ጉጅለ ህግደፍ ብዙሕ ጽዒሩ፣ ጌና ከኣ ይጽዕር ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ብስም ሃይማኖት ደጋፍን ተቛዋምን ተባሂሉ ዝግበር ዕግርግር ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ። መልእኽተይ ንፈጣርየይ እዩ ብምባል ስርሖም ንዝገበሩ፣ ዝተወጽዐ ርእዮም ዓገብ ንዝበሉ ናይ ኤርትራ ፓትሪያርክ ካብ ቊጽጽረይ ወጺኦም ብምባልንዓሰርተ ዓመታት ከም ዝሓየሮምን ኣምሳይኦም ድማ ኣብ ዓለም ተገይሩ ዘይፈልጥ ካልእ ፓትሪያርክ ክምረጹ ከም ዘለዎም ዝገበረ ህግደፍ፣ ኣብ ዓለም በዚ ነውሪ’ዚ ከም ዝልለ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ፓትሪያርክ ብፍጹም ኣይቅየርን እዩ። ፓትሪያርክ ካብ ዝተዋህቦም ሓላፍነት ዝፍለዩ ወይ ዘልግሱ ወይ ሃይማኖቶም ምስ ዝቕይሩ ወይ ከኣካብዛ ዓለም እዚኣ ብሞት ምስ ዝፍለዩ ጥራሕ እዮምቅያሮም ዝመጽእ። ብካልእ ክቕይሮምን ክኣስሮምን መሰል ይኹን ስልጣን ዘይብሉ ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ዓለም ተገይሩ ዘይፈልጥንክቡር ፓትሪያርክ ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ኣሲርዎም ከም ዝነበረ ጽሓይ ዝሃረሞ መሪር ሓቂ እዩ። ሓዲሽ ነገር ከም ዝገበረንከም ዝፈጠረንንኽመስል ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ግን ካብ ማሕዩር ኣውጺእዎም ይርከብ። ነዚ ኣጸያፊ ተግባራት ህግደፍ ድማ መራሒ ህግደፍ ሓዲሽ ነገር ከም ዘበርከተ ክዕለለሉ ይስማዕ ኣሎ። ህዝብና ካብ’ዚ ንላዕሊ ንዕቀት እንታይ ከጋጥሞ ይኽእል? ክፍለጥ ዘለዎ ንሓደ ምንዓቕ ማለት ንኹሉ ምንዓቕ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።
ካልኦት ናይ ክርስትና እምነታት ከም ጅሆቫ ዊትነስ ድማ ጭፍራ ህግደፍ ብዝደልዮ መገዲ ስለ ዘይከዱ ኤርትራዊ ዜግነቶም ከም ዝተሓድጉ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባ መሰረታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ስለ ዘይምልከቶ እምበር ብዘይካ ናይ ነጻ እምነት ምህላዊ ካልእ ኣካል ሰብኣዊ መሰል ዝዀነ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዘይ ዜግነት ክነብር የብሉን ዝብል መሰል ከም ዝጠሓሰ ፍሉጥ እዩ። ነዞም ናይ ጅሆቫ ዊትነስን ጰንጠ-ቆስጠን ናይ ክርስትና እምነታት እዚኣቶም ዝኽተሉ ኤርትራውያን ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይተጸዓድሉ ኩሉ ግዜ ክከታተሎም እዩ ዝርአ። ኣብ ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ዝወሃበሉን ጸሎት ዝግበረሉን ቦታታት እንዳተኸታተለ ከጐሳቒሎም ከም ዝጸንሔ ዝሓለፈ ግዜ ባዕሉ ይምስክሮ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ድማ ጭፍራ ህግደፍ ሕማሙ ተላዒልዎ ነቶም ክጽልዩን መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡን ዝረኸቦም ኣመንቲ ክርስትና ሃይማኖት ናይጅሆቫን ጰንጠን ጥራሕ ዘይኰነስ ገዛ ገዛ እንዳኸደ ንምሉኣት ስድራ ቤት ገፊፉ ክኣስርን ንገሊኦም ከኣ ይስውሮምን ኣሎ። ክሳብ ሕጻናት ምስ ወለዶም ዝፈላለይሉ ማለት ገለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወለዶም ዝዳጐንሉ ገለ ከኣ ካብ ስድርኦም ተፈልዮም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ዝሳቐይሉ ኲነታት ተፈጢሩ ከም ዘለዉ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝመጻና ሓበረታ ብርጉጽ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ!
ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት
ግሃድኤ-ሕድሪ
25-07-2017