ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

Image result for eritrean national salvation front hidri logo image

መልክዕ ህግደፍ ብተግባር ኣብ ውሽጢ ሃገር

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኩሉ ናይ ህዝቢ መነባብሮ ኢድ ብምእታው ገቢቱ ሒዝዎ ከም ዘሎ ርጉጽ እዩ። ሓደ ካብ’ቶም መሰረታውያን ረቛሕቲ ባእታታት ቊጠባ መሬት ምዃኑ ይፍለጥ። ይኹን እምበር እቲ ታሪኻዊ ዝዀነ መሬት ትሕዝቶ ሓገርና ክርአ ከሎ፣ መሬት ናይ ደቀባት ዝዀኑ ዋናታቱ እዩ ነይሩ። ኣብ ዓዲ ህግደፍ ግን ኩሉ መሬት ካብ ዋናታቱ ኣሕዲጉ ብምህጋር ኣብ ኢዱ ኣእትዩዎ ይርከብ። ቅድሚ ሳልስቲ ቶርዓ ኣብ ዘለዉሉ ሓደ ሓዝየን ዝበሃል ቦታ ጉጅለ ህግደፍ ስለ ዝደልዮ ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ህዝብና (ቶርዓ) ካብ’ቲ ቦታ ክለቁ ኣዚዙ ኣሎ። በዚ ናይ መሬት ጸገም ምኽንያት ቶርዓን ጉጅለ ህግደፍን ኣብ ወጥሪ ኣትዮም ተሰሓሒቦም ኣለዉ። ህግደፍ ከኣ ከም ኣመሉ 2 በጦለኒ ሰዲዱ እዚ መሬት ክትገድፍዎ ኣለኩም ምስ በሎም እቲ ህዝቢ ድማ ኣይከውንን እዩ ኢሉ ኣብ ከቢድ ዕግርግር ኣትዮም ኣለዉ። ካብ’ቲ ህዝቢ ከባቢ 30 ዝዀኑ ጓሶትን ሓረስቶትን መንእሰያት ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣበይ ከም ዝኣተዉ ኣይተፈልጠን ኣሎ። እቶም ዝተረፉ ኣብ’ቲ ከባቢ ዓድታት ዘለዉ ሽማግለታት ተኣኻኺቦም ኣብ’ታ ግደፍዋ ዝተባህሉዋ መሬት ኮፍ ኢሎም ኣለዉ።
ህግደፍ ሓደ ካብ’ቲ መሰረታዊ ጥበብ ምምሕዳሩ ፈላሊኻ ወይ ኣባኢስካ ከም መንጎኛ ኰንካ ምቕራብ እዩ። ነዚ ብቀጥታ ዝገልጽ ሓደ ተረኽቦ ንርአ። ቅድሚ ሰሙን ኣብ ማይ ሰርዋ ኣኼባ ክ/ሰራዊት ክካየድ ቀንዩ። ኣብ’ቲ ኣኼባታት ከኣ ብዙሕ ዘይምስምማዕ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። ተኽለ ማንጆስን ምስ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 12 ዝብልዎ ወዲ ጸሃየን ኣብ ከቢድ ምስሕሓብ ኣትዮም ክሳብ ምጽርራፍ’ውን በጺሖም ኣለዉ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ዚ ከኣ ፍሊጶስ ንወዲ ጸሃየ ተኽለ ማንጆስ ዘይፈልጦ ስራሕ ክስራሕ መምርሒ ሂብዎ። ወዲ ጸሓየ ድማ ነቲ መምርሒ ተኸቲሉ ኣተግቢርዎ። ድሒሩ ተኽለ ማንጆስ “መን እዚ መምርሒ ሂቡካ ተፈጽሞ” ምስ በሎ ወዲ ጸሃየ ከኣ ባዕልኻ ትፈልጥ። እዚ ካብ ፍሊጶስ ዝመጽአ እዩ ኢሉ መሊስሉ። በዝን ወከም’ዝን ኣካታዒ ኰይኑ ጉዳይ ኣብ መንጎኦም ኣብ ባእሲ ኣትዮም ኣሎ። ከም’ዚ ዓይነት ኣሰራርሓ መጀመርያ ጽገም ከም ዝፍጠር ምግባር ድሓር ከኣ ዓራቒ ኰንካ ምቕራብ ሕላገት ኣሰራርሓ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ እዩ።
ካልእ ካብ ሕላገት ህግደፍ ብልሽውና እዩ። ኣብ ዝተጠቕሰ ኣኼባ ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ ኣዛረብቲ ዝዀነ ከኣ “ንሕና ዘየጣየስናዮም ኣባላት ናይ መጣየሲ ወረቐት ሒዞም ጸኒሖም እዚ ከኣ ካብ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሕጋዊ ዝተዋህቦም እዩ። ከመይ ገይሩ እዚ ይኸውን?” ምስ ተባህለ ፍሊጶስ ብፈኸራ እዚ ክንርእዮ ኢና ኢሉ ደምዲምዎ።
ጉጅለ ህግደፍ ካልእ ካብ ዝፍለጠሎም ነገር ከኣ ንደቂ-ሰባት ሞራል ኣውዲቕካ ተመለኽቲ ከም ዝዀኑ ምግባር እዩ። ምድስካል ከኣ ይብልዎ። ኣስመሮም ገብረእጋብሄር “ስታፍ” ኣጽዋር ምምሕዳር ዝነበረ ብዘይ ፍሉጥ ምኽንያታት ኣብ’ዚ ሳልስቲ ደስኪሉ ጃለ ጠጠው ኢሉ ይርከብ። ቦትኡ ከኣ ክሳብ ሕጂ ዝትክእ ኣይተመደበን። ብዓቢኡ ህግደፍ ኣብ ዕግርግር ጥራሕ እዩ ክነብር ዝኽእል። ስለ ዝዀነ ኣብ ዶባት ኣብ ነፍስ-ወከፍ ድፋዕ ዘለዉ ኩሉ ግዜ ድልዋት ክዀኑ ብረቶም ከኣ ኩሉ ግዜ እሱር ክኸውን ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ ይፍለጥ።
ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ!
ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት ግሃድኤ-ሕድሪ 27-06-2017

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *