“ጥምጥም ኣብ ሞንጎ ህግደፍን ሰብ-ሕልና ጀጋኑ ደቂ-ሃገርን ኣብ “ዲያስፖራ”
ህግደፍ ነቲ ኣብ ግዜ ነጻነታዊ ቃልሲ ዝነበረ ኲነታትን ግሩህ ኣተሓሳስባ ህዝብናን ተበሊጹ፣ መዘና ዘይብሉ ገንዘብን ካልእ ናይ ህዝቢ ንብረትን ክገፍፍ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። ድሕሪ 1991 እውን እንተዀነ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እንዳተፈጠረ ካብ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣካል ህዝብና ዝዀኑ ኤርትራውያን ገንዘብ ክእክብ ከም ባህሊ ወሲዱ ዋና ስርሑ ገይሩ ቀጺልዎ እዩ። ጌና’ውን ይቕጽሎ ኣሎ። እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ግን እቲ ዝእከብ ገንዘብ ንረብሓ ህዝብን ንልምዓት ሃገርን ክንዲ ዝኸውን፣ ብኣንጻሩ ህግደፍ ብዓመጽ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ህዝቢ ስልጣን ንኸይሕደግ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ “ዲያስፖራ” ዝቃወምዎ ኣካላት እንተለዉ ሃሰስ ንኽብለሉ ኢሉ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝኣከቦ ገንዘብ ኣብ ናይ ስለያ ስራሓት ከም ዘውዕሎ ይፍለጥ። ብካልእ ወገን ድማ ብሰንኪ ገባቲ ፖሊሲ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ብሽሓት ዝቚጸሩ መንእሰያትና ተስፋ ስኢኖም ዝፈትዉዋ ሃገሮምን ህዝቦን ጠንጢኖም እግሮም ናብ ዝመርሖም ናብ ወጻኢ ከም ዝኸዱ ኰይኖም ኣለዉ። እቲ ዘይሓፍር ጸረ-ህዝብን ሃገርን ዝዀነ ህግደፍ ድማ ነዞም ሃገሮም ገዲፎም ዝወጽኡ ዘለዉ መንእሰያትና ብውሕዱ ንኽልተ ምኽንያታት ደድሕርኦም እንዳ ኸደ ከሳቕዮም ይርአ ኣሎ። በቲ ሓደ ወገን ካብ ሃገሮም ምስጓጒ ከይኣክል፡ ኣብ ወጻኢ’ውን ተወዲቦምን ሰሚሮምን ሕቶ ህዝቦምን ሃገሮምን ንኸይምልሱ ፋሕ ብትን ንከእትወሎም ዘይፍንቅሎ እምኒ የልቦን። በቲ ካልእ ድማ ብዝዀነ ዘይኰነ ምኽንያት ጠጠቒሙ ካብ’ቶም ንሃገሮም ክቦ ደርቢዮምላ ዝወጽኡ ኤርትራውያን ገብዘብ ክዘምት ላዕልን ታሕትን ክብል ይርአ። ህግደፍ ገንዘብ ናይ ምእካብን ናይ ምድንጋር ውደባታትን ንጥፈታቱ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ግዜ ሓጋይ (ብሃገርና ክረምቲ) እዩ ዝገብሮ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ዝተፈላለያ “ስተይትስ” ናይ ኣመሪካን ከምኡ’ውን ዝተፈላለያ ናይ ኣውስትራልያ ከተማታት እንዳተዘዋወረ ወፈራታት ከም ዘካይድ ይፍለጥ። እቲ ሰራም ሜልኡ ድማ እቲ ምፍልላይ ከም ውርሻ ናብ መንእሰያት ከምሓላልፎ ለይቲ ምስ መዓልቲ ይጽዕር ምህላዉ እዩ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንዳሃለወ ከሎ ግን፣ ከም’ዚ ልዕል ኢሉ ዘሎ ስእሊ ዘመልክቶ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና (ዲያስፖራ) ሕጅስ ቀይሕ መስመር ሓሊፍካ ህግደፍ ይኣክል ኢሉ ክብድሆ ይርአ ኣሎ። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ብፍላይ ብዙሕ ዕዉታት ዝዀኑ ብድሆታት ንህግደፍ ይገጥሞም ከም ዘሎ ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሆላንድ ዝተገበረ ናይ ጀጋኑ ሃገራውያን ስራሕ ብጣዕሚ ምስጉንን ኣብነታውን ዝዀነ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ። ድሕሪኡ ንህግደፍ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ተመሳሳሊ ብድሆታት ገጢሞሞ እዮም። እከይ ተግባራት ህግደፍ እንዳተኸሽሐን እንዳተዓናቐፈን ከምኡ’ውን ህዝቢ ከኣ መቐጸልታ ናይ’ዚ ብድሆታት እዚ፣ ዝበጽሓና ሓበረታ ከም ዘመልክቶ፣ ትማሊ (ዕለት 08-07-2017) እውን ኣብ ጊሰን ዝበሃል ከተማ ጀርመን ህግደፍ ተሓቢኦም ገንዘብ ናይ መአከቢ “ፈስታ” ክገብሩ ኣብ ዝወጠንዎ ግዜ ሰብ ሕልና ጀጋኑ ዝዀኑ ኤርትራውያን ብዓቢ ፍናን ሓቦን ሓደ ዕዉት ዝዀነ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ ስራሕ ህግደፍ ከም ዝተዓናቐፍ ገይሮም ኣለዉ። ነቲ ናይ ህግደፍ “ፈስታ” ናይ ምግባር ስራሕ ከም ዝዘረግዎ ይፍለጥ። ኣብ’ቲ ዝተጠቕሰ ሰላማዊ ንገባቲ ስራሓት ህግደፍ ዘቃልዕን ክሳብ ክንደይ ህግደፍ ጸረ- ሰባኣዊ መሰላት ምዃኑን ዘረጋግጹ ዝተፈላለዩ መደረታት ቀሪቦም እዮም። ኣብ’ቲ ዕዉት ዝዀነ ሰላማዊ ሰልፊ ሰበስልጣን እቲ ከተማ ማለት ከንቲባ ናይ’ቲ ከተማን ኣባላት ናይ ገለ ፖለቲካዊ ፓርትታት ጀርመንን ከይተረፈ ተሳቲፈሞ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ደገፍ ቃሎም ከም ዘስምዑ እቲ ሓበረታ ወሲኹ ኣብሪ ኣሎ። ትሕዝቶ ናይ’ቲ ዝቐረበ ናይ ደገፍ መግለጺ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ይኹን ፖለቲካዊ መሰላት ዝድህኽ ስርዓት ከም ዘሎን ከም ዝፈልጥዎን ድሕሪ ምብራህ እዚ ቦታ’ዚ ናይ ምልኪ ንጥፈታት ክካየድ ዘተኣናግዱ ናይ ውልቀ-ሰባት ትካላት እዮም፣ መንግስቲ ዘይፈልጦ ከኣ እዩ ብምባል ናይ ደገፍ ቃሎም ኣስሚዖም።

ድሕሪ ሕጂ ግን ከም’ዚ ዝበለ ናይ ምልካዊ ስርዓት ረብሓ ዘሳሲ “ፈስታታት” ኣብ ሃገርና ከይግበር ክንከታተል ኢና ብማለት ነቲ ሰልፈኛ ኣረጋጊጾምሉ እዮም። ወይጦታት ናይ ህግደፍ ድማ ሕፍረቶም ተጐልቢቦም ኣብ ዝኣትዉዎ ከም ዝጠፍኦም ዝያዳ ተስፋ ቈሪጾም ከም ዘለዉ እቲ ሓበረታ ወሲኹ ኣብሪሁ ኣሎ።
ብካልእ ወገን ብዝረኽብናዮ ሓበረታ መሰረት ኣብ ራይዝቫይክ (Rijswijk) ዝበሃል ከተማ ኣብ ሆላንድ ብመደብ ዝተታሕዘ ናይ ህግደፍ ናይ ምድንጋር “ፌስታ” ንዕለት 15-07-2017 ይዳሎ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። ነዚ እውን እንተዀነ ጀጋኑ ተጣበቕቲ ፍትሒ ደቂ ህዝቢ ብስርዓት ይዳለውሉ ከም ዘለዉ ጽጹይ ዝዀነ ሓበረታ ኣሎ።
ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ!
ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት ግሃድኤ-ሕድሪ
09-07-2017