ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ብሓድሕዳዊ ተኹሲ ሰለስተ ተቐቲሎም ። 07/ ግንቦት/ 2017
ብሓላፊ ስለያ ምክትታል ዶባት ዝተላእኩ ዕጡቓት፡ ንክልተ ኣባላት ህዝባዊ ሚሊሽያ ንምእሳር ኣብ ዝተበገስሉ እዋን፡ ብሓደ መራሕ ጋንታ ህዝባዊ ሚሊሽያ ዝምርሑ ኣባላት ንዝተዋህበ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ብምቅዋም ብዝተፈጥረ ግርጭት ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ሓድሕዳዊ ተኹሲ ተኸፊቱ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ካብ ክልቲኦም ወገናት ሰለስተ (3) ኣባላት ከምዝሞቱ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ግዜን ቦታን ፍጻሜ፡ ተኹሲ ዝተኻየደሉ ዕለት 05/ 05/ 2017 እዩ። ቦታ ፍጻሜ ድማ ኣብ ከባቢ ዒላ ዓብደላ ዞባ ጋሽ ባርካ’ዩ።
ጠንቒ ሓድሕዳዊ ግጭት፡
ኮሎኔል ድማ ሃገራዊ ድሕነት ሓላፊ ስለያ ምክትታል ዶባት፡ ንክልተ ኣባላት ሚሊሽያ ንምእሳር ትእዛዝ ሂቡ ሾመንተ (8) ዕጡቓት ኣዋፊሩ ብ05/ ግንቦት/ 2017። ብዓብዱ ሽፋ ዝምራሕ ጋንታ ህዝባዊ ምልሻ ድማ ነቶም ክልተ ዕጡቓት ኣሕሊፎም ክህቡዎም ስለዘይደለዩ ንኸይእሰሩ ተኸላኺሎም።
ነዞም ክልተ ዕጡቓት ንምእሳር ዝቐረበ ምኽንያት ድማ፡ ምስ ዓብዱ ታልከ ኣምሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ዝነበረ ርክብን ምትእስሳርን ኣለዎም ዝብል ምኽንያት ቀሪቡ። እንተኾነ ግና እቶም ክኣስሩ ዝተኣዘዙ ሰባት ንዝተዋህቦም ትእዛዝ ክፍጽሙ ንጹሃት ክኣስሩ ክፍትኑ ከለዉ፡ እቲ ካልኣይ ወገን ብዓሊሽፋ ትምራሕ ትሽዓተ ኣባላት ዝነበራ ጋንታ ህዝባዊ ሚሊሽያ ብወገኖም ብሕልንኦም ብጾቶም ክእሰሩ ስለዘየፍቀዱ ክከላኸሉ ፈቲኖም። ስለዚ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ናብ ግጭት ስለዘምርሑ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ሓድሕዳዊ ተኹሲ ተኻይዱ።
ዘጋጠመ ክሳራ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ዘኸተሎ ሳዕቤን ድማ ብድምር ሰለስተ ሰባት ሞይቶም። ክልተ ሰባት ካብ ወገን ስለያ ክሞቱ ከለዉ ሓደ ድማ ካብታ ጋንታ ህዝባዊ ሚሊሽያ ሞይቱ። ብዓብዱ ሽፋ ትምራሕ ጋንታ ድሕር’ዚ ዘጋጠመ ተኹስን ሞትን እቶም ዝተረፉ ኣባላት ናይታ ጋንታ ህዝባዊ ሚሊሽያ ናብ ስግር ዶብ ከምዝኸዱ ተረጋጊጹ ኣሎ። ድሮ’ውን ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ እቲ ፍጻሜ ተኹስን ዘጋተመ ሞትን እቲ ሓበሬታ ተዘርጊሑ’ሲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።
ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ “ ዓብዱ ታልከ” ኣምሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ዝነበረ ኣቐዲሙ ምስ ካልኦት ሓለፍቲ ዞባን ኣምሓደርቲ ንኡስ ዞባን ይኹን ኣባላት ህዝባዊ ሚሊሽያን ዝርከቡዎም ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዕስራን ሰለስተን (23) ሰባት ብኣልማማ ከምዝተኣስሩ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፈይስ ቡክ Face book ገጽ ይኹን ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ www.erifront.com ተቓሊሑ ስለዝነበረ ብቐሊሉ ምውካስ ይከኣል።
እዚ ፍጻሜ ተኹስን ዘጋጠመ ሞትን ኣብ ህዝባዊ ሚሊሽያ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝፈጥሮ ጽልዋ ከምዝህሉ ይግመት። ስለዚ ኣብ ካልኦት ኣባላት ህዝባዊ ሚሊሽያ ዞባ ጋሽ ባርካ እቲ ጽልዋ ንኸይዓቢ ድማ ህግደፍ ተቐላጢፉ ነቲ ጉዳይ ንምህዳእ ዝከኣሎ ጻዕሪ ከምዘካየድ ይግመት። ይኹን’ምበር ንዘይዕጉብነት ህዝቢ ይኹን ንዝተደጎለ ኣሉታዊ ስምዒት ግና ክቆጻጸሮ ከምዘይክእል ይግመት።
እዞም ብዓሊ ሽፋ ዝምርሑ ኣባላት ህዝባዊ ሚሊሽያ ንንጹሃት ኣባላቶም ንኸይእሰሩ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ብሕልና ቕቡል ንክብሪ ሰብኣዊ መሰል ኣባላቶም ንምክልኻል ስለዝኾነ ክምስገንን ክተባባዕን ዝግብኦ ቕዱስ ተግባር’ዩ። እዚ ሕልናዊ ስጉምቲ ምስዝዓቢ ድማ ንህግደፍ ዝፈጥረሉ ጸጥታዊ ስግኣትን ዝፈጥረሉ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ኩልና ንግንዘቦ ይመስለና።
ክፍሊ ዜናን ባህልን፡ ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ – ስደግኤ Email: uedf2012@gmail.com Website: www.erifront.com May 07, 2017
togoruba.com