ሓሰኻ ደምበስ ናብ ዝለምለመሉ ። ክቡራትን፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራህን፡ ሲያትልን፡ከባቢኣን.31- ግንቦት 2017..

 Image result for seattle washington images

ሓሰኻ ደምበስ ናብ ዝለምለመሉ ።

ክቡራትን፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራህን፡ ሲያትልን፡ከባቢኣን።

ኤርትራ ሃገርና ነጻነታ ካብ ዝረኸበትሉ ዕለት ጀሚራ፡ ህግደፋውያን ፡ካብ መላእ ኣመሪካ፡ እተን ዝለዓለ ሕዝባዊ  ተሓባበርነት ዝረኽቡለን ዝነበሩክልተ ከተማታት፡ ዋሺንግተን ዲሲን፡ ኦክላንድ፡ ካሊፎርንያን እየን ኔረን። እቲ ተጎልቢቡ ዝነበረ ጸረ ህዝቢ፡አከይተግባራት፡ ናይ ህግደፍ  ንህዝበን ኣብ ዝበርሃሉ ግዜ፡እቲህዝበን ብምቁዋም ኣሸኒፉስለ ዝሰዓሮም፡ ንዝመጽእ ግዜ ንከይምለሱ ኣጠንቂቑ ኣባሪሩዎም።

ኣብ ምሉእ ዓለም ተመሳሳሊ ተጻብኦታት ኣብ ዘጋጥሞም ዘሎ ግዜ፡ ካብ ምሉኣት ከተማታት ኣመሪካ፡ከተማ ሲያትል ከም ዒባ ደንበ ልስልስቲ እያ ብምባል፡ ኣብ ከተማ ሲያትል፡ ካብ  ዕለት 11 ክሳዕ 13, ወርሒ ነሓሴ 2017፡ዓቢ ፈስቲቫል ንምክያድ ወሲኖም ኣሎዉ።

እቲ ዘሕዝን ነገር ከኣ፡ ኣብ ፈቕዶ መርዓታት፡ ካብ 20-ክሳዕ 30 ሽሕ ዝኣክል ቁጽሪ ኣጋይሽ ካብ ወጻኢ ክመጻኡና እዮም ፡ኢሎም ብምጅሃሮምእዩ።

መኸተና፡ ነቲ ተመዲቡ ዘሎ ፈስቲቫል ንኸይትግበር ንምቅዋም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ንጹርአንታይነት ናይ ህግደፍ ንመላእ ዓለም ኣጋሊጽካ፡ ናይ ህግደፍ እከይ ተግባራቱ፡ ከም በዓል 2% ንኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣገዲድካ ናይ ምኽፋል ጸቕጢን፡ ሬሳታትኩም ናብ ዓድኹም ኣይኣቱን፡ ኢልካ ምኽልካል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከም’’ዚኣ ዝኣመሰለት ቤተ-ክርስትያን ተሳሊምካ / ኪ ኢልካ ምእሳር፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ፈጺሙ ከምዝተርፍ ንምግባር እዩ።

እቲ ተሓንጺጹ ዘሎ ህዝባዊ መኸተ፡ ኣብ ውሽጢ ኣመሪካን፡ መላእ ዓለምን ዝርክብ ፈታዊ ፍትሒ ህዝብና ዓዲሙ ዘሳትፍ መደብ ስለ ዝኾነ፡ ናይ ህዝቢ መልክዕ ናይ ምትሓዙ ሓላፍነት ግን ፡ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ፡ ተቐማጢ ከተማ ሲያትል፡ብግብሪ ምስ ዝሳተፎ እዩ።

ንህግደፍ ኣብ ሲያትል ዝጽበዮ ዘሎ ሓይሊ ህዝቢ፡ ከም ዒባደንበ፡ ልስሉስ ዘይኮነስ፡ ከም ሓጺን ተሪር እዩ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪን ፡ ክብርን ንስዉኣትና።

ኤርትራውያ፡ ደለይቲ ፍትሕን፡ ደሞክራስን፡ ኣብ ኤርትራ፡ ተቐማጦ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *