ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

hidri

ብሓፈሻዊ ኣበሃህላ ኣብ ታሪኽ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ተራ ውልቀሰባት ወሳኒ ኣይኰነን ዝብል ተረድኦ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ብዙሓት ይዛረቡን ይኣምኑን እዮም። ነዚ ብዝያዳ ዝደፍኡሉን ንህዝቢ ከረድኡ ብዝያዳ ዝጽዕሩን እቶም ናይ ምልኪ ስነ-ሓሳብ ኣረጋጊጾም ክኸዱ ዝደልዩ ሰባት እዮም። እንተዀነ ግን እቲ ሓቂ ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለ ሕብረተሰባ  ውልቀ-ሰባት ዓብን ወሳንን ተራ ኣለዎም። ኣብ ኤርትራ ኣህገርና በቶም ንሱ ዝመልመሎምን ዝሰርሖምን ተሓጊዙ ወሳኒ ተራ ዝጻወት ዘሎ ውልቀ-ሰብ – እሳያስ ኣፈዎርቂ ዝበሃል ውልቀሰብ-ሰብ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ኣብ እዋን ጸረ-ስርዓት ኢትዮጵያ ቃልሲ በብሓደ እንዳመልመለ ኣብ ጸግዑ እንዳገበረ ካልእ ርእይቶን እምነትን ዘለዎ እንዳነጸለን ኣግለለን ክሳብ’ውን እንዳቀንጸለን ዝመጽአ ሰብ እዩ።

እዚ ናይ’ዛ ዝሃነጻ ጉጅለ ህግደፍ መራሒ ኣብ ድልዱል ቦታ ኮፍ ኢለ ኣለኹ ምስበለ ንህዝቢ ኤርትራ ብሕጨጫ ክዛረብ ጀሚሩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ኣብ ናይ ሕሶት መብጽዓን ናይ ስልጣኑ መናዊሒ መደሪኡ  ክዛረብ  ከሎ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂህዝቢ አርትራ ንዓይ ዝኾነ ነገር ንኽፍጽመሉ ዝኣተኹሉ “ኮንትራት” የብለይን  ክብል ከምዝተዛረበ ይዝከር። ማለት ኣነ ድልየትን ጥቅምን ህዝቢ ክፍጽም ዝግድደኒ የለን። ንህዝቢ ከደንቁር፡ከጥሚ፡ ክቐትል፡ ከሳቅን እንተደልየ፣ ከምኡ’ውንራህዋ ከምጽእ ዝኽእል ፍጹም በዓል ስልጣን እየ፣ ዝደለኹዎ ክፍስጽም ነጻ እየ ዘስምዕ መግለጺታት ይህብ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

እወ ብልክዕ ንእሳያስ ከም መራሒ ብዘይካ እቶም “ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ” ዝብሉ ህዝቢ ኤርትራ ከም እሙን ተዃናታሪ ገይሩካብ ዘይርእዮ ነዊሕ ዓመታት ኣቚጺሩ እዩ። ባዕሉ ከም ዝመስከሮ ኢሳይስ ዝገብሮን ዝዛረቦን ናይ ሃገር መራሒ ምዃንስ ይትረፍ፣ ኩሉ ስራሓቱ ናይ ዕዋላን በጋሚንዶን ስለ ዝዀነ፣ ከም ናይ ሓደ ዲጋ ተዀናታሪ’ውን ክትቅበሎ ዝከኣል ኣይኮነን። ብዝኾነ ግን እቲ ደላይ ፍትሕን ብዓል ዋኒንን ስለ ዝሓመቀን ንግቡእ ተወዲቡ ከኣ ስለ ዘይተቓለሰን እምበር ኢሳይስን ውሑዳት ጭፍራ መሳርሕቱን ንህዝብና ብኽሳዱ ረጊጹ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ገይሩ እናጨቆነ ከባድሞ ተዓጢቑ ከም ዘሎ ብሩሃት ምልክታት ኣለዉ።

እሳይስ ቀንዲ ዕላምኡ ኣብ ስልጣን ምንባር እዩ። እዚ ንምርግጋጽ ጥርኑፍ ተቛውሞ መታን ከየጓንፎ ናይ ምፍልላይ ኣገባብ ምጥቃም ስርሑ ኰነ። ህዝቢ ንምብትታን ቁምነገር ንኸይገብርን ሓደ ካብ’ቶም ዓበይቲ መላታት ናይ ኢሳይስ ህዝቢ ብሓደ ንኸይሓስብ ምግባር እዩ። ንህዝቢ ኣናፈላለኻን ግርጭት እናፈጠርካን  ምንዋሕ ስልጣኑ  ምኻኑ  ኣጸቢቁ ስለ ዝተረዶ ካብታ ዝተሰለፈላ ዕለት ጀሚሩ  ክሳብ ናቱ ውድብ ዘቆመሉን መወዳእታ ሰብዓታት  ኣትሒዚ ዋና  መሃሃንድስ ናይ ግርጭትን  ምፍልላይ ከም ዝነበረ ታርኽ ዝምስክሮ ኰይኑ፣ ጌና’ውን እቲ መላ ናይ ምፍልላይ ይሰርሓሉ ኣሎ።

  1. ከም መቀጸልታ ናይዚ ሕሱም ተግባራቱ ከም ኣብነት ክግለጽ ዝኽእል ኣብ ሓደ ሰላም ዝነበሮ ህዝቢ ኣብ መንጎ ዓድታት ዓዲ-ቐ ላዕላይን ታሕታይን ኣብ ውሽጡ ብዛዕባ ታቦት ናይ ማርያም ናይ ላዕላይ ዓዲ እዩ ኣይኮነን ናይ ታሕታይ እባኣይኮነን ናይ ማላእ ሰሓርቲ እዩ እናተባኡለ ነቲ ግርጭት ከም ዝዓቢ ተገይሩ ኣብ መወዳእታ ነንሓድሕዱ ከም ብኻራን በባትርን ከም ዝጣፋእ ተገይሩ።ህግደፍ ከኣ ነቲ ኩነታት በሲሉ ምስረኣየ ሰራዊት ሰዲዱ ንብዙሓት ብብረት ሃሪሙ ከጥፍእንከሎ፣ ልዕሊ 95  ገባራት  ከኣ ኣሲሩ  ንጋሕተላይ ከም ዘውረዶም  ብጭቡት  ዝበጽሓና ሓበረታ  ኣመልኪቱ ኣሎ።
  2. 2. ካልእ ተማሳሰሊ ኣብ መንጎ ዓዲ ኣፍኒን ዓዲ ባሮን ኣብ ጽልማ ዝርከባ ዓድታት ዓዲ ኣፍኒንንእሽቶ ዓዲ ስለ ዝዀነት ኣብ ትሕቲ ዓዲ ባሮ እዩ ኩሉ ምምሕዳራ። ከም ዓዲ በይና ክትቀውም የብላን ካብ ዝብል እምንቶ ንሳቶም ከኣ ንሕና ካብ ጥንቲ ንበይንና ዓዲ እኹላት ኢና ምስ ዓዲ ባሮ ዘሕውስ የብልናን ካብዝብል ክንደይ ህይወት ከም ዝተላዕለ ይሕበር።
  1. ኣብ ምብራቓዊ ወገን ኤርትራ፡ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ዝነበሩ ሃገራውያን ብፍላይ ካብ ጉልዒ፡ ዓርበ-ረቡዕ፡ ሸግርኒ፡ ነፋሲት፡ ማይ-ሓባር፡ደንጎሎ ላዕላይ፡ ደንጎሎ ታሕታይ፡ ክሳብ ታሕቲ ዘለዉ ዓድታት ወይ ከተማታት ኩሉ ኣመንቲ ክርስትና ዝዀኑ ህዝቢ ካብ’ዘን ዝተጠቅሳ ዓድታት ብዘይ ውዓል ሕደር ንኽለቅቕ ካብዝነበሮ ተገላቢቱ ንከበሳ ይምለስን ይሻቀልን ከምዘሎ ተረጋጊጹ ኣሎ።እንተዀነ ግን ኣመንቲ ምስልምና ንዝኾኑ ኣካላት ህዝብና ግን ንጊዘኡ ኣብ ዘለኹሞ ጽንሑ ክሳብ ሓድሽ መምርሒ ዝመጸኩም ተባሂሎም ከምዝተረፉ ተፈሊጡ።ተመልከቱ፡ ህግደፍ ብእሳያስ ተመሪሑ ከመይ ገይሩ ኣስላምን ክርስትያንን ዝብል መፋጠጢ ነገር ከም ዝፈጠረ። ህግደፍ ስለ ምንታይ ከም’ዚ ይገብር ኣሎ ምስ ዝበሃል ብዙሓት ምኽንያታት እዮም ዝቐርቡ።

ህዝቢ ከም ዝብሎ ሓደ ካብ’ቶም ህግደፍ ከም’ዚ ንኽገብር ዘገደዱ ምኽንያታትእሳያስ ካብ ዓዲ ሃሎ ንደንጎሎ በይኑ ክቅመጥ ስለ ዝተደልየ እዩ ንሰባት ካብኡ ዝሰጉግ ዘሎ ዝበሃል ዘረባ ኣሎ። ካልእ ምኽንያት እውን ከም ዕጸ-ፋርስ ዝኣመሰለ ኣትክልቲ ክተኽሉ ስለ ዝመደቡ እዩ ተባሂሉ ይውረ ኣሎ።እቲ ሓቂ ግን ኢሳያስ ንምስራውያን ኣብ ኤርትራ ቦታ ሂብዎም ስለ ዘሎ፣ ሰራዊት  ናይ ግብጺ ኣብ ዳህላክን  ዓሰብ  ምጽዋዕን ይኣትዉ ስለ ዘለዉ ንኸይረኣዩ እቲ መደብ ክስተር ተባሂሉ ዝተገበረ ሜላ እዩ ተባሂሉ ከኣ ብብዝሒ ይንገር ኣሎ።ከም ምሳለ  ዝተጠቕሰ እንተዘይ ኮይኑ ኣብ ኩሉ ዓድታት  ዓዲ ምስ  ካልእ ዓዲ ሽግር ዘይብላ ዓዲ ኣብ  አርትራ ከም ዘየላ ንኹሉ አርትራዊ  ብሩህ ኮይኑ።

  1. ትዕቢተኛን ገባትን እሳያስ ኩሉ ግዜ ትኽ ዝበለ መልሲ ኣይህብን እዩ። ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ካብ ናይ እሳያስን መሳርሕቱን ጭቆና ሃዲሙ ንሱዳን ዝኣተወ ተጋዳላይ እሳያስ ኣብ መገዲ ይረኽቦ። ኣብ’ዚ ደኣ እንታይ ትገብር ኢሉ እሳያስ ሃታታይ። እቲ ሃዲሙ ዝወጽአ ከኣ ኣነስ ቃልሲ ገዲፈዮ ኢሉ ይምልሰሉ። እሳያስ ከኣ እሞ ከም በዓል ንስኻ እንተገዲፍኩሞስ ኣነ ከኣ ክገድፎ እምበኣር ይብሎ። እቲ ምስኪናይ ሃገራዊ ከኣ ኪድ ደኣ እሳያስየ ዓሻኻ ድለ ከም ዝበሎ ይፍለጥ። መቐጸልታ ናይ’ዚ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ድማ ኣሳያስ እንታይ ከም ዝብል ንመልከት።

ሀ. ንዝሓሰሞ ህዝቢ ብኸመይ ብሕጨጫን ባጫን ከም ዝምልስ ዘመልክት ሓበረታ እዩ። ብዙሓት ኣደታት መነባብሮ ስለ ዝሓሰመን ብፍላይ ብፍላይ ብዋናታት ገዛውቲ ተሸጊርና ካብ ንነብረሉ ኣውጺኦም ኣብ ሻርዕ ደርብዮምና ክብላ ጥርዓነን ኣጽሒፈን ናብ እሳያስ ንዓዲ ሃሎ ተኣኪበን ከይደን ኣብየት ኣብየት ፍትሒ ስኢና ትገብር ግበረና ኢለን ናብ ኣቶ እሳያስ ቀሪበን። ንሱ ከኣ ዓዲ ሃሎ ነዓይ እውን ውጸልና ይብሉኒ ኣለው እሞ ዓዶም ክሓድገሎም እየ ስለዚ መፍትሒ ካልእ የለን ምስ በለን እና በኸያ ነስመራአን ከም ዝተመልሳ  ተፈሊጡ።

ለ.ናይ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ሰብ ዓበይቲ ጋራጅ፣ ስረሖም ተዓሸጉምስራሕ ስለ ዝተኸልከሉ ናብ ኣቶ እሳያስ ናብ ዓዲ ሃሎ መናገሻ ከተማ ከይዶም ተበዲልና ኣብየት ኣብየት ፍትሒ ሃበና መራሒና ንዝበሉ፣ ኣቶ እሳያስ ከኣ ኣነ እውን ካብ ዓሻ ጎልጎል ውጻእ ስለ ዝተባሃልኩ ኩሉ ጋራጃት ናይ ዓበይቲ መካይን መንግስቲ ክወጽእ እዩ ኢሉ መሊሱ። እቶም ሰብ ጥርዓን ከኣ  ብዘይ መፍትሒ ከም ዝተመልሱ ተራጋጊጹ ኣሎ።

እምበኣር ካብ’ዚ ጸበባ’ዚ ንምውጻእ ህዝቢ ዝገበሮ የለን  እሞ ከም መፍትሒ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ኣብ ክንዲ ተጸባይ ዝኸውን ሽግሩ ባዕሉ ክፈትሕ ክፍትን ይግባ።  እታ እንኮ መፍትሒ ከኣ ኣብ ሃገርና ዝኸይድ ዘሎ ኲነታት ይኣልካ ኢልካ ብሓደ ተጠምርካ ምቅላስ ጥራኣይ እዩ።

ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ!

 

ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት

ግሃድኤ-ሕድሪ

03-06-2017

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *