ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

hidri

ሓጺር ሓበረታ ብዛዕባ ሓለፍቲ ሰራዊት ህግደፍ

እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ተፈጢሩ ዘሎ ኲነታት ብሓፈሽኡ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ሓበረታ ብኣብነታት ክገልጾ ከሎ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ምክልኻል ህግደፍ ከበቲ ወጥርታት ኣለዉ።  ገለ ካብ’ቲ ዝያዳ ዘዋጥሮም ዘሎ እንታይ እዩ? እንተተባህለ ኣብ ውሽጢ ገለ ሓለፍቲ ሰራዊት ኲናት ኣየድልን ኢሎም ምኽንያት ከቕርቡ ከለዉ፣ ውግእ እንተተገይሩ መን ሒዝና ኢና ውግእ ንኣቱ? ናይ ባዕልና ኲነታት ኣዝዩ ዘሰክፍ’ዩ  ዝበሉ ሓለፍቲ ኣለዉ። ነዞም ከምዚ ዝበሉ ሓለፍቲ ኣካላት ከኣ ካብ ቦታ ስርሖም ተኣልዮም ከም ዘለዉ እቲ ሓበረታ ወሲኹ ኣብሪሁ። ብርግጽ ወላ እኳ ንግዜኡ መነመን ምዃኖም ዝገልጽ ሓበረታ እንተዘይተረኸበ ገለ ምቅይያራት ተገይሮም ኣለዉ። ብካልእ ሸነኽ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካልእ ወጽዓታትን ዝበጽሖ ዘሎ ህዝቢ ነዚ ምስ ጅቡቲ ዘሎ ወጥሪ ብረጽሚ ምእላይ ዝብል ኣበሃህላ ፈጺሙ ኣይደገፎን ዘሎ ብምባል እቲ ሓበረታ ወሲኹ ኣብሪሁ ኣሎ።

ብካልእ ወገን ኣብ ተመሳሳሊ ሚኒስትሪ ኣብ በለዛ  ስታፍ ምምሕዳር ዝነበረ መኮነን ካሕሳይ ዝበሃል ብሓሊባይ፣ ኣብ ናይ ፋይናንስ ስታፍ ደረስ ዝበሃል ዝነበረ ብሃብተ ብምትካእ ምቅይያር ተገይሩ ከም ዘሎምንጪ ወሃብ ዜና ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ’ዚ ምቅይያራት’ዚ ብኲነታት ምስ ጅቡቲ ዘለዎም ወጥሪ ዝፈጠሮ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብሉ ብቀረባ ዝከታተሉ ወሲኾም ይሕብሩ።

ድሕሪ ባይታ ናይ’ዚ ኣብ ውሽቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ህግደፍ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ 

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዓቢ ወጥሪ ተፈጢሩ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣስታት ዓሰተ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ብናይ ዶብ ምኽንያት ኣብ መንጎ ህግደፍን ጅቡትን ወተሃደራዊ ምትህርራም ነይሩ። ነቲ ኣብ መንጎ ህግደፍን ጅቡትን ተፈጢሩ ዝነበረ ምስሕሓብ ንምትህድዳእ ተባሂሉ ቀጠር ኣብ መንጎ ኣትያ ዓቃብ ሰላም ዝዀነ ሓይሊ ኣብ መንጎ ክልቲእን ሃገራት ኣቐሚጣ ነይራ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ስዑዲ-ዓረብያ ምስ መሓዙታ ኰይና ጸረ ቐጠር ማዕቀብ ገይራ ኣላ። ጅቡትን ህግደፍን ከኣ በብመገዶም ምስ ናይ ስዑድያ ወገን ኰይነን ወጊነን ኣለዋ። በዚ ምክንያት’ዚ ቀጠር ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዝነበረ ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ሰራዊት ቀጠር ለቒቑ ምስ ወጽአ ኣስጋኢ ጐንጺ ተፈጢሩ ኣሎ። ኣልዒላቶ። ብቀጥታ ከኣ ኣብ መንጎ ህግደፍን ጅቡትን ምፍጣት ተራእዩ ኣሎ።

ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ!

ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት

ግሃድኤ-ሕድሪ

23-06-2017

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *