المسلمين يحتفلون بعيد الفطر في جميع أنحاء العالم
ርሑስ ዒድ ኣልፈጥር
ሎሚ ጾም ወርሒ ሮሞዳን ተዛዚሙ። ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹኑ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብሓፈሻ፣ ኤርትራውያን ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ድማ ብፍላይ እንቛዕ ናብ’ዚ ርሑስ ዒድ ኣልፈጥር ኣብጽሓና ብምባል ግሃድኤ-ሕድሪ ልዑል ባህትኡ ክገልጽ ከሎ ክብሪ ይስምዖ። ድሕሪ እቲ ክቡር ጾም ወርሒ ሮሞዳን ምውድኡ ኣብ ዒድ ኣልፈጥር በጺሕና ኣለና። እዚ “ዒድ” እዚ መንቀሊ ህድኣት ዝመልኦ ሰላም ክሰፍን፣ ሕውነትን ፍቕርን ምትሕልላይን ድማ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ክዕንብብ፣ ኩሉ እምነታት ኣብ ኤርትራ ተኸባቢሩ ኣብ ኤርትራ ድማ ብሓባር ተሳንዩ ንናይ መጻኢ ናይ ሓባር ረብሕኡ ብሓባር ክጥምትን ክሓስብን ግሃድኤ-ሕድሪ ልባዊ ትምኒቱ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ይገልጽ።
ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ!
ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት ግሃድኤ-ሕድሪ
24-06-2017