መጸዋዕታ ንድራር ውጉአት ሐርነት ኤርትራውያን ን ዕለት 10-06-2017

ዝኸበርኩምን ፤ ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ፡ ኣሓትን ግዱሳት ኤርትራውያን ዜጋ

ብምቕዳም ናይ ክብሪ ሰላምታና ነቕርብ።

ኣስዒብና ከምቲ ወርትግ እንገብሮ ድራር ነቶም ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ጸሓይን ዶሮናን ሃገር ሱዳን ምስ ኵሉ መውጋእቲ ስቓይን ተወሳኺ ጸቕጢ ደምን ሽኰርን ካልእ ሕማማትን ወዘተ….. ተሳቒዮም ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራውያን ኣሕዋትና ሓደ ምሸት ድራር ክንዝክሮም ናይ ኵላትና ኤርትራውያን ሓላፍነትን፤ ሓልዮትን ምዃኑ ንዓኺ/ ንዓኻ ዝስወር ኣይኰንን እሞ ኣብዚ ንዕለት 10-06-2017 ኣብ SAALBAU Gallus Frankenallee 111. 60326 Frankfurt a.M. ካብ ሰዓት 16.00 ክሳዕ ሰዓት 23.00 ድሕሪ ቀትሪ ዘሎ ሰዓታት ብጉዳዮምን ብዘሎና ማሕበራዊ ሃለዋትና ብምስናይ ወግዕናን ዋዛ ምስ ቁም-ነገር ዕላልናን ገርና ከነማሲ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ምስ ሰናይ ትምኒት

ግዱሳት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን

ምናልባት ኣብዚ ምሸት እዚ እንተዘይጠዓመኩም ሕልናኹም ዝፈቕዶ በዚ መሰረት ሓገዝኩም ክትሰዱ ትኽእሉ።

Eritreischer Verein 2010 .60439 Frankfurt

Post Bank NL Frankfurt

BLZ 50010060 BIC PBNKDEFF Iban

DE 96500100600790750601

ሓበሬታ ቦታ፡

ካብ Hauptbahnhof ብ Straßenbahn 11 & 21 Richtung Höchst ደይብኩም ኣብ Gallus Warte ወሪድኩም ንየማን ጸግዒ ጸግዒ ቀዳማይቲ ኵርናዕ ንየማን ምስ ሰጐምኩም SAALBAU ትረኽብዎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *