ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ውድባዊ ሰሚናር ኣቃኒዑ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ውድባዊ ሰሚናር ኣቃኒዑ

ብማእከልነት ኣባል ፈጻሚ ኣካል ብጻይ መሓመድ ሳልሕ (ኢሮብ) ካልኦት ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ግሃድኤ-ሕድሪ ሰሚናር ኣብ ከተማ ሽረ ኣቃኒዑ። ግሃድኤ-ሕድሪ ስርዒታውያን ሓለፍትን ወከልቲ ጨናፍር ካብ ማይ-ዓይኒ፡ ማይ-ጸብሪ፡ ዓዲ-ሓሪሽ፡ ሽመልባ፡ ሕጻጽ፡መቐለ፡ ከምኡ’ውን ምምሕዳራትን ኣዘዝቲ ሰራዊት-ሕድርን ካልኦት ኣገደስቲ ኤርትራውያን ከም ተዓዘብቲ ዝተሳተፍዎ ካብ ዕለት 12 ክሳብ 14 ግንቦት 2017 ውድባዊ ሰሚናርተሰላሲሉ።

እቲ ሰሚናር ዝተመያየጠሎም ዛዕባታት፡-

  • ኲነታት ሃገርና ማለት በቲ ሓደ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ኣደራዕ በቲ ካልእ ድማ ስርዓት ህግደፍ ዘውርዶ ዘሎ ኣደራዕ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ምስ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ዝምድናታቱን
  • ኲነታት ድመበ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን
  • ኲነታት ውድብና ግሃድኤ-ሕድሪ

 

I. መጀመርያ እቲ ሰሚናር ብዝኽሪ ስዉኣት ጀሚሩ። ድሕሪ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ስዉኣት ምግባር ሰሚናር ናብ ዝመደቦ ዕዮ ኣትዩ። ህዝብናን ሃገርናን ዝሓልፎ ዘሎ ኣደራዕንናይ ጥፍኣት መደባት ህግደፍ ወሳኒ ተራ ምዃኑን ብምስትብሃል ሰሚናር ነቲ ጉዕዞ ብዕቱብ ብምዝታይ ገምጋሙ ኣቐሚጡ። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ናይ ህዝቢ መነባብሮ ኣብ ኣዝዩ ተስፋ ዘቚርጽ ደረጃ ከብጽሕ ዝኽእል ፖሊሲታት ኰነ ኢሉ ብቀጻሊ ይኽተል ከም ዘሎ እቲ ሰሚናር ሓፈሻዊ ሚዛን ኣቐሚጡ።

ንኣብነት ኣብ ናይ ህግደፍ ዓለም ፖለቲካ ከም ገበን ተቘጺሩ ይርከብ ኣሎ። ዝዀነ ይኹን ኤርትራዉ ዜጋ ድማጉዳይ ኤርትራ ከም ዘይትብጽሖ ወሲዱህግደፍ ኣዕናዊ ስራሓቱ ይፍጽም ኣሎ። ኩሎም ፖለቲካዊ መሰላት ህዝብና ከኣ ዓፊንዎም ይርከብ። ኣብ ቊጠባዊ ሸነኽ እንተተራእየ ድማ ህግደፍ ኩሎም እቶም መባእታውን መሰረታውን ኣዕኑድ ናይ ቊጠባ ዝዀኑ መሬት፡ ከፍሪ ዝኽእል ጉልበትን ሓይሊ ሰብ ሃጊርዎም ይርከብ። ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት እንተተራእየ ድማ ንሕብረተሰብ ንምቊጽጻር ብዝብል ፍልስፍና መጀመርያ ነታ መሰረት ሓደ ሕብረተሰብ ዝዀነት ስድራ ቤት ከፍርሳ ዘይፈንቀሎ እምኒ የልቦን። ብዘይመጠን ከኣ ሃስዩዋ ይርከብ።

ኣብ ልዑላውነት ሃገር ምክልኻል ብዝምልከት፣ ሰሚናር እዞም ዝስዕቡ ሓቅታት ኣረጋጊጹ። ብሕቶ ልዑላውነት ብዝምልከት ድማ ስርዓት ህገደፍ ንልዑላውነት ይከላኸል ኣለኹ ብምባል ልዑላውነት ሃገርና ከፍርስ ይውዕል ከም ዘሎ ይፍለጥ። ዶብ ሃገርና ከም ዝድፈር ገይሩ፣ ህዝብና ትረፍዶ ኣንጊሁ ናብ ስድት ዝኸደ ከም ዝምለስ ምግባር፣ ሓደስቲ ስደተኛታት እንዳኣፍረየ ንመንእሰይትና ናይ መጻኢ ዕድላቶም እንዳኣጸልመተ ሃገሮም ገዲፎም ከም ዝስደዱ ይገብር ኣሎ። ብዓቢኡ ኩሉ መሰላት ህዝብና ዓጊቱ ወካሊኡ ዝዀነ ከይመርጽ ሓሪምዎ ይርከብ ኣሎ። ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድና እሞ ኸኣ ኣህጉራዊ ሕግታት ክንዲ ዘኽብር፣ ምስኩሎም ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ዞብና ዘለዉ ሃገራት ብሓፈሽኡ ከኣ ምስ ዓለም ከም ዝጋጮ ከይኑ ኣሎ። ስለ’ዚ ንህዝብና ዘይውክል ስርዓት ምዃኑ ብዘየጋጊ መልክዑ ንኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኰነ ንዓለም ኣረጋጊጹ ኣሎ።

 

II.በቲ ካልእ ሸነኽ ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ዘሎ ኲነታት ኣመልኪቱ ሰሚናር፣ ንጹር ሚዛኑ ኣቐሚጡ።ኣብ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ እዋን ብሓፈሽኡ ኣብ ኩሉ ቦታትት ዘሎ ህዝብና ካብ ንስርዓት ህግደፍ ዝድግፍ ዝቋወም ከም ዝበዝሕ ሰሚናር ተረዳዲኡ። ይኹን እምበር ተወዲቡ ዝቃለስ ዘሎን ከይተወደበ ዝቃወምን ክርአ ከሎ ግን ሰሚናር ዘይተወደበ ኣካል ህዝብና ከም ዝበዝሕ ዝብል ገምጋም ኣስፊሩ። ብካልእ ወገን ከኣ ዘይተወደበ ቃልሲ ክዕወት ስለ ዘይክእል ህዝብና ውዱብ ቃልሲ ከካይድ ሰሚናር ጸዋዒቱ ብዓውታ ይቕርብ።

ስርዓት ህግደፍ ምቕያር ከም ቀዳማይ ዕማምን ህጹጽን ተወሲዱ፣ ንምእላዩ ኣበርቲዕካ ምስራሕ ከም ዘድሊ ፍሉጥ እዩ። እቶም ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለዉ ክርኣዩ ከለዎ ከኣ ተወሃሂዶም ይሰርሑ ከም ዘየለዉ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣድማዒ ፍርያ ከም ዘየመዝገቡ ሰሚናር ኣጒሊሑ በሪሁ ኣሎ። ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒሙ ኲነታት ሃገራዊ ባይቶ ብግቡእ ኣብ ሰሚናር ተገምጊሙ ዝሰርሕ ሃገራዊ ባይቶ ክኸውን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብትብዓትን ሓላፍነትን ክሰርሑ ሰሚናር የተባብዕ። ብተወሳኺ እቲ ናይ ኣርባዕተ (4) ውድባት ብሓባር ክሰርሓ ልፍንቲ ከቑማ ዝወስድኦ ዘለዋ ተባዕ ስራሓት ሰሚናር ሞጎሱን ደገፉን ይገልጽ። ውድብና ድማ ብዝከኣሎ መጠን ነዚ ንኸዕውት ብንጥፈት ክሰርሕ ንመሪሕነት ለበውኦ የቕርብ።

 

III. ሰሚናር ብዛዕባ ኲነታት ውድብና ግሃድኤ-ሕድሪ ኣመልኪቱ ስፍሕ ዝበለ ክትዓት ኣካይዱ። ኣባላት ግሃድኤ-ሕድሪ ውድብና ናይ ቃልሲ መሳርሒ ከም ምዃኑ መጠን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ሰሚናር ኣጥቢቑ የዘኻኽር። ኣብ እቲ ውሽጢ ውድብ ዝነበረ ሕጽረታት ገምጊሙ ንዝተገበሩ ጌጋታት ንድሕሪ ሕጂ ከይድገሙ ክእረሙ ከም ዘለዎም ሰሚናር ኣስሚሩሉ ሓሊፉ። ብፍልይ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ክምረጹ ዘለዎም ብዝግባእ መንነቶም ዝተፈለጡን ዝተጸንዑን ብተወፋይነቶምን ስነ-ስርዓቶምን ስነ-ምግባሮምን ኣብነታውያን ዝዀኑ ክዀኑ ከም ዝግባእ እቲ ሰሚናር ኣነጺሩ ኣቐሚጡ ኣሎ። እቲ ይኹን እዚ ግን ኣብ ውሽጢ ውድብና ዝነበረ ጥምጥም ኣብ መንጎ ውድብ ከፍርሱ ዝደልየን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ደገፍቶምን በቲ ሓደ፣ በቲ ካልእ ከኣ ጸረ-ውድብ ምፍራስንዝተገበረ ቃልሲ ምዃኑ ብሰፊሑ በሪሁ ኣሎ። ንመጽኢ ድማ ውዳቤኻ ኣደልዲልካ ዕዉት ቃልሲ ክካየድ እቲ ሰሚናር ከም ዘጽንዐ ይፍለጥ። ኣብ መውዳእታ በዘን ዝስዕባ ለበዋታት እቲ ሰሚናር ተዛዚሙ።

ለበዋታት

  • ናይ ፈጻሚ ኣካል ቤት ጽሕፈት ስራሓቱን መደባቱን ዝዓብየሉ ኣገባባትን መገድታትን ምንዳይ
  • ውልቃዊ ረብሓታት ዓብላሊ ከይከውን
  • ዘይተደላዪ ፖለቲካዊ ወፈራ ዘይምክያድ
  • ዝስርሕን ዘይሰርሕን ፈሊኻ ምልላይ
  • ናይ ስራሓት ምክትታልን ምቊጽጻርን ምግባር
  • ኣብ ዝሓላፈ ስራሓትና ለውሃት ነይርዎ እዩ፣ ሕጂ ከይድገም ከኣ ንላቦ
  • ናይ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ሃጓፍ ስለ ዝነበረ ከይድገም

 

ካልእ ተረኽቦታት

ግሃድኤ-ሕድሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ-ዓለማት ህዝብና ዝገብሮ ዘሎ ግጥሚያታት ብደቂቕ ይከታተሎ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ነቲ ኣብ ወጻኢ ጸረ-ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ተባዕ መኸተታት ብዝግባእ ስለ ዝከታተሎ ዘሎ፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሓት ጸረ-ህግደፍ መኸተታት የካይዱ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር ኣብ እዚ እዋን’ዚ’ውን ብምቕጻል ዝካየድ ዘሎ ዝሙገስ ምዃኑ ግሃድኤ-ሕድሪ ኣስሚርሉ። ካብ ኣብ ሆላንድ ዝተገበረን ዝግበር ዘሎን ቃልሲ ጀሚርካ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ጀርመን (ስቱትጋርድ፡ ፍራንክፎርት፡ ኮለን ወዘተ) ብኣድናቖት ብምግምጋም እቲ ቃልሲ ከኣ ቀጻሊ ክኸውን ግሃድኤ-ሕድሪ የተባብዕ። ብዝተኻእለ መጠን ድማ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ የረጋግጽ።

 

ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ!

ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት

ግሃድኤ-ሕድሪ

15-05-2017

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *